ማቴዎስ 19:1-30
19 የሱስ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ካብ ገሊላ ነቒሉ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ናብ ዘሎ ወሰናስን ይሁዳ መጸ።+
2 ብዙሕ ህዝቢ ድማ ሰዓቦ፣ ንሱ እውን ኣብኡ ኣሕወዮም።
3 ፈሪሳውያን ድማ ምእንቲ ኺፍትንዎ ናብኡ መጺኦም፡ “ሰብኣይ ንሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ተፈቒዱሉ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ።+
4 ንሱ ኸኣ፡ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠሮም፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ኸም ዝፈጠሮምዶ ኣየንበብኩምን፧+
5 ‘ስለዚ፡ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ፡ ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይዀኑ’ ኸም ዝበለዶኸ ኣየንበብኩምን፧+
6 ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። እምበኣር፡ ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ” ኢሉ መለሰሎም።+
7 ንሳቶም ከኣ፡ “ስለምንታይ ደኣ እዩ ሙሴ ጽሑፍ መፍትሒኣ ሂብካ ኽትፍታሕ ዝኣዘዘ፧” በልዎ።+
8 ንሱ ድማ፡ “ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም እዩ ኣንስትኹም ክትፈትሑ ዝፈቐደልኩም፣+ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን።+
9 ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፡ ንሰበይቱ ብዘይካ ብምኽንያት ምንዝርና* ዚፈትሓ እሞ ኻልእ ዚምርዖ ዘበለ ይዝሙ” በሎም።+
10 እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ “ጕዳይ ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ እንተ ዀይኑስ፡ ዘይምምርዓው ይሓይሽ” በልዎ።
11 ንሱ ግና፡ “ነዚ ነገር እዚ፡ ብዘይካ እቶም እተዋህቦም፡ ኵሉ ኣይኰነን ዚቕበሎ።+
12 ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኰይኖም እተወልዱ ኣለዉ፣ ብሰባት እተሰልቡ ስሉባት እውን ኣለዉ፣ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባት እውን ኣለዉ። ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ” በሎም።+
13 ድሕርዚ፡ ኢዱ ምእንቲ ኼንብረሎምን ምእንቲ ኺጽልየሎምን፡ ቈልዑ ናብኡ ኣምጽኡ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ገንሕዎም።+
14 የሱስ ግና፡ “መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ነቶም ቈልዑ ሕደግዎም፡ ናባይ ከይመጹ ድማ ኣይትኸልክልዎም” በለ።+
15 ኣእዳዉ እውን ኣንበረሎም፣ ካብኡ ኸኣ ከደ።
16 እንሆ ድማ፡ ሓደ ናብኡ መጺኡ፡ “መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ፡ እንታይ ሕያውነት* ክገብር ኣሎኒ፧” በሎ።+
17 ንሱ ኸኣ፡ “ብዛዕባ ሕያውነት* ስለምንታይ እትሓትተኒ፧ ሓደ ጥራይ እዩ ሕያዋይ።*+ ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሊኻ ግና፡ ብቐጻሊ ትእዛዛት ሓሉ” በሎ።+
18 ንሱ ድማ፡ “ኣየኖት፧” በሎ። የሱስ ከኣ፡ “ኣይትቕተል፡+ ኣይትዘሙ፡+ ኣይትስረቕ፡+ ብሓሶት ኣይትመስክር፡+
19 ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡+ ብጻይካ እውን ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” በሎ።+
20 እቲ ጐበዝ፡ “ነዚ ዅሉስ እሕልዎ ኣለኹ፣ እንታይ ደኣ እዩ ዚጐድለኒ፧” በሎ።
21 የሱስ ድማ፡ “ፍጹም* ክትከውን እንተ ደሊኻስ፡ ኪድ፡ ንብረትካ ሼጥካ፡ ንድኻታት ሃብ፣ ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ኪህልወካ እዩ፣+ ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን” በሎ።+
22 እቲ ጐበዝ ነዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ፡ ጕህዩ ኸደ።+
23 የሱስ ግና ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣቱ ጭንቂ ኸም ዚዀኖ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።+
24 ደጊመ እብለኩም ኣለኹ፡ ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል” በሎም።+
25 እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ “መን ኰን ኪድሕን ይኽእል፧” እናበሉ ብዙሕ ተገረሙ።+
26 የሱስ ከኣ እናጠመቶም፡ “እዚ ብሰባት ኣይከኣልን እዩ፡ ብኣምላኽ ግና ኵሉ ይከኣል እዩ” በሎም።+
27 ሽዑ፡ ጴጥሮስ መሊሱ፡ “እንሆ፡ ንሕና ዅሉ ሓዲግና ስዒብናካ፣ እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና፧” በሎ።+
28 የሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ብዳግመ ፍጥረት፡ በታ ወዲ ሰብ ኣብ ክቡር ዝፋኑ ዚቕመጠላ እዋን፡ ንስኻትኩም እቶም ዝሰዓብኩምኒ እውን ኣብ 12 ዝፋን ተቐሚጥኩም፡ ን12 ነገዳት እስራኤል ክትፈርዱ ኢኹም።+
29 ምእንቲ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ውሉዳት፡ ወይ ግራውቲ ዝሓደገ ዅሉ፡ 100 ዕጽፊ ኺረክብ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን ኪወርስ እዩ።+
30 “ብዙሓት ቀዳሞት ግና ዳሕሮት፡ ዳሕሮት ድማ ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም።+