መዝሙር 90:1-17

  • ዘለኣለማዊ ኣምላኽን ሓጺር ዝዕድሚኡ ሰብን

    • ሽሕ ዓመት ከም ትማሊ (4)

    • ሰብ 70-80 ዓመት ይነብር (10)

    • “መዓልትታትና ኸመይ ከም እንቘጽር ምሃረና” (12)

ጸሎት ሙሴ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ።+ 90  ኦ የሆዋ፡ ንውሉድ ወለዶ መንበሪና*+ ዄንካ ኢኻ።  2  ኣኽራን ከይተወልደ፡ምድርን ፍርያም ምድርን እውን ከይገበርካ፡*+ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ።+  3  ንመዋቲ ሰብ ናብ ሓመድ ትመልሶ፣“ኣቱም ደቂ ሰብ፡ ተመለሱ” ኸኣ ትብል።+  4  ሽሕ ዓመትሲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ኸምታ ዝሓለፈት ትማሊ፡+ከም ሓለዋ ለይቲ እያ።  5  ትዅስትሮም፡+ ከም ድቃስ ይዀኑ፣ንግሆ ኸኣ ከምቲ ዚበቍል ሳዕሪ እዮም።+  6  ንግሆ ይዕምብብን ይልምልምን፣ንምሸቱ ግና ይጽምሉን ይነቅጽን።+  7  ብቝጥዓኻስ ተወዲእና፣+ብነድርኻ እውን ተሸቢርና።  8  ስሕተትና ኣብ ቅድሜኻ ጌርካዮ፣*+ምስጢራትና ብብርሃን ገጽካ ተቓሊዑ።+  9  ብነድርኻ መዓልትታትና ይጽንቀቓ፣*ዓመታትና ድማ ከም ሕሽዅታ* ይውድኣ። 10  ዕድመና 70 ዓመት፡ኣዝዩ ብርቱዕ እንተ ተረኽበ* ኸኣ 80 እዩ።+ ግናኸ፡ ሽግርን ጓህን ዝመልኦ እዩ፣ቀልጢፉ ይሓልፍ፡ በሪርና ድማ ንኸይድ።+ 11  ሓይሊ ቝጥዓኻ ኺፈልጥ ዚኽእል መን ኣሎ፧ ነድርኻ ኸምቲ ንዓኻ ዚግባእ ፍርሃት ዓብዪ እዩ።+ 12  ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኸነጥርስ፡መዓልትታትና ኸመይ ከም እንቘጽር ምሃረና።+ 13  ኦ የሆዋ፡ ተመለስ!+ እዝስ ክሳዕ መዓስ ኪቕጽል እዩ፧+ ንገላዉኻ ደንግጸሎም።+ 14  ኵለን መዓልትታትና እልል ክንብልን ክንሕጐስንሲ፡+ንግሆ በቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኣጽግበና።+ 15  ብመጠን እተን ዘጽበብካልና መዓልትታት፡+ከም ብዝሒ እተን መዓት ዝረኣናለን ዓመታት ኣሐጕሰና።+ 16  ገላዉኻ፡ ተግባርካ ይርኣዩ፣ደቆም ድማ፡ ግርማኻ ይርኣዩ።+ 17  ሞገስ የሆዋ ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ይኹን፣ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና።* እወ፡ ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና።*+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መዕቈቢና” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ብጻዕሪ ሕርሲ ኸይወለድካ።”
ወይ፡ “ስሕተትና ትፈልጦ ኢኻ።”
ወይ፡ “ህይወትና ትጽንቀቕ።”
ወይ፡ “ኡፍታ።”
ወይ፡ “ብምኽንያት ፍሉይ ብርታዐ።”
ወይ፡ “ኣጽንዓልና።”
ወይ፡ “ኣጽንዓልና።”