ምሳሌ 25:1-28

  • ብምስጢር ዚተሓዝ ነገር (9)

  • እተሓርየ ቓላት (11)

  • ናብ ቤት ብጻይካ እግሪ ኣይተብዝሕ (17)

  • ኣብ ርእሲ ጸላኢኻ ጓህሪ ምዅማር (21, 22)

  • ጽቡቕ ወረ ኸም ዝሑል ማይ እዩ (25)

25  እዚኣተን፡ ሰብ ህዝቅያስ+ ንጉስ ይሁዳ ዝቐድሕወን* ምስላታት ሰሎሞን+ እየን፦   ንነገር ምስጢር ጌርካ ምሓዝ፡ ክብሪ ኣምላኽ እዩ፣+ነገር ምምርማር ከኣ ክብሪ ነገስታት እዩ።   ከምቲ ሰማያት ላዕሊ፡ ምድሪ ድማ ታሕቲ ዝዀነ፡ልቢ ነገስታት ድማ ዘይምርመር እዩ።   ንብሩር ሓተላኡ ኣወግደሉ እሞ፡ምሉእ ብምሉእ ጸርዩ ኺወጽእ እዩ።+   ካብ ቅድሚ ንጉስ ንእኩይ ኣወግዶ እሞ፡ዝፋኑ ብጽድቂ ኺጸንዕ እዩ።+   ኣብ ቅድሚ ንጉስ ርእስኻ ኣይተኽብር፣+ኣብ መንጎ ምርኡያት ድማ ኣይትቑም።+   ኣብ ቅድሚ ልዑል ካብ እትዋረድሲ፡ንሱ፡ “ናብዚ ደይብ” እንተ በለካ ይሓይሽ።+   ናብ ነገር ኣይትተሃወኽ፣እንተ ዘይኰነስ፡ ብጻይካ ምስ ኣሕፈረካ፡ ደሓር እንታይ ክትገብር ኢኻ፧+   ብዛዕባ ጕዳይካ ምስ ብጻይካ ተማጐት፣+እቲ ብምስጢር እተነግረካ* ግና ኣይትቕላዕ።+ 10  ዝሰምዐ ድማ ኣይኬሕፍረካን እዩ፣ኪምለስ ዘይክእል ክፉእ ወረ እውን ኣይክትዝርግሕን ኢኻ። 11  ብግቡእ ግዜ እተዘርበ ቓል፡ከም ቱፋሕ ወርቂ ኣብ ኣቕሓ ብሩር እዩ።+ 12  ንእትሰምዕ እዝንስ፡ ጥበበኛ ገናሒከም ቀለቤት ወርቅን ከም ስልማት ጽሩይ ወርቅን እዩ።+ 13  እሙን ልኡኽ ንለኣኽቱ፡ከምቲ ዛሕሊ ውርጪ ብመዓልቲ ቐውዒ እዩ፣ንሱስ ንጐይታኡ የቕስኖ።*+ 14  ብዛዕባ ዘይውሃብ ህያብ* ዚምካሕ ሰብ፡ከምቲ ዝናም ዘየምጽእ ደበናን ንፋስን እዩ።+ 15  ኣዛዚ ብትዕግስቲ ይስነፍ፣ልእምቲ ልሳን ድማ ዓጽሚ ትሰብር።+ 16  መዓር እንተ ረኺብካ፡ ዜድልየካ ጥራይ ብላዕ፣እምብዛ እንተ ኣብዚሕካዮ፡ ክትተፍኦ ኢኻ።+ 17  ብጻይካ ኸይመንወካ እሞ ኸይጸልኣካስ፡ናብ ቤቱ እግርኻ ኣይተብዝሕ። 18  እቲ ኣብ ብጻዩ ብሓሶት ዚምስክርሲ፡ከም ሻፎን ሰይፍን በሊሕ ፍላጻን እዩ።+ 19  ብግዜ ጭንቂ ኣብ ዘየተኣማምን* ሰብ ዘሎ እምንቶስ፡ከም ሸራፍ ስንን ዘይጽኑዕ እግርን እዩ። 20  ንጕሁይ ልቢ ደርፊ ዚደርፈሉስ፡ከምቲ ብመዓልቲ ቝሪ ኽዳን ዚቕንጥጥንከምቲ ኣብ ሶዳ* ዚፈስስ መጺጽን እዩ።+ 21  ጸላኢኻ* እንተ ጠምዩ፡ እንጌራ ኣብልዓዮ፣እንተ ጸሚኡ እውን፡ ማይ ኣስትዮ።+ 22  በዚ ኸምዝስ፡ ጓህሪ ኣብ ርእሱ ኽትኵምር ኢኻ፣*+የሆዋ ኸኣ ኪፈድየካ እዩ። 23  ንፋስ ሰሜን ብርቱዕ ዝናም የምጽእ፣ወረኛ ልሳን ድማ ቍጡዕ ገጽ ተምጽእ።+ 24  ካብ ምስ ነግራም* ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ፡ኣብ ኵርናዕ ናሕሲ ምቕማጥ ይሓይሽ።+ 25  ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጸ ጽቡቕ ወረ፡ከም ዝሑል ማይ ንዝደኸመት ነፍሲ* እዩ።+ 26  ኣብ ቅድሚ እኩይ ዚምብርከኽ* ጻድቕሲ፡ከም እተዘርገት ዓይኒ ማይን ከም እተበላሸወት ዒላን እዩ። 27  መዓር እምብዛ ኣብዚሕካ ምብላዕ ጽቡቕ ኣይኰነን፣+ክብሪ ርእስኻ ምድላይ እውን ዜኽብር ኣይኰነን።+ 28  ስምዒቱ ኺቈጻጸር* ዘይክእል ሰብሲ፡መካበብያ ኸም ዘይብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዝቐድሕወንን ዝኣከብወንን።”
ወይ፡ “ምስጢር ካልእ።”
ወይ፡ “ንነፍሲ ጐይታኡ የቕስና።”
ቃ.ቃ.፡ “ህያብ ሓሶት።”
ወይ፡ “ጠላም” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣልካሊ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዚጸልኣካ።”
ማለት፡ ነቲ ሰብ ተለስልሶን ትሩ ተምክኾን።
ወይ፡ “መኛካ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ንእኩይ ዚለማለመሉ።” ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ እኩይ ሰንከልከል ዚብል።”
ወይ፡ “መንፈሱ ኺገትእ።”