መዝሙር 93:1-5
93 የሆዋ ነጊሱ!+
ግርማ ለቢሱ፣የሆዋ ብርታዐ ለቢሱ፣ከም ዕጣቕ ተዓጢቕዎ።
ምድሪ* ጸኒዓ እያ፣ኣይትነቓነቕን* እያ።
2 ዝፋንካ ኻብ ጥንቲ ጽኑዕ እዩ፣+ንስኻ ኻብ ዘለኣለም ኢኻ።+
3 ኦ የሆዋ፡ ኣፍላግ ተላዒሎም፣ኣፍላግ ተላዒሎም ደሃዮም ኣልዒሎም፣ኣፍላግ ይልዓሉን ይሃምሙን ኣለዉ፣
4 ካብ ደሃይ ብዙሕ ማያት፡ካብ ዚጻፋዕ ብርቱዕ ማዕበላት ባሕሪ፡+የሆዋ ኣብ ላዕሊ ይብርትዕ።+
5 መዘኻኸሪታትካ ኣዝዩ እሙን እዩ።+
ኦ የሆዋ፡ ቅድስና ንቤትካ ንሓዋሩ ሰሊምዋ።*+