ማቴዎስ 1:1-25
1 መጽሓፍ ታሪኽ* የሱስ ክርስቶስ* ወዲ ዳዊት፡+ ወዲ ኣብርሃም፦+
2 ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ፣+ይስሃቅ ንያእቆብ ወለደ፣+ያእቆብ ንይሁዳን+ ንኣሕዋቱን ወለደ፣
3 ይሁዳ ኻብ ታማር ንፋሬስን ንዜራሕን+ ወለደ፣ፋሬስ ንሔጽሮን+ ወለደ፣ሔጽሮን ንራም+ ወለደ፣
4 ራም ንኣሚናዳብ ወለደ፣ኣሚናዳብ ንነኣሶን+ ወለደ፣ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፣
5 ሰልሞን ካብ ረሃብ+ ንቦኣዝ ወለደ፣ቦኣዝ ካብ ሩት+ ንዖቤድ ወለደ፣ዖቤድ ንእሴይ ወለደ፣+
6 እሴይ ንንጉስ ዳዊት ወለደ።+
ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኡርያ ንሰሎሞን ወለደ፣+
7 ሰሎሞን ንሮብዓም ወለደ፣+ሮብዓም ንኣብያ ወለደ፣ኣብያ ንኣሳ ወለደ፣+
8 ኣሳ ንዮሳፋጥ ወለደ፣+ዮሳፋጥ ንዮራም ወለደ፣+ዮራም ንዑዝያ ወለደ፣
9 ዑዝያ ንዮታም ወለደ፣+ዮታም ንኣሓዝ ወለደ፣+ኣሓዝ ንህዝቅያስ ወለደ፣+
10 ህዝቅያስ ንምናሴ ወለደ፣+ምናሴ ንኣሞን ወለደ፣+ኣሞን ንዮስያስ ወለደ፣+
11 ዮስያስ+ ብግዜ ምርኮ ባቢሎን+ ንየኮንያን+ ንኣሕዋቱን ወለደ።
12 ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን፡ የኮንያ ንሸኣልቲኤል ወለደ፣ሸኣልቲኤል ንዘሩባቤል ወለደ፣+
13 ዘሩባቤል ንኣብዩድ ወለደ፣ኣብዩድ ንኤልያቂም ወለደ፣ኤልያቂም ንኣዞር ወለደ፣
14 ኣዞር ንጻዶቅ ወለደ፣ጻዶቅ ንኣኪም ወለደ፣ኣኪም ንኤልዩድ ወለደ፣
15 ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደ፣ኣልኣዛር ንማታን ወለደ፣ማታን ንያእቆብ ወለደ፣
16 ያእቆብ ንዮሴፍ ሰብኣይ ማርያም ወለደ፣ ካብኣ እቲ ክርስቶስ ዚብሃል የሱስ ተወልደ።+
17 እምበኣር፡ ኵሉ እቲ ወለዶታት፡ ካብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት 14 ወለዶ፡ ካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን 14 ወለዶ፡ ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ከኣ 14 ወለዶ እዩ።
18 ልደት የሱስ ክርስቶስ ግና፡ ከምዚ እዩ ነይሩ። ኣዲኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሓጽያ ኸላ፡ ከይተኣታተዉ ኸለዉ፡ ብመንፈስ ቅዱስ*+ ጠኒሳ ተረኽበት።
19 ሕጹያ* ዮሴፍ ጻድቕ ስለ ዝነበረን ኬቃልዓ ስለ ዘይደለየን ግና፡ ብሕቡእ ኪፈትሓ ሓሰበ።+
20 ነዚ ምስ ሓሰበ፡ እንሆ፡ መልኣኽ የሆዋ* ተራእዮ፣ ከምዚ ድማ በሎ፦ “ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፡ ሕጽይትኻ* ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፡+ ናብ ቤትካ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ።
21 ወዲ ኽትወልድ እያ፣ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ፡+ ስሙ የሱስ*+ ክትብሎ ኢኻ።”
22 እዚ ዅሉ፡ እቲ የሆዋ* ብነብይኡ ኣቢሉ ኸምዚ ኢሉ እተዛረቦ ምእንቲ ኺፍጸም ኰነ፦
23 “እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ እውን ክትወልድ እያ፣ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል+ ኪብልዎ እዮም፡” ትርጉሙ ድማ፡ “ኣምላኽ ምሳና እዩ”+ ማለት እዩ።
24 ድሕሪኡ፡ ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ተንሲኡ፡ ከምቲ መልኣኽ የሆዋ* ዝኣዘዞ ገበረ፣ ንሕጽይቱ እውን ናብ ቤቱ ወሰዳ።
25 ወዲ ኽሳዕ እትወልድ ግና፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይገበረን፣+ ስሙ ድማ የሱስ ኢሉ ሰመዮ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ወለዶ።”
^ ወይ፡ “መሲሕ፣ ቅቡእ።”
^ ወይ፡ “ብንጡፍ ሓይሊ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ሰብኣያ።”
^ እዚ ኻብቲ እቲ የሆዋ ዚብል መለኮታዊ ስም ኣብ ቀንዲ ጽሑፍ እቲ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዚርከበሉ 237 ቦታታት እቲ ናይ ፈለማ እዩ። ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
^ ቃ.ቃ.፡ “ሰበይትኻ።”
^ ምስቲ “የሆዋ ድሕነት እዩ” ዝትርጉሙ እያሱ ዚብል ናይ እብራይስጢ ስም ሕደ እዩ።