ምሳሌ 14:1-35
14 ናይ ብሓቂ ጥበበኛ ሰበይቲ ቤታ ትሃንጽ፣+ዓሻ ግና ብገዛእ ኣእዳዋ ተፍርሶ።
2 ብቕንዕናኡ ዚመላለስ፡ ንየሆዋ ይፈርሆ፣መገድታቱ ቔናን ዝዀነ ግና፡ ይንዕቆ።
3 በትሪ ትዕቢት ኣብ ኣፍ ዓያሹ እዩ፣ከናፍር ጥበበኛታት ግና የዕቍቦም።
4 ከብቲ ኣብ ዘይብሉ፡ መብልዕ ማል ይጸሪ፣ሓይሊ ብዕራይ ግና ብዙሕ እኽሊ የፍሪ።
5 እሙን ምስክር ኣይሕሱን፣ሓሳዊ ምስክር ግና ሓሶት ጥራይ የውስእ።+
6 መላገጺ ንጥበብ ይደልያ እሞ ኣይረኽባን።
ብዓል ኣእምሮ ግና ብቐሊሉ ፍልጠት ይረክብ።+
7 ካብ ዓሻ ርሓቕ፣ኣብ ከናፍሩስ ፍልጠት ኣይትረክብን ኢኻ።+
8 ጐራሕ ብጥበብ ነታ ዚኸደላ መገዲ ይርድኣ፣ዓያሹ ግና ብዕሽነቶም ይታለሉ።*+
9 ዓያሹ ብበደል* ይዋዘዩ፣+ኣብ መንጎ ቕኑዓት ግና ንምትዕራቕ ፍቓደኛነት* ኣሎ።
10 ልቢ ንምረቱ* ይፈልጦ፣ካልእ ከኣ ኣብ ሓጐሱ ኣይካፈልን።
11 ቤት እኩያት ትጠፍእ፣+ድንኳን ቅኑዓት ግና ትዕምብብ።
12 ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ፣+ኣብ መወዳእታ ግና ናብ ሞት ትመርሕ።+
13 እናሰሓቕካ እኳ ልቢ ይሳቐ፣ሓጐስ ድማ ብጓሂ ኺውዳእ ይኽእል።
14 ፋሉል ዝልቡ፡ ፍረ መገድታቱ ይዓጽድ፣+ሕያዋይ ሰብ ግና ዓስቢ ተግባራቱ ይዓጽድ።+
15 ገርሂ፡* ኵሉ ቓል ይኣምን፣ጐራሕ ግና ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን።+
16 ጥበበኛ ጥንቁቕ ብምዃኑ፡ ካብ እከይ ይርሕቕ፣ዓሻ ግና ዘይግድሶን* እምብዛ ብርእሱ ዚተኣማመንን እዩ።
17 ቀልጢፉ ዚቝጣዕ ዕሽነት ይገብር፣+ዜመዛዝን ሰብ ግና ይጽላእ።
18 ገርህታት* ዕሽነት ይወርሱ፣ንጐራሓት ግና ፍልጠት ዘውዶም እዩ።+
19 ክፉኣት ኣብ ቅድሚ ሕያዎት ይሰግዱ፣እኩያት ድማ ኣብ ኣፍ ደገታት ጻድቃን ይሰግዱ።
20 ድኻ ብብጾቱ እኳ ይጽላእ፣+ፈተውቲ ሃብታም ግና ብዙሓት እዮም።+
21 ንብጻዩ ዚንዕቕ ይሓጥእ፣ንትሑት ዚርሕርሓሉ ግና ሕጉስ እዩ።+
22 እቶም ክፍኣት ዚሓስቡስ ኣይጋገዩንዶ፧
ጽቡቕ ዚሕልኑ ግና ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ይረኽቡ።+
23 ኣብ ኵሉ ዓይነት ከቢድ ዕዮ ጥቕሚ ኣሎ፣ዘረባ ጥራይ ግና ናብ ስእነት ይመርሕ።+
24 ሃብቲ ንጥበበኛታት ዘውዶም እዩ፣ዕሽነት ዓያሹ ግና ዕሽነት ጥራይ እዩ።+
25 ሓቀኛ ምስክር ህይወት ሰባት* የድሕን፣መታለሊ ግና ሓሶት ጥራይ የውስእ።
26 ኣብ ፍርሃት የሆዋ ጽኑዕ እምንቶ ኣሎ፣+ንደቁ ኸኣ መዕቈቢ ይዀኖም።+
27 ፍርሃት የሆዋ፡ ምንጪ ህይወት እዩ፣ካብ መፈንጠራታት ሞት ድማ የርሕቕ።
28 ብዝሒ ህዝቢ ግርማ ንጉስ እዩ፣+ተገዛእቲ ዘይብሉ ገዛኢ ግና ይጠፍእ።
29 ንቝጥዓ ደንጓዪ ብዙሕ ምስትውዓል ኣለዎ፣+ዓቕሊ ዘይብሉ ግና ዕሽነት የርኢ።+
30 ህዱእ ልቢ ንሰብነት ህይወት* ይህብ፣ቅንኢ ግና ንኣዕጽምቲ ቝንቍነ እዩ።+
31 ንትሑት ዚዕምጾ ንገባሪኡ ይጸርፎ፣+ንድኻ ዚርሕርሓሉ ግና የኽብሮ።+
32 እኩይ ብእከዩ ይወድቕ፣ጻድቕ ግና ኣብ ንጽህናኡ መዕቈቢ ይረክብ።+
33 ጥበብ ኣብ ልቢ ብዓል ኣእምሮ ብጸጥታ ትዓርፍ፣+ኣብ መንጎ ዓያሹ ግና ገዛእ ርእሳ ተፍልጥ።
34 ጽድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ፣+ሓጢኣት ግና ንህዝቢ ውርደት እዩ።
35 ንጉስ ልቦና ብዘለዎ ጊልያ ባህ ይብሎ፣+ነድሩ ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ዜሕፍር ዝግብሮም እዩ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “የታልሉ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ንበደል ብዛዕባ ምኽሓስ (ምእራም)።”
^ ወይ፡ “ጽቡቕ ፍቓድ።”
^ ወይ፡ “ንምረት ነፍሱ።”
^ ወይ፡ “ዘይለበመ።”
^ ወይ፡ “ነዳርን።”
^ ወይ፡ “ዘይለበሙ።”
^ ወይ፡ “ነፍሳት።”
^ ወይ፡ “ጥዕና።”