ሚክያስ 4:1-13

  • ከረን የሆዋ ልዕል በለ (1-5)

    • ኣስያፍ ናብ ማሕረሻታት (3)

    • ‘ንሕና ብስም የሆዋ ኽንመላለስ ኢና’ (5)

  • ናብ ቀደማ እተመልሰት ጽዮን ክትብርትዕ እያ (6-13)

4  ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ከረን ቤት የሆዋ+ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪጸንዕ፡ኣብ ልዕሊ ዅርባታት ድማ ልዕል ኪብል እዩ፣ናብኡ ኸኣ ኵሎም ህዝብታት ኪውሕዙ እዮም።+  2  ብዙሓት ኣህዛብ ድማ ኪኸዱ፡“ንዑናይ ናብ ከረን የሆዋ፡ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ።+ ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና፡ንሕና እውን ብመገድታቱ ኽንመላለስ ኢና” ኸኣ ኪብሉ እዮም። ሕግስ* ካብ ጽዮን፡ቃል የሆዋ ድማ ካብ የሩሳሌም ኪወጽእ እዩ።  3  ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታት ኪፈርድ፡+ንብርቱዓት ኣህዛብ ድማ ነገር ኬቕንዓሎም እዩ። ኣስያፎም ቀጥቂጦም ማሕረሻታት፡ኲናውቶም ከኣ ገዘሞታት ኪገብሩ እዮም።+ ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣ደጊም እውን ውግእ ኣይኪምሃሩን እዮም።+  4  ኣፍ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ፣+ሓደ እኳ ኣይኬፍርሆምን እዩ።+  5  ኵሎም ህዝብታትሲ፡ ነፍሲ ወከፍ በብስም ኣምላኹ ኺመላለስ እዩ፣ንሕና ግና ብስም የሆዋ ኣምላኽና ንዘለኣለመ ኣለም ክንመላለስ ኢና።+  6  “በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ፡“ነቲ ዚሕንክስ ዝነበረ ኽእክቦ፡*ንእተበተነ ድማ፡ምስቶም እተገፍዑ ኽእክቦ እየ።+  7  ነቲ ዚሕንክስ ዝነበረ፡* ተረፍ፡+ነቲ ዝረሓቐ ኸኣ፡ ብርቱዕ ህዝቢ ኽገብሮ እየ።+ የሆዋ ድማ ኣብ ከረን ጽዮንካብ ሕጂ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ።  8  ንስኻ ኸኣ፡ ኣታ ግምቢ መጓሰ፡ኣታ ዅምራ ጓል ጽዮን፡+ናባኻ ኽትመጽእ፡ እወ፡ እታ ቐዳመይቲ* ግዝኣት፡+እታ መንግስቲ ጓል የሩሳሌም ክትመጽእ እያ።+  9  ሕጂኸ ስለምንታይ ኢኺ ዓው ኢልኪ እትጭድሪ ዘለኺ፧ ከም ናይ እትሓርስ ሰበይቲ ቕልውላው ዝሓዘክስ፡+ንጉስዶ የብልክን፡ወይስ ኣማኻሪኺዶ ጠፊኡ እዩ፧ 10  ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ሕጅስ ካብ ከተማ ወጺእኪ ኣብ መሮር ክትነብሪ ኢኺ እሞ፡ከም እትሓርስ ሰበይቲተፍሓስን ግዓርን። ክሳብ ባቢሎን ክትከዲ፡+ኣብኡ ድማ ክትናገፊ ኢኺ፣+ኣብኡ የሆዋ ኻብ ኢድ ጸላእትኺ መሊሱ ኺዕድገኪ እዩ።+ 11  ሕጂ ብዙሓት ኣህዛብ ኣንጻርኪ ኺእከቡ እዮም፣‘ትርከስ፡ ጽዮን ከምኡ ኽትከውን ከላ ኸኣ ኣዒንትና ይርኣያ’ኺብሉ እዮም። 12  ግናኸ፡ ሓሳባት የሆዋ ኣይፈልጡን፡ዕላማኡ* ድማ ኣይርድኡን እዮም፣ንሱስ ከምቲ ተር ዝበለ ዕጻድ ናብ ዓውዲ ኺእክቦም እዩ። 13  ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ተንስኢ፡ ኣኺዲ፣+ኣነስ ንኣቕርንትኺ ናብ ሓጺን ክልውጦ፡ንሸዀናታትኪ ኸኣ ናብ ነሓሲ ኽልውጦ እየ፣ንስኺ ኸኣ ብዙሓት ህዝብታት ከተድቅቒ ኢኺ።+ ረብሓ ሸፈጦም ንየሆዋ፡ጥሪቶም እውን ነቲ ናይ ሓቂ ጐይታ ብዘላ ምድሪ ኽትውፍዪ ኢኺ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ትምህርትስ።”
ቃ.ቃ.፡ “ነታ እትሕንክስ ዝነበረት ክእክባ።”
ቃ.ቃ.፡ “ነታ እትሕንክስ ዝነበረት።”
ወይ፡ “እታ ናይ ቀደም።”
ወይ፡ “ምኽሩ።”