መዝሙር 86:1-17

  • ከም የሆዋ ዝበለ ኣምላኽ የልቦን

    • የሆዋ፡ ንይቕረታ ድልዊ (5)

    • ኵሎም ኣህዛብ ንየሆዋ ኼምልኽዎ እዮም (9)

    • “ብዛዕባ መገድኻ ምሃረኒ” (11)

    • “ንልበይ ሓደ ግበረለይ” (11)

ጸሎት ዳዊት። 86  ኦ የሆዋ፡ ውጹዕን ድኻን እየ እሞ፡እዝንኻ ኣድንን፡* መልሰለይ እውን።+  2  እሙን እየ እሞ፡ ንህይወተይ* ሓልዋ።+ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ነቲ ብኣኻ ዚእመን* ጊልያኻ ኣድሕኖ።+  3  ምሉእ መዓልቲ እጽውዓካ እየ እሞ፡+ኦ የሆዋ፡ ሞገስ ኣርእየኒ።+  4  ኦ የሆዋ፡ ናባኻ እየ ዘብል* እሞ፡ንጊልያኻ ኣሐጕሶ።*  5  ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ሕያዋይን*+ ንይቕረታ ድልውን ኢኻ፣+ንዅሎም እቶም ዚጽውዑኻ፡ ኣብዚሕካ ብተኣማንነት ተፍቅሮም ኢኻ።+  6  ኦ የሆዋ፡ ጸሎተይ ስማዕ፣ናብ ልማኖይ ኣቕልብ።+  7  ንስኻ ኽትምልሰለይ ኢኻ እሞ፡+ብመዓልቲ ጭንቀይ ክጽውዓካ እየ።+  8  ኦ የሆዋ፡ ካብ ኣማልኽቲ ኸማኻ ዝበለ የልቦን፣+ከም ግብርታትካ ዝበለ እውን የልቦን።+  9  ኦ የሆዋ፡ ኵሎም እቶም ዝገበርካዮም ኣህዛብ ኪመጹ፡ኣብ ቅድሜኻ ድማ ኪሰግዱ፡+ንስምካ እውን ኬኽብርዎ እዮም።+ 10  ንስኻስ ዓብይን ዜደንቕ ነገራት እትገብርን ኢኻ፣+ንስኻ በይንኻ ኣምላኽ ኢኻ።+ 11  ኦ የሆዋ፡ ብዛዕባ መገድኻ ምሃረኒ።+ ብሓቅኻ ኽመላለስ እየ።+ ስምካ ኽፈርህሲ፡ ንልበይ ሓደ ግበረለይ።*+ 12  ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ብዅሉ ልበይ እውድሰካ ኣለኹ፣+ንዘለኣለም ከኣ ንስምካ ከኽብሮ እየ። 13  እቲ ብተኣማንነት እተርእየኒ ፍቕርኻስ ዓብዪ እዩ፣ንህይወተይ* ድማ ካብ መዓሙቝ መቓብር* ኣድሒንካያ ኢኻ።+ 14  ኦ ኣምላኽ፡ ተዳፈርቲ ተንሲኦምኒ፣+ጭፍራ ጨካናት ድማ ንህይወተይ* ይደልይዋ ኣለዉ፣ግድኻ እውን የብሎምን።*+ 15  ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ግና መሓርን ርሕሩሕን* ኣምላኽ፡ንቝጥዓ ደንጓይን ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ተኣማንነትን* ኢኻ።+ 16  ናባይ ኣብል እሞ ሞገስካ ኣርእየኒ።+ ንጊልያኻ ብርታዐኻ ሃቦ፣+ንወዲ ግዝእትኻ ድማ ኣድሕኖ። 17  ኦ የሆዋ፡ ረዳእየይን መጸናንዕየይን ኢኻ እሞ፡እቶም ዚጸልኡኒ ርእዮም ኪሓፍሩስ፡ምልክት* ሕያውነትካ* ኣርእየኒ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ደኒንካ ስማዕ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ።”
ወይ፡ “ዚውከል።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ናባኻ እየ ዘልዕል።”
ወይ፡ “ንነፍሲ ጊልያኻ ኣሐጕሳ።”
ወይ፡ “ሰናይን።”
ወይ፡ “ዘይተኸፋፈለ ልቢ ሃበኒ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ንዓኻ እውን ኣብ ቅድሚኦም ኣይገበሩኻን።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ።”
ወይ፡ “ጸጋውን።”
ወይ፡ “ሓቅን።”
ወይ፡ “መርትዖ።”
ወይ፡ “ሰናይካ።”