መዝሙር 97:1-12

  • የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቲ ልዕል ኢሉ

    • “የሆዋ ነጊሱ!” (1)

    • ንየሆዋ እተፍቅርዎ፡ ክፍኣት ጽልኡ (10)

    • ንጻድቃን ብርሃን (11)

97  የሆዋ ነጊሱ!+ ምድሪ ትተሓጐስ።+ እተን ብዙሓት ደሴታት ባህ ይበለን።+  2  ደበናታትን ብርቱዕ ድነን ኣብ ዙርያኡ ኣሎ፣+ጽድቅን ፍትሕን መሰረት ዝፋኑ እየን።+  3  ሓዊ ቐቅድሚኡ ይኸይድ፣+ንጸላእቱ ድማ ኣብ ዙርያኡ ይበልዖም።+  4  በርቁ ንምድሪ የብርሃ፣ምድሪ ርእያቶ ራዕራዕ ትብል።+  5  ኣኽራን ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ኣብ ቅድሚ ጐይታ ብዘላ ምድሪ ኸም ስምዒ ይመክኩ።+  6  ሰማያት ጽድቁ ይነግሩ፣ኵሎም ህዝብታት ድማ ክብሩ ይርእዩ።+  7  ኵሎም እቶም ንጽሩብ ምስሊ ዘበለ ዜገልግሉ፡+እቶም በቶም ከንቱ ኣማልኽቶም ዚምክሑ፡ ይሕፈሩ። ኵልኹም ኣማልኽቲ፡ ስገዱሉ።*+  8  ኦ የሆዋ፡ ብምኽንያት ፍርድታትካ፡ጽዮን ሰሚዓ ባህ ይብላ፡+ዓድታት* ይሁዳ ድማ ይሕጐሳ።+  9  ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ኢኻ፣ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ልዕል ዝበልካ ኢኻ።+ 10  ኣቱም ንየሆዋ እተፍቅርዎ፡ ክፍኣት ጽልኡ።+ ንሱ ህይወት* እሙናቱ ይሕሉ፣+ካብ ኢድ እኩያት የናግፎም።+ 11  ንጻድቃን ብርሃን በሪሁሎም፣+ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ከኣ ሓጐስ ኰይኑሎም። 12  ኣቱም ጻድቃን፡ ብየሆዋ ተሓጐሱ፣ነቲ ቕዱስ ስሙ* እውን ኣመስግንዎ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣምልኽዎ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣዋልድ።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “መዘከርታኡ።”