ሚልክያስ 4:1-6

  • መዓልቲ የሆዋ ኸይመጸት፡ ኤልያስ ይመጽእ (1-6)

    • ‘ጸሓይ ጽድቂ ኽትበርቕ እያ’ (2)

4  “እንሆ፡ እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመጽእ ኣላ፣+ ሽዑ፡ ኵሎም ተዳፈርትን ኵሎም እከይ ዚገብሩን ከም ሓሰር ኪዀኑ እዮም። እታ እትመጽእ መዓልቲ ኸኣ ብርግጽ ክትበልዖም እያ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ “ሱር ኰነ ጨንፈር እውን ኣይክትሓድገሎምን እያ።  ንዓኻትኩም ስመይ ንእተኽብሩ* ግና፡ ጸሓይ ጽድቂ ኣብ ጩራታታ* ምሕዋይ ሒዛ ኽትበርቕ እያ፣ ከም ዝሰብሑ ምራኹት ድማ ክትዕንድሩ ኢኹም።”  “በታ ስጕምቲ ዝወስደላ መዓልቲ፡ ኣብ ትሕቲ ኸብዲ ኣእጋርኩም ከም ሓመድ ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ንእኩያት ኣብ ትሕቲ እግርኹም ክትረግጽዎም ኢኹም” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።  “ሕጊ ጊልያይ ሙሴ፡ እቲ ዅሉ እስራኤል ኪእዘዞ ኣብ ሆሬብ ዝሃብክዎ ስርዓታትን ፍርድታትን ዘክሩ።+  “እንሆ፡ እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ የሆዋ ኸይመጸት፡+ ነብዪ ኤልያስ እልእከልኩም ኣለኹ።+  ኣነ መጺአ ንምድሪ ምእንቲ ኸይወቕዓን ከየጥፍኣንሲ፡ ንሱ ልቢ ኣቦታት ናብ ደቂ፡ ልቢ ደቂ እውን ናብ ኣቦታት ኪመልስ እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ንእትፈርሁ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣኽናፋ።”