መዝሙር 77:1-20

  • ብመዓልቲ ጭንቂ እተጸለየ ጸሎት

    • ብዛዕባ ግብርታት ኣምላኽ ምስትንታን (11, 12)

    • ‘ኦ ኣምላኽ፡ ከማኻ ዝበለ ዓብዪ መን እዩ፧’ (13)

ንኣላዪ፣ ብየዱቱን።* ናይ ኣሳፍ።+ መዝሙር። 77  ብድምጸይ ናብ ኣምላኽ ከእዊ እየ፣ናብ ኣምላኽ ከእዊ፡ ንሱ እውን ኪሰምዓኒ እዩ።+  2  ብመዓልቲ ጭንቀይ ንየሆዋ ደልየዮ።+ ብለይቲ ኣእዳወይ ብዘይምቍራጽ* ናብኡ ተዘርጊሐን። ክጸናናዕ ኣይከኣልኩን።*  3  ንኣምላኽ ክዝክሮ ኸለኹ፡ እቝዝም፣+ተረቢሸ፡ ብርታዐይ እውን ጠሊሙኒ።*+ (ሴላ)  4  ንኸበሮ ዓይነይ ክፉታት ትገብረን። ተናዊጸ፡ ክዛረብ ከኣ ኣይከኣልኩን።  5  ሓሳባተይ ናብ ናይ ቀደም መዓልትታት፡+ናብ ናይ ጥንቲ ዓመታት ተመሊሱ።  6  ብለይቲ መዝሙረይ* እዝክር፣+ብልበይ ድማ ኣጸቢቐ እሓስብ፣+ብትግሃት ከኣ እምርምር።*  7  የሆዋዶ ንዘለኣለም ይድርብየና እዩ፧+ መሊሱኸ ሞገሱዶ ኸቶ ኣየርእን እዩ፧+  8  እቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለምዶ ኣቋሪጹ እዩ፧ እቲ ዜተስፍዎ ተስፋኸ ንውሉድ ወለዶዶ ኸንቱ ዀይኑ ኺተርፍ እዩ፧  9  ኣምላኽዶ ሞገሱ ምርኣይ ረሲዑ እዩ፧+ ወይስ ቍጥዓኡዶ ንምሕረቱ ኣቋሪጽዎ እዩ፧ (ሴላ) 10  “ጭንቂ ዚዀነኒ* እዚ እዩ፣+እቲ ልዑል ንዓይ ዘለዎ ርእይቶ* ቐዪሩ እዩ” ኽብልዶ ኽነብር እየ፧ 11  ግብርታት ያህ ክዝክር እየ፣ናይ ቀደም ድንቂ ተግባራትካ ኽዝክር እየ። 12  ንዅሉ ንጥፈታትካ ድማ ከስተንትነሉ፡ንግብርኻ እውን ኣጸቢቐ ኽሓስበሉ እየ።+ 13  ኦ ኣምላኽ፡ መገድታትካ ቕዱስ እዩ። ኦ ኣምላኽ፡ ከማኻ ዝበለ ዓብዪ ኣምላኽከ መን እዩ፧+ 14  ንስኻ ድንቂ ነገራት እትገብር ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኢኻ።+ ብርታዐኻ ንህዝብታት ኣፍሊጥካዮም።+ 15  ብሓይልኻ* ንህዝብኻ፡ንደቂ ያእቆብን ዮሴፍን ኣናጊፍካዮም።*+ (ሴላ) 16  ኦ ኣምላኽ፡ ማያት ርእዩካ፣ማያት ርእዩካስ፡ ተረቢሹ።+ መዓሙቝ ማያት ከኣ ተናዊጹ። 17  ደበናታት ብርቱዕ ማያት ኣፍሲሱ። እተደባነወ ሰማያት ኣንጐድጒዱ፣ፍላጻታትካ ድማ ኣብዝን ኣብትን ተወርዊሩ።+ 18  ድምጺ ነጐዳኻ+ ኸም መንኰራዅር ሰረገላ እዩ ነይሩ፣በርቅታት ንዓለም* ኣብሪህዋ፣+ምድሪ ኸኣ ራዕራዕ ኢላን ኣንቀጥቂጣን።+ 19  ጐደናኻ ኣብ ባሕሪ፡+መገድኻ ኣብ ብዙሕ ማያት እዩ ነይሩ፣ኣሰርካ ግና ኣይተፈልጠን። 20  ንህዝብኻ ኸም መጓሰ+ብሙሴን ብኣሮንን* መሪሕካዮም።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ከይደንዘዛ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ክትጸናናዕ ኣይከኣለትን።”
ቃ.ቃ.፡ “መንፈሰይ እውን ተሓሊሉ።”
ወይ፡ “በገናይ።”
ቃ.ቃ.፡ “መንፈሰይ ከኣ ብትግሃት ይምርምር።”
ቃ.ቃ.፡ “የማነይቲ ኢዱ።”
ወይ፡ “ዚወግኣኒ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብቕልጽምካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ተበጂኻዮም።”
ወይ፡ “ንፍርያም ምድሪ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብኢድ ሙሴን ኣሮንን።”