መዝሙር 95:1-11

  • ናይ ሓቂ ኣምልኾን ተኣዛዝነትን

    • “ሎሚ ድምጹ እንተ ሰሚዕኩም” (7)

    • “ልብኹም ኣይተትርሩ” (8)

    • “ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም” (11)

95  ንዑ፡ ንየሆዋ እልል ንበለሉ! ንኸውሒ ድሕነትና ጭድርታ ዓወት ንጨድረሉ።+  2  ብምስጋና ናብ ቅድሚኡ* ንቕረብ፣+ንዘምረሉ፡ ጭድርታ ዓወት ከኣ ንጨድረሉ።  3  የሆዋስ ዓብዪ ኣምላኽ፡ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ድማ ዓብዪ ንጉስ እዩ።+  4  መዓሙቝ ምድሪ ኣብ ኢዱ እዩ፣ኣራእስ ኣኽራን ከኣ ናቱ እዩ።+  5  እቲ ንሱ ዝገበሮ ባሕሪ፡ ናቱ እዩ፣+ኣእዳዉ እውን ንንቑጽ ምድሪ ገበራኦ።+  6  ንዑ፡ ነምልኮ፡ ንስገደሉ፣ኣብ ቅድሚ የሆዋ እቲ ገባሪና ንምበርከኽ።+  7  ንሱስ ኣምላኽና እዩ፣ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሰኡ፡ኣብ ትሕቲ ሓልዮቱ* ዘለና ኣባጊዕ ኢና።+ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰሚዕኩም፡+  8  ከም ኣብ መሪባ፡* ከምቲ ብመዓልቲ ማሳ* ኣብ በረኻ፡+ልብኹም ኣይተትርሩ።+  9  ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣቦታትኩም ፈቲኖምኒ፣+ግብርታተይ ርእዮም ክነሶም ኣሸጊሮምኒ።+ 10  ን40 ዓመት ነቲ ወለዶ ፈንፊነዮስ፡“ወትሩ ብልቦም ዜላግሱ ህዝቢ እዮም፣ንመገድታተይ ኣይፈለጥዎን” ኢለ። 11  ስለዚ፡ ብቝጥዓይ፡“ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም” ኢለ ምሒለ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ናብ ቅድሚ ገጹ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኢዱ።”
ትርጉሙ፡ “ቈየቛ።”
ትርጉሙ፡ “ፈተና።”