መዝሙር 72:1-20
ብዛዕባ ሰሎሞን።
72 ኦ ኣምላኽ፡ ንንጉስ ፍርድታትካ ሃቦ፣ንወዲ ንጉስ ከኣ ጽድቅኻ ዓድሎ።+
2 ንሱ ድማ ንህዝብኻ ብጽድቂ፡ንትሑታትካ እውን ብፍትሒ ይማጐተሎም።+
3 ኣኽራን ንህዝብኻ ሰላም፡ኵርባታት ከኣ ጽድቂ የምጽኡሉ።
4 ነቶም ኣብ መንጎ ህዝብኻ ዘለዉ ትሑታት ይጣበቐሎም፣*ንደቂ ድኻ ድማ የድሕኖም፣ንዓማጺ ኸኣ ይጨፍልቆ።+
5 ጸሓይ ክሳዕ ዘላ፡ወርሒ እውን ክሳዕ ዘላ፡ንውሉድ ወለዶ ኺፈርሁኻ እዮም።+
6 ኣብ እተዓጽደ ሳዕሪ ኸም ዚዘንም ዝናም፡ከምቲ ንምድሪ ዜስቲ ብርቱዕ ካፋ ኪኸውን እዩ።+
7 ብዘመኑ፡ ጻድቕ ኪዕምብብ፡*+ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ሰላም ኪበዝሕ እዩ።+
8 ካብ ባሕሪ ኽሳብ ባሕሪ፡ካብቲ ፈለግ* ክሳብ ወሰናት ምድሪ ተገዛእቲ ኺህልውዎ እዮም።*+
9 ተቐማጦ ምድረ በዳ ኣብ ቅድሚኡ ኺሰግዱ፡ጸላእቱ እውን ሓመድ ኪልሕሱ እዮም።+
10 ነገስታት ተርሲስን ደሴታትን ኪግብሩሉ፡+ነገስታት ሳባን ሴባን ድማ ህያባት ኪህብዎ እዮም።+
11 ኵሎም ነገስታት ኣብ ቅድሚኡ ኺሰግዱ፡ኵሎም ኣህዛብ ከኣ ኬገልግልዎ እዮም።
12 ንሱስ ንዜእዊ ድኻንረዳኢ ንዘይብሉ ትሑትን ኬናግፍ እዩ።
13 ንትሑትን ንድኻን ኪድንግጸሎም፡ህይወት* ድኻታት ድማ ኬድሕን እዩ።
14 ካብ ጭቈናን ካብ ዓመጻን ኬናግፎም፡*ደሞም ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ።
15 ብህይወት ይንበር፡ ወርቂ ሳባ እውን ይወሃቦ።+
ወትሩ ድማ ምእንታኡ ይጸለ፣ምሉእ መዓልቲ እውን ይባረኽ።
16 ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ ኪኸውን፡+ኣብ ርእሲ ኣኽራን ከኣ ኣኺሉ ኺተርፍ እዩ።
ፍሪኡ ኸም ኣብ ሊባኖስ ኪስስን እዩ፣+ኣብ ከተማታት፡ ሰባት ከም ኣትክልቲ ምድሪ ኺዕምብቡ እዮም።+
17 ስሙ ንዘለኣለም ይንበር፣+ጸሓይ ክሳዕ ዘላ ድማ ይግነን።
ሰባት ብእኡ በረኸት ይርከቡ፣*+ኵሎም ኣህዛብ ከኣ ሕጉስ ይበልዎ።
18 እቲ በይኑ ዜደንቕ ነገራት ዚገብር+የሆዋ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ይወደስ።+
19 እቲ ኽቡር ስሙ ንዘለኣለም ይወደስ፣+ክብሩ እውን ንብዘላ ምድሪ ይምልኣያ።+
ኣሜን፡ ኣሜን።
20 ጸሎት ዳዊት ወዲ እሴይ+ ኣብዚ ይውዳእ።
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “ይፍረደሎም።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኪጥጥዕ።”
^ ማለት፡ ኤፍራጥስ።
^ ወይ፡ “ኺገዝእ እዩ።”
^ ወይ፡ “ነፍሲ።”
^ ወይ፡ “ነፍሶም ኪብጆ።”
^ ማለት፡ ጽዒሮም ይርከቡ።