ሚክያስ 2:1-13

  • ጨቈንቲ ወይለኦም! (1-11)

  • እስራኤል ብሓደ ኺእከብ እዩ (12, 13)

    • ኣብታ ምድሪ ጫውጫውታ ህዝቢ ኪኸውን እዩ (12)

2  “እቶም ጕድኣት ዚሓስቡ፡ኣብ ዓራቶም እከይ ዚኣልሙ፡ ወይለኦም! ኣብ ኢዶም ሓይሊ ኣሎ እሞ፡ንግሆ ምስ በርሀ፡ ይገብርዎ።+   ግራውቲ ይምነዩ፡ ይምንዝዕዎ ኸኣ፣+ኣባይቲ እውን ይምነዩ፡ ይወስድዎ ድማ፣ንሰብኣይ ዓሚጾም ቤቱ የግድፍዎ፣+ንሰብ እውን ርስቱ የሕድግዎ።   ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ኣነ ኣንጻር እዚ ዓሌት እዚ ዘይተምልጡሉ*+ መዓት ምሂዘ ኣለኹ።+ ግዜ መዓት እዩ እሞ፡+ ደጊም ብትዕቢት ኣይክትመላለሱን ኢኹም።+   በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብዛዕባኹም ኪምስሉ፡ኣምሪሮም እውን ኬልቅሱልኩም እዮም።+ “ጠሪስና ጠፊእና ኢና!+ ግደ ህዝበይ ለዊጥዎ፡—ከመይ ገይሩ ዀን እዩ ዘሕደገኒ!+ ግራውትና ድማ ንዘይእሙን ዓዲልዎ” ኺብሉ እዮም።   ስለዚ፡ ኣብ ጉባኤ የሆዋ ነታ ምድሪ ብዕጫ ንምዕዳልሲ፡ገመድ መለክዒ ዚዝርግሕ ኣይኪህልወካን እዩ።   “ኣይትስበኹ! እዚ ነገራት እዚ ኺሰብኩ የብሎምን፣ውርደት ኣይኬርክበናን እዩ!” ኢሎም ይሰብኩ።   ኣታ ቤት ያእቆብ፡ ከምዚዶ ይብሃል ኣሎ፦ “መንፈስ የሆዋዶ ዓቕሊ ዘይብሉ ዀይኑ እዩ፧ እዝስ ግብርታቱ ድዩ፧” ቃላተይ ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ጽቡቕ ደይኰነን ዜምጽኣሎም፧   ኣብ ቀረባ ግዜ ግና ህዝበይ ከም ጸላኢ ተንሲኡ ኣሎ። ካብቶም ካብ ውግእ ከም ዚምለሱ ዀይኖም ብምትእምማን ዚሓልፉስ፡ክቡር ስልማት ምስ* ክዳን ብግህዶ ትቕንጥጡ።   ንኣንስቲ ህዝበይ ካብቲ ደስ ዜብል ኣባይተን ትሰጕጉወን፣ካብ ደቀን ግርማይ ንዘለኣለም ትወስዱ። 10  እዚ ቦታ ዕረፍቲ ኣይኰነን እሞ፡ ተንስኡ፡ ኪዱ። ብሰሪ ርኽሰት፡+ ጥፍኣት፡ ብርቱዕ ጥፍኣት ኣሎ።+ 11  ሰብ ደድሕሪ ንፋስን ምትላልን እንተ ተመላሊሱ፡“ብዛዕባ ወይንን ኣልኮላዊ መስተን ክሰብከልካ እየ” ኢሉ ድማ ሓሶት እንተ ተዛሪቡ፡ነዚ ህዝቢ እዚ ዚኸውን ሰባኺ ንሱ እዩ!+ 12  ኣታ ያእቆብ፡ ንዅልኻ ብርግጽ ክእክበካ፡ንዝተረፉ እስራኤል እውን ብርግጽ ክእክቦም እየ።+ ከም ኣባጊዕ ኣብ ደምበ፡ከም መጓሰ ኣብ መጓሰዪ፡ ብሓደ ኽገብሮም እየ፣+ኣብኡ ጫውጫውታ ህዝቢ ኪኸውን እዩ።’+ 13  እቲ ዚፍንጥስ ኣብ ቅድሚኦም ኪኸይድ እዩ፣ንሳቶም ኪፍንጥሱን በታ ኣፍ ደገ ኺሓልፉን ብእኣ ኺወጹን እዮም።+ ንጉሶም ቀቅድሚኦም ኪሓልፍ፡የሆዋ እውን ኪመርሖም* እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኽሳድኩም ዘይተርሕቑሉ።”
ወይ፡ “ካብ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ርእሶም ኪኸውን።”