መዝሙር 80:1-19

  • ጓሳ እስራኤል ኪመልሶም ደለዩ

    • “ኦ ኣምላኽ፡ ምለሰና” (3)

    • እስራኤል ከም ተኽሊ ወይኒ ኣምላኽ (8-15)

ንኣላዪ፣ ብ“ሹሻን።” መዘኻኸሪ። ናይ ኣሳፍ።+ መዝሙር። 80  ኦ ጓሳ እስራኤል፡ኣታ ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ጽን በል።+ ኣታ ኣብ ልዕሊ* ኪሩቤል ኣብ ዝፋን እትቕመጥ፡+ብራህ።*  2  ኣብ ቅድሚ ኤፍሬምን ብንያምን ምናሴንሓይልኻ ኣለዓዕል፣+ንዓ እሞ ኣድሕነና።+  3  ኦ ኣምላኽ፡ ምለሰና፣+ምእንቲ ኽንድሕንሲ፡ ገጽካ ኣብርሃልና።+  4  ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ንጸሎት ህዝብኻ እትጻረሮ፧*+  5  ንብዓት ከም እንጌራ ተብልዖም፡መስፈር ዘይብሉ ንብዓት ድማ ተስትዮም ኣለኻ።  6  ጐረባብትና ብኣና ኸም ዚብኣሱ ጌርካዮም፣ጸላእትና ኸኣ ከም ቃሕ ዝበሎም የላግጹልና ኣለዉ።+  7  ኦ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ምለሰና፣ምእንቲ ኽንድሕንሲ፡ ገጽካ ኣብርሃልና።+  8  ተኽሊ ወይኒ+ ኻብ ግብጺ ኣውጺእካ። ንኣህዛብ ሰጒጕካ ድማ ተኺልካያ።+  9  ቦታ ጸሪግካላ፣ንሳ ኸኣ ሱር ሰዲዳ ነታ ምድሪ መሊኣታ።+ 10  ኣኽራን ብጽላላ፡ቄድሮሳት ኣምላኽ እውን ብጨናፍራ ተኸዲኖም። 11  ጨናፍራ ኽሳብ ባሕሪ፡ውልዶታታ ድማ ክሳብ እቲ ፈለግ*+ በጺሑ። 12  ኵሎም ሓለፍቲ መገዲ ፍሪኣ ኪቕንጥቡስ፡+ስለምንታይ መንደቕ እታ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣፍሪስካ፧+ 13  ናይ ዱር መፋልስ የብርስዋ፡እንስሳታት መሮር እውን ይበልዕዋ ኣለዉ።+ 14  ኦ ኣምላኽ ሰራዊት፡ በጃኻ ተመለስ። ካብ ሰማይ ኣንቈልቊልካ ጠምት እሞ ርአ! ነዛ ተኽሊ ወይኒ እዚኣ ተኸናኸና፣+ 15  ነታ የማነይቲ ኢድካ ዝተኸለታ ጕንዲ* ተኸናኸና፣+ነቲ ንዓኻ ኢልካ ዘበርታዕካዮ ወዲ ርኣዮ።*+ 16  ብሓዊ ነዲዳ፡ ተቖሪጻ።+ ብመግናሕትኻ* ይጠፍኡ። 17  ኢድካ ነቲ ኣብ የማንካ ዘሎ ሰብኣይ፡ነቲ ንዓኻ ኢልካ ዘበርታዕካዮ ወዲ ሰብ ትደግፎ።+ 18  ሽዑ፡ ካባኻ ኣይክንርሕቕን ኢና። ስምካ ምእንቲ ኽንጽውዕሲ፡ ብህይወት ኣንብረና። 19  ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ምለሰና፣ምእንቲ ኽንድሕንሲ፡ ገጽካ ኣብርሃልና።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣብ መንጎ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ብርሃንካ ግለጽ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብጸሎት ህዝብኻ ኽትተክኽ፧”
ማለት፡ ኤፍራጥስ።
ወይ፡ “ጕንዲ ወይኒ።”
ወይ፡ “ነታ ንዓኻ ኢልካ ዘበርታዕካያ ጨንፈር ርኣያ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብመግናሕቲ ገጽካ።”