መዝሙር 57:1-11

  • ልማኖ ሞገስ

    • ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኣምላኽ ዚርከብ ዕቝባ (1)

    • ጸላእቲ ናብ መጻወድያኦም ይወድቁ (6)

ንኣላዪ፣ ብ“ኣይተጥፍእ።” ናይ ዳዊት። ሚክታም።* ካብ ሳኦል ናብ በዓቲ ምስ ሃደመ።+ 57  ኦ ኣምላኽ፡ ኣባኻ እምዕቈብ፡*+ሽግራት ክሳዕ ዚሓልፍ ድማ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ እዕቈብ ኣለኹ እሞ፡+ሞገስካ ኣርእየኒ፡ ሞገስካ ኣርእየኒ።  2  ነቲ ልዑል ኣምላኽ፡ነቲ ነዚ መወዳእታ ዚገብረለይ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እጽውዖ ኣለኹ።  3  ካብ ሰማይ ረድኤት ኪሰድደለይን ኬድሕነንን እዩ።+ ነቲ ዚነኽሰኒ፡ ኬፍሽለሉ እዩ። (ሴላ) ኣምላኽ ነቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን ተኣማንነቱን ኪልእኽ እዩ።+  4  ብኣናብስ ተኸቢበ ኣለኹ፣*+ኣብ መንጎ እቶም ኪውሕጡኒ ዚደልዩ፡ኣስናኖም ኲናውትን ፍላጻታትን ዝዀነ፡ልሳኖም ከኣ በሊሕ ሰይፊ ዝዀነ ሰባት እድቅስ ኣለኹ።+  5  ኦ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ይኹን።+  6  ንኣእጋረይ ንምጽዋድ መርበብ ኣዳልዮምለይ ኣለዉ፣+ብጭንቂ ጐቢጠ ኣለኹ።*+ ኣብ ቅድመይ ጕድጓድ ኵዒቶም ኣለዉ፣ግናኸ፡ ንሳቶም ኣብኡ ወዲቖም።+ (ሴላ)  7  ኦ ኣምላኽ፡ ልበይ ጽኑዕ እዩ፣+ልበይ ጽኑዕ እዩ። ክዝምርን ከዝይምን እየ።  8  ክብረየ፡ ንቓሕ። ኦ በገና፡ ንስኺ እውን ኦ መሰንቆ፡* ንቕሒ። ንወጋሕታ ኸንቅሖ እየ።+  9  ኦ የሆዋ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ክውድሰካ፡+ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከኣ ውዳሰ ኽዝምረልካ* እየ።+ 10  እቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻስ ዓብዪ፡ ክሳብ ሰማያት፡እቲ ተኣማንነትካ ድማ ክሳብ ጠፈር እዩ።+ 11  ኦ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ይኹን።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ነፍሰይ ኣባኻ ትምዕቈብ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ብኣናብስ ተኸቢባ ኣላ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ብጭንቂ ጐቢጣ ኣላ።”
ወይ፡ “ኽራር።”
ወይ፡ “ከዚመልካ።”