ምሳሌ 12:1-28

  • መግናሕቲ ዚጸልእ፡ ዓሻ እዩ (1)

  • “ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ኸም ሰይፊ ይወግእ” (18)

  • እቶም ሰላም ዚመኽሩ ሓጐስ ኣለዎም (20)

  • ሓሰውቲ ኸናፍር ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፍንፉናት እየን (22)

  • ጭንቀት ንልቢ ይኸብዶ (25)

12  ተግሳጽ ዚፈቱ፡ ፍልጠት ይፈቱ፣+መግናሕቲ ዚጸልእ ግና፡ ዘይሓስብ* እዩ።+  2  ሕያዋይ ሰብ ብየሆዋ ተቐባልነት ይረክብ፣ክፉእ ንዚሓስብ ሰብ ግና ይዅንኖ።+  3  ሳላ እከይ ጸኒዑ ዚቐውም ሰብ የልቦን፣+ጻድቃን ግና ከቶ ኣይኪምሓዉን እዮም።  4  ክኢላ ሰበይቲ፡ ዘውዲ ሰብኣያ እያ፣+ዜሕፍር ዝግብራ ሰበይቲ ግና ኣብ ኣዕጽምቱ ኸም ቍንቍነ እያ።+  5  ሓሳብ ጻድቃን ቅኑዕ እዩ፣መሪሕነት እኩያት ግና መታለሊ እዩ።  6  ቃላት እኩያት ዚቐትል ድብያ እዩ፣*+ኣፍ ቅኑዓት ግና የድሕኖም።+  7  እኩያት ምስ ዚግልበጡ፡ ደጊም ኣይርከቡን፣ቤት ጻድቃን ግና ትቐውም።+  8  ሰብ ብምስትውዓል ኣፉ ይውደስ፣+ጠዋይ ዝልቡ ግና ይንዓቕ።+  9  ካብቲ ንርእሱ ኽብሪ ዚህብን እንጌራ ዘይብሉንሲ፡ትሑትን ሓደ ጊልያ ዘለዎን ይሓይሽ።+ 10  ጻድቕ ንእንስሳኡ ይከናኸኖ፣*+እኩያት ግና ምሕረቶም እኳ ጨካን እዩ። 11  ምድሩ ዚሓርስ፡ እንጌራ ይጸግብ፣+ከንቱነት ዚስዕብ ግና ልቢ የብሉን። 12  እኩይ በቲ ኻልኦት እኩያት ዝሓዝዎ ይቐንእ፣ሱር ጻድቃን ግና ፍረ ይፈሪ። 13  ክፉእ ብሓጥእ ዘረባኡ ይፍንጠር፣+ጻድቕ ግና ካብ ጭንቂ የምልጥ። 14  ሰብ ብፍረ ዘረባኡ* ሰናይ ይጸግብ፣+ተግባር ኣእዳዉ ኸኣ ዓስቢ ይህቦ። 15  ንዓሻስ መገዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቕንዕቲ እያ፣+ጥበበኛ ግና ምኽሪ ይቕበል።+ 16  ዓሻ ብኡብኡ* ሕርቃኑ የርኢ፣+ጐራሕ ግና ንጸርፊ ዕሽሽ ይብሎ።* 17  ብተኣማንነት ዚምስክር፡ ሓቂ* ይነግር፣ሓሳዊ ምስክር ግና ዜታልል ነገር ይዛረብ። 18  ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ኸም ሰይፊ ይወግእ፣ልሳን ጥበበኛታት ግና የሕዊ።+ 19  ሓቀኛ ኸንፈር ንዘለኣለም ትነብር፣+ሓሳዊት ልሳን ግና ንቕጽበት ጥራይ ትጸንሕ።+ 20  ኣብ ልቢ እቶም ክፍኣት ዚሓስቡ ምትላል ኣሎ፣እቶም ሰላም ዜስፍኑ* ግና ሓጐስ ኣለዎም።+ 21  ንጻድቕ ዋላ ሓደ ጕድኣት ኣይረኽቦን፣+እኩያት ግና መዓት መሊእዎም እዩ።+ 22  ሓሰውቲ ኸናፍር ኣብ የሆዋ ፍንፉናት እየን፣+ብተኣማንነት ተግባሮም ዚገብሩ ግና፡ ባህ የብልዎ። 23  ጐራሕ ሰብ ዚፈልጦ ይሓብእ፣ልቢ ዓያሹ ግና ዕሽነት ይድርጕሕ።+ 24  ኢድ ትጉሃት ትገዝእ፣+ኣእዳው ሃካያት ግና ብግዲ ይሽቅላ።+ 25  ኣብ ልቢ ሰብ ዝሓደረ ጭንቀት ንዕኡ ይኸብዶ፣*+ጽቡቕ ቃል ግና የሐጕሶ።+ 26  ጻድቕ መጓሰዪኡ ይምርምር፣ንእኩያት ግና መገዶም ተጋግዮም። 27  ሃካይ ነቲ ዚሃድኖ ኣይጐይዮን፣+ትግሃት ግና ንሰብ ክቡር መዝገቡ እዩ። 28  መገዲ ጽድቂ ናብ ህይወት ትመርሕ፣+ኣብ መገዳ ድማ ሞት የልቦን።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዓሻ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንደም የድቢ።”
ወይ፡ “ንነፍሲ እንስሳኡ ይከናኸና።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣፉ።”
ወይ፡ “በታ መዓልቲ እቲኣ።”
ቃ.ቃ.፡ “ይኸድኖ።”
ቃ.ቃ.፡ “ጽድቂ።”
ቃ.ቃ.፡ “እቶም መኸርቲ ሰላም።”
ወይ፡ “ይጸቕጦ።”