ሚልክያስ 1:1-14

  • የሆዋ ንህዝቡ ዘለዎ ፍቕሪ (1-5)

  • ካህናት ጕድለት ዘለዎ መስዋእቲ የቕርቡ (6-14)

    • ስም ኣምላኽ ኣብ ኣህዛብ ዓብዪ ኪኸውን እዩ (11)

1  ከቢድ መልእኽቲ፦ ብሚልክያስ* ኣቢሉ ናብ እስራኤል ዝመጸ ቓል የሆዋ፦  “ኣነ ኣፍቂረኩም እየ”+ ይብል የሆዋ። ንስኻትኩም ግና፡ “ከመይ ጌርካ ኢኻ ዘፍቀርካና፧” ትብሉ ኣለኹም። “ኤሳውዶ ሓው ያእቆብ ኣይኰነን፧”+ ይብል የሆዋ። “ግናኸ፡ ንያእቆብ ኣፍቂረዮ፡  ንኤሳው ድማ ጸሊአዮ፣+ ንኣኽራኑ ኸኣ ኣባዲመዮ፡+ ርስቱ እውን ንወኻሩ* በረኻ ሓዲገዮ።”+  “ኤዶም፡ ‘ፈሪስና ኣለና፣ ግናኸ፡ ተመሊስና ነቲ ዑናታት ዳግም ክንሃንጾ ኢና’ እኳ እንተ በለ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ‘ንሳቶም ኪሃንጹ፡ ኣነ ግና ከፍርስ እየ፣ “ሃገር እከይ፡” “የሆዋ ንዘለኣለም ዝዀነኖ ህዝቢ” ተባሂሎም እውን ኪጽውዑ እዮም።+  ኣዒንትኹም ኪርእያኦ እየን፣ “የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሃገር እስራኤል ይዕበ” ኸኣ ክትብሉ ኢኹም።’”  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ንዓኻትኩም ነቶም ንስመይ እትንዕቁ ዘለኹም፡+ ‘ወዲ ንኣቦኡ፡ ጊልያ ድማ ንጐይታኡ የኽብሮ እዩ።+ ስለዚ፡ ኣነ ኣቦ እንተ ዀይነ፡+ ዚግብኣኒ ኽብሪ ኣበይ ኣሎ፧+ ጐይታ እንተ ዀይነኸ፡ ዚግብኣኒ ፍርሃት* ኣበይ ኣሎ፧’ ይብል ኣሎ። “‘ንስኻትኩም ግና፡ “ንስምካ ኸመይ ጌርና ኢና ዝነዓቕና፧” ትብሉ ኣለኹም።’  “‘ኣብ መሰውእየይ እተበከለ እንጌራ ብምቕራብኩም እዩ።’ “‘“ከመይ ጌርና ኢና በኪልናካ፧” ድማ ትብሉ ኣለኹም።’ “‘“መኣዲ የሆዋ+ ንዑቕ እዩ” ብምባልኩም እዩ።  መስዋእቲ ኪኸውን ዕዉር እንስሳ ኸተቕርቡ ኸለኹም ከኣ፡ “ክፉእ ኣይኰነን” ትብሉ። ሓንካስ ወይ ሕሙም እንስሳ ኸተቕርቡ ኸለኹም ድማ፡ “ክፉእ ኣይኰነን” ትብሉ።’”+ “በጃኻ እስከ ንሹምካ ኸተቕርበሉ ፈትን። ብኣኻ ባህ ይብሎዶ፧ ወይስ ኣብኡዶ ሞገስ ትረክብ ኢኻ፧” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።  “ሕጂ ድማ፡ ኣምላኽ ሞገሱ ምእንቲ ኼርእየና፡ በጃኹም ለምንዎ።* ካብ ኢድኩም ከምዚ ዝበለ መስዋእቲ እናቐረበስ፡ ኣብኡዶ ሞገስ ክትረኽቡ ኢኹም፧” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 10  “ካባኻትኩም ነቲ መዓጹ ኺዓጽዎ ፍቓደኛ ዝዀነኸ መን እዩ፧*+ ከይተኸፍለኩምሲ ኣብ መሰውእየይ እኳ ሓዊ ኣይተንድዱን ኢኹም።+ ብኣኻትኩም ደስ ኣይብለንን እዩ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ “በቲ ኻብ ኢድኩም ዚቐርብ መባእ እውን ባህ ኣይብለንን እዩ።”+ 11  “ከመይሲ፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ፡* ስመይ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዓብዪ ኪኸውን እዩ።+ ስመይ ኣብ ኣህዛብ ዓብዪ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ኣብ ኵሉ ቦታ ኺዕጠን፡ ንስመይ ጽሩይ መባእ ከም መስዋእቲ ኪቐርብ እዩ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 12  “ንስኻትኩም ግና፡ ‘መኣዲ የሆዋ ተበኪሉ፡ ፍሪኡን ምግቡን ንዑቕ እዩ’ ብምባልኩም+ ተርክስዎ* ኣለኹም።+ 13  ‘ኣየ ኽንደይ የድክም!’ እውን ትብሉ ኣለኹም፣ ብንዕቀት ድማ ኡፍ ትብሉሉ ኣለኹም” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። “እተሰርቀን ሓንካስን ሕሙምን እንስሳ ኸኣ ተምጽኡ ኣለኹም። እወ፡ ከምዚ ዝበለስ መባእ ጌርኩም ተምጽኡ ኣለኹም! ነዚዶ ኻብ ኢድኩም ክቕበሎ እየ፧”+ ይብል የሆዋ። 14  “ኣብ መጓሰኡ ጥዑይ ተባዕታይ እንስሳ እናሃለወ ኽነሱ፡ ኣበር* ዘለዎ ንየሆዋ ዚመባጽዓሉን ዚስውኣሉን ተንኰለኛ ሰብ ርጉም ይኹን። ኣነስ ዓብዪ ንጉስ እየ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ “ስመይ ድማ ኣብ ኣህዛብ ዜፍርህ እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “ልኡኸይ።”
ወይ፡ “ንጋውሕታታት።”
ወይ፡ “ኣኽብሮት።”
ወይ፡ “ገጹ ኣፈሽሕዉ።”
ንመዓጹ ቤተ መቕደስ ብሓላፍነት ምዕጻው ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ።”
ወይ፡ “ተርክሱኒ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ጕድለት።”