ምሳሌ 3:1-35
3 ወደየ፡ ንትምህርተይ* ኣይትረስዓዮ፣ልብኻ ኸኣ ንትእዛዛተይ ይሓልዎ፣
2 ከመይሲ፡ ብዙሕ መዓልትታትንዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውስኸልካ እዩ።+
3 ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ተኣማንነትን* ካባኻ ኣይፈለ።+
ኣብ ክሳድካ እሰሮ፣ኣብ ጽላት ልብኻ ጽሓፎ፣+
4 ሽዑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽን ሰብንሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።+
5 ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን፣*+ኣብ ኣእምሮኻ ድማ ኣይትጸጋዕ።+
6 ኣብ ኵሉ መገድታትካ ንዕኡ ኣስተብህለሉ፣+ንሱ ኸኣ ንመገድታትካ ኬቕንዖ እዩ።+
7 ጥበበኛ ዝዀንካ ኣይምሰልካ።+
ንየሆዋ ፍርሃዮ፡ ካብ ክፉእ ድማ ርሓቕ።
8 እዚ ንሰብነትካ* ፈውሲ፡ንኣዕጽምትኻ እውን ሕዳሰ ኪኸውን እዩ።
9 ንየሆዋ ብጥሪትካን+ብበዅሪ* ፍርያትካን* ኣኽብሮ፣+
10 ሽዑ፡ ማዕከናትካ ቕጽጽ ኢሉ ኺመልእ፡+መዋህለል ወይንኻ* ድማ ብጕዕሽ ወይኒ ኺጅርብብ እዩ።
11 ወደየ፡ ተግሳጽ የሆዋ ኣይትንዓቕ፣+መግናሕቱ ኸኣ ኣይትፈንፍን።+
12 ከምቲ ኣቦ ነቲ ደስ ዜብሎ ወዱ ዚገንሖስ፡+የሆዋ ንዜፍቅሮ እዩ ዚገንሖ።+
13 ጥበብ ዚረክብ፡ምስትውዓል እውን ዜጥሪ ሰብ ሕጉስ እዩ፣+
14 ንዓኣ ምጥራይሲ ብሩር ካብ ምጥራይ፡ንዓኣ ምኽሳብ ከኣ ወርቂ ኻብ ምኽሳብ ይበልጽ።+
15 ካብ ኣዕናቝ* ትኸብር፣እትምነዮ ዅሉ ድማ ኣይወዳደራን።
16 ኣብ የማነይታ ነዊሕ ዕድመ፡ኣብ ጸጋመይታ ኸኣ ሃብትን ክብርን ኣሎ።
17 ጐደናታታ ባህ ዜብል፡ኵሉ መገድታታ እውን ሰላማዊ እዩ።+
18 ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ፣ኣጽኒዖም ዚሕዝዋ ድማ ሕጉሳት ኪብሃሉ እዮም።+
19 የሆዋ ንምድሪ ብጥበብ ሰረታ።+
ንሰማያት ከኣ ብምስትውዓል ኣቘሞ።+
20 ብፍልጠቱ መዓሙቝ ማይ ተመቕለ፣እተደባነወ ሰማያት ድማ ካፋ ኣንጠብጠበ።+
21 ወደየ፡ ነዚኣተን* ካብ ኣዒንትኻ ኣይተርሕቀን።
ንግብራዊ ጥበብን ንምምዝዛንን ሓልወን።
22 ንሳተን ህይወት ኪህባኻ፡*ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ኪዀናኻ እየን።
23 ሽዑ፡ ብደሓን መገድኻ ኽትከይድ ኢኻ፣እግርኻ እውን ከቶ ኣይክትዕንቀፍን እያ።+
24 በጥ ምስ በልካ፡ ኣይክትፈርህን ኢኻ፣+በጥ ክትብል ኢኻ፡ ድቃስካ እውን ጥዑም ኪኸውን እዩ።+
25 ሃንደበታዊ ሽበራ ዀነ፡+ኣብ ልዕሊ እኩያት ዚወርድ ህቦብላ ኣይኬፍርሃካን እዩ።+
26 የሆዋስ ምንጪ እምንቶኻ ኪኸውን፡+እግርኻ ኸይትተሓዝ ድማ ኪሕልወካ እዩ።+
27 ክትሕግዝ ዓቕሚ እንተ ኣልዩካ፡*+ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ።+
28 ንብጻይካ ሕጂ ኽትህቦ ትኽእል እንተ ዄንካ፡“ኪድ እሞ ጸኒሕካ ተመለስ! ጽባሕ ክህበካ እየ” ኣይትበሎ።
29 ብጻይካ ኣሚኑካ ምሳኻ ኺነብር ከሎ፡ውዲት ኣይትእለመሉ።+
30 ክፉእ ምስ ዘይገበረካ ሰብ፡+ብዘይ ምኽንያት ኣይትብኣስ።+
31 ብዓማጺ ሰብ ኣይትቕናእ፣+ካብ መገድታቱ እውን ሓንቲ እኳ ኣይትምረጽ።
32 የሆዋስ ንጠዋይ ይፍንፍኖ እዩ፣+ናይ ቀረባ ዕርክነቱ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።+
33 መርገም የሆዋ ኣብ ቤት እኩይ እዩ፣+ንቤት ጻድቃን ግና ይባርኻ።+
34 ንሱስ ንዜላግጹ የላግጸሎም፣+ንዓቃላት* ግና ሞገስ የርእዮም።+
35 ጥበበኛታት ክብሪ ኺወርሱ እዮም፣ዓያሹ ግና ውርደት ኬሞግሱ እዮም።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ንሕገይ።”
^ ወይ፡ “ሓቅን።”
^ ወይ፡ “ተወከል።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንሕምብርትኻ።”
^ ወይ፡ “እቶትካን።”
^ ወይ፡ “ብብሉጽ።”
^ ወይ፡ “መጽመቝ ወይንኻ።”
^ ነተን ኣብ ዝሓለፋ ፍቕድታት እተጠቕሳ ባህርያት ኣምላኽ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
^ ወይ፡ “ንሳተን ንነፍስኻ ህይወት ኪህባኣ።”
^ ወይ፡ “ኢድካ ኽትሕግዝ ዓቕሚ እንተ ኣልዩዋ።”
^ ወይ፡ “ንትሑታት።”