ሚክያስ 7:1-20

  • ክፉእ ስነ ምግባር እስራኤል (1-6)

    • ንሰብ ጸላእቱ ቤተ ሰቡ እዮም (6)

  • ‘ንኣምላኽ ክጽበዮ እየ’ (7)

  • ህዝቢ ኣምላኽ ሓቆም ምንባሮም ተረጋገጸ (8-13)

  • ጸሎት ሚክያስን ንኣምላኽ ዘቕረቦ ውዳሰን (14-20)

    • ምላሽ የሆዋ (15-17)

    • ‘ከም የሆዋ ዝበለ ኣምላኽ መን እዩ፧’ (18)

7  ኣነ ኸምቲ ፍረ ሓጋይ ምስ ተኣከበ፡ድሕሪ ምእካብ ፍረ ወይኒ ኸኣ ቀሪም ምስ ተቐርመ፡ዚብላዕ ዘለላ ወይኒ ዀነዝምነዮ* ቐዳማይ በለስ ዘይረክብኰይነ እየ እሞ፡ ወይለይ!   እሙን ካብ ምድሪ ጠፊኡ፣ኣብ መንጎ ሰባት፡ ሓደ እኳ ቕኑዕ የልቦን።+ ኵላቶም ደም ኬፍስሱ የድብዩ።+ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ ብመርበብ ይሃድኖ።   ኣእዳዎም ንኽፉእ ተግባር ክኢላታት እየን፣+መስፍን ይግድድ፡ፈራዲ ዓስቢ ይደሊ፡+ምርኡይ ትምኒቱ* ይገልጽ፡+ብሓባር ኰይኖም ድማ ይዓይዩ።*   እቲ ኻባታቶም ዝበለጸ ኸም እሾዅ እዩ፣እቲ ኻባታቶም ዝቐንዐ ኸኣ ካብ ሓጹር እሾዅ ይገድድ። መዓልቲ ሓለውትኻን ምጽብጻብካን ክትመጽእ እያ።+ ሕጂ ኺስምብዱ እዮም።+   ብብጻይካ ኣይትእመን፣ወይ ብናይ ቀረባ ዓርክኻ ኣይትተኣመን።+ ኣብ ቅድሚ እታ ኣብ ሕቝፍኻ እትድቅስ፡ ኣፍካ ሓሉ።   ወድስ ንኣቦኡ ይንዕቕ፡ጓል ኣንጻር ኣዲኣ ትልዓል፡+ሰበይቲ ወዲ ኣንጻር ሓማታ ትኸውን፣+ንሰብ ቤተ ሰቡ ጸላእቱ እዮም።+   ኣነ ግና ናብ የሆዋ ኽጥምት፡+ንኣምላኽ ድሕነተይ ከኣ ክጽበዮ* እየ።+ ኣምላኸይ ኪሰምዓኒ እዩ።+   ኣቲ ጸላኢተይ፡ ብኣይ ኣይትተሓጐሲ። ዋላ እኳ እንተ ወደቕኩ፡ ክትንስእ እየ፣ኣብ ጸልማት እኳ እንተ ተቐመጥኩ፡ የሆዋ ብርሃነይ ኪኸውን እዩ።   ንዕኡ በዲለዮ እየ እሞ፡+ንጕዳየይ ክሳዕ ዚማጐተለይን ፍትሒ ኽሳዕ ዘውጽኣለይንነድሪ የሆዋ ኽጸውር እየ። ናብ ብርሃን ኬውጽኣኒ እዩ፣ጽድቁ ኽርኢ እየ። 10  እታ፡ “የሆዋ ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ፧” ዝበለትኒ+ጸላኢተይ እውን ክትርኢ፡ብሕፍረት ከኣ ክትክደን እያ። ኣዒንተይ ኪርእያኣ እየን። ሕጂ ኸም ጭቃ ጐደና ኽትርገጽ እያ። 11  እታ መካበብያ ዚህነጸላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፣በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ዶብ ኪሰፍሕ እዩ።* 12  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ ኣሶርን ከተማታት ግብጽን፡ካብ ግብጺ ኽሳብ መገዲ እቲ ፈለግ፡*ካብ ባሕሪ ኽሳብ ባሕሪ፡ ካብ ከረን እውን ክሳብ ከረን+ናባኻ ኺመጹ እዮም። 13  እታ ምድሪ ብሰሪ ነበርታ፡ብሰንኪ እቲ ዝገበርዎ* ኽትባድም እያ። 14  ንህዝብኻ፡ ንመጓሰ ርስትኻ፡ነቲ ኣብ ዱር፡ ኣብ ማእከል ግራት ፍረታት በይኑ ዚነብር ዝነበረ፡ ብበትርኻ ጓሲ።+ ከምቲ ናይ ቀደም፡ ኣብ ባሳንን ጊልዓድን+ ይብልዑ። 15  “ከምተን ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጻእካለን መዓልትታት፡ዜደንቕ ነገራት ኬርእዮ እየ።+ 16  ኣህዛብ ምስ ኵሉ ሓይሎም ኪርእዩን ኪሓፍሩን እዮም።+ ኢዶም ኣብ ኣፎም ኬንብሩ እዮም፣ኣእዛኖም ድማ ጸማማት ኪዀና እየን። 17  ከም ኣትማን ሓመድ ኪልሕሱ፡+ከም ለመምታ ምድሪ ኸኣ ካብ ዕርዶም ራዕራዕ እናበሉ ኺወጹ እዮም። እናረዓዱ ናብ የሆዋ ኣምላኽና ኺመጹ፡ንዓኻ እውን ኪፈርሁኻ እዮም።”+ 18  ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ፡ስሕተት ዚሓድግ፡ ኣበሳ+ እቲ ተረፍ ርስቱ+ ዚሓልፍ መን እዩ፧ ብተኣማንነት ብዚርአ ፍቕሪ እዩ ደስ ዚብሎ እሞ፡+ቍጥዓኡ ንዘለኣለም ኣይዓቍርን እዩ። 19  መሊሱ ኺምሕረና፡+ ንስሕተትና ኸኣ ኪስዕሮ* እዩ። ንዅሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ኽትድርብዮ ኢኻ።+ 20  ከምቲ ቐደም ንኣቦታትና ዝመሓልካሎም፡+ንያእቆብ ተኣማንነት ከተርኢ፡ንኣብርሃም ድማ ብተኣማንነት ከተፍቅሮ ኢኻ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍሰይ እትምነዮ።”
ወይ፡ “ትምኒት ነፍሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ይኣልሙ።”
ወይ፡ “ብትዕግስቲ ኽጽበዮ።”
ወይ፡ “እቲ ትእዛዝ ኪርሕቕ እዩ” ኪኸውን ይኽእል።
ማለት፡ ኤፍራጥስ።
ቃ.ቃ.፡ “ብሰሪ ፍረ ግብሮም።”
ወይ፡ “ኪረግጾ፣ ኬምበርክኾ።”