መዝሙር 92:1-15
መዝሙር። ናይ መዓልቲ ሰንበት ማህሌት።
92 ንየሆዋ ምምስጋን፡+ኦ ልዑል፡ ንስምካ ድማ ውዳሰ ምዝማር* ጽቡቕ እዩ፣
2 ብንግሆ ነቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ፡+ብለይቲ ኸኣ ንተኣማንነትካ ምንጋር፡
3 ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገናን ብዑድን፡ጥዑም ብዝደሃዩ መሰንቆ* ጌርካ ምምስጋን ጽቡቕ እዩ።+
4 ኦ የሆዋ፡ ብግብርታትካስ ኣሐጒስካኒ ኢኻ፣ብተግባራት ኣእዳውካ እልል ክብል እየ።
5 ኦ የሆዋ፡ ግብርታትካ ኽንደይ ኰን ዓብዪ እዩ!+
ሓሳባትካ ኽንደይ ኰን ኣዝዩ ዓሚቝ እዩ!+
6 ዘይሓስብ ሰብ ኪፈልጦ ኣይክእልን እዩ፣ዓሻ እውን ነዚ ኺርድኦ ኣይክእልን እዩ፦+
7 እኩያት ከም ሳዕሪ ይስዕርሩ፡ኵሎም ገበርቲ ኽፉእ ድማ ይልምልሙ፣እዚ ግና ንዘለኣለም ምእንቲ ኺጠፍኡ እዩ።+
8 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ግና ንዘለኣለም ልዕል ዝበልካ ኢኻ።
9 እወ፡ ኦ የሆዋ፡ ንጸላእትኻ ብዓወት ርኣዮም፣ጸላእትኻ ኸመይ ከም ዚጠፍኡ ርአ።
ኵሎም ገበርቲ ኽፉእ ፋሕ ኪብሉ እዮም።+
10 ንስኻ ግና ንብርታዐይ* ከም ናይ ጐባይ ልዕል ከተብሎ ኢኻ፣ቈርበተይ ብሓድሽ ዘይቲ ኸርሕስ እየ።+
11 ኣዒንተይ ንጸላእተይ ብዓወት ኪርእያኦም እየን፣+ኣእዛነይ ድማ ብዛዕባ ውድቀት እቶም ዜጥቅዑኒ እኩያት ኪሰምዓ እየን።
12 ጻድቕ ግና ከም ኦም ስየ ኺልምልም፡ከም ቄድሮስ ሊባኖስ ከኣ ኪዓቢ እዩ።+
13 ንሳቶም ኣብ ቤት የሆዋ እተተኽሉ እዮም፣ኣብ ኣጸዳት ኣምላኽና ድማ ይልምልሙ።+
14 ብግዜ እርጋን* እኳ ይለምዑ፡+ይብርትዑን* ይሕደሱን፣+
15 የሆዋ ቕኑዕ ምዃኑ ኸኣ ይነግሩ።
ንሱ ኸውሐይ እዩ፣+ ኣብኡ እውን ዓመጻ የልቦን።