መዝሙር 54:1-7

  • ኣብ መንጎ ጸላእቲ ምስ ኰነ፡ ረድኤት ኪረክብ ዝጸለዮ ጸሎት

    • “ኣምላኽ ረዳእየይ እዩ” (4)

ንኣላዪ፣ ብበገና ዚስነ። መስኪል።* ዚፋውያን መጺኦም ንሳኦል፡ “ዳዊት ኣብ መንጎና ተሓቢኡ ኣሎ” ምስ በልዎ፡ ዳዊት ዝዘመሮ።+ 54  ኦ ኣምላኽ፡ ብስምካ ኣድሕነኒ፣+ብሓይልኻ እውን ተጣበቐለይ።*+  2  ኦ ኣምላኽ፡ ጸሎተይ ስማዕ፣+ንቓላት ኣፈይ ጽን በሎ።  3  ከመይሲ፡ ካልኦት ይትንስኡኒ፡ጨካናት ድማ ንህይወተይ* ይደልይዋ ኣለዉ።+ ንኣምላኽ ግዱ የብሎምን።*+ (ሴላ)  4  እንሆ፡ ኣምላኽ ረዳእየይ እዩ፣+የሆዋ ምስቶም ዚድግፉኒ* እዩ።  5  ንጸላእተይ ከም እከዮም ኪፈድዮም እዩ፣+ብተኣማንነትካ መወዳእታ ግበረሎም።*+  6  ብፍታው ክስውኣልካ እየ።+ ኦ የሆዋ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ንስምካ ኽውድሶ እየ።+  7  ንሱስ ካብ ኵሉ ጭንቂ የድሕነኒ እዩ እሞ፡+ንጸላእተይ ብዓወት ክርእዮም እየ።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ተማጐተለይ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ።”
ወይ፡ “ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚኦም ኣይገብርዎን።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ዚድግፍዋ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስቕ ኣብሎም።”