ምሳሌ 30:1-33

  • ቃላት ኣጉር (1-33)

    • ድኽነት ኰነ ሃብቲ ኣይትሃበኒ (8)

    • ዘይጸግቡ ነገራት (15, 16)

    • ኣሰር ዘይሓድግ ነገራት (18, 19)

    • ዘማዊት ሰበይቲ (20)

    • ብባህረት ጥበበኛታት ዝዀኑ እንስሳታት (24)

30  ኣብ ቃላት ኣጉር ወዲ ያቄ ዚርከብ፡ ንሱ ንኢቲኤል፡ ንኢቲኤልን ንኡካልን፡ እተዛረቦ ኸቢድ መልእኽቲ።  2  ኣነስ ካብ ዝዀነ ሰብ ዝገደድኩ ደንቈሮ እየ፣+ሰብ ኪህልዎ ዚግባእ ኣእምሮ ድማ ይጐድለኒ እዩ።  3  ጥበብ ኣይተመሃርኩን፣ፍልጠት እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስ ከኣ የብለይን።  4  ናብ ሰማይ ዝዓረገ እሞ ዝወረደ መን እዩ፧+ ንንፋስ ኣብ ከብዲ ኽልቲኡ ኢዱ ዝኣከበ መን እዩ፧ ንማያት ኣብ ክዳኑ ዝጠቕለሎ መን እዩ፧+ ንዅሉ ወሰናት ምድሪ ዝሰረተ* መን እዩ፧+ ትፈልጦ እንተ ዄንካስ፡ ስሙ መን እዩ፧ ስም ወዱኸ መን እዩ፧  5  ኵሉ ቓል ኣምላኽ ጽሩይ እዩ።+ ንሱ ነቶም ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዋልታኦም እዩ።+  6  ኣብ ቃላቱ ሓንቲ እኳ ኣይትወስኽ፣+እንተ ዘይኰነስ ንሱ ኺገንሓካ፡ንስኻ እውን ሓሳዊ ዄንካ ኽትርከብ ኢኻ።  7  ክልተ ነገር እየ ዝልምነካ። ቅድሚ ሙማተይ ንዕአን ኣይትኽልኣኒ።  8  ሓቂ ዘይኰነን ሓሶትን ካባይ ኣርሕቕ።+ ድኽነት ኰነ ሃብቲ ኣይትሃበኒ። ግደይ ዝዀነ ምግቢ ጥራይ ኣብልዓኒ።+  9  ጸጊበስ ከይክሕደካ እሞ፡ “የሆዋ መን እዩ፧” ኸይብል፡+ወይ ደኽየስ ከይሰርቕ እሞ ስም ኣምላኸይ ከየሕስር፡* ከምኡ ግበረለይ። 10  ንጊልያ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ኣይትሕመዮ፣እንተ ዘይኰነስ ንሱ ኺረግመካ እዩ፣ በዳሊ ዄንካ ድማ ክትርከብ ኢኻ።+ 11  ንኣቦኡ ዚረግም፡ንኣዲኡ ኸኣ ዘይምርቕ ወለዶ ኣሎ።+ 12  ንጹህ ዝዀነ ዚመስሎ፡+ግናኸ ኻብ ርስሓቱ* ዘይጸረየ ወለዶ ኣሎ። 13  ኣዝየን ዕቡያት ዝኣዒንቱ፡ኣመና ምኩሕ ዝጠመተኡ ወለዶ ኣሎ።+ 14  ኣስናኑ ኣስያፍ፡ምንጋጋኡ ዚሓርድ ካራ ዝዀነ ወለዶ ኣሎ፣ንሱስ ንትሑታት ካብ ምድሪ፡ንድኻታት ከኣ ካብ መንጎ ሰባት ይውሕጦም።+ 15  ዓለቕትስ “ሃባ! ሃባ!” ዚብላ ኽልተ ኣዋልድ ኣለዋኦ። ዘይጸግቡስ ሰለስተ ነገራት ኣለዉ፣“ይኣክል!” ዘይብሉ ድማ ኣርባዕተ ኣለዉ፦ 16  መቓብርን*+ መኻን ማሕጸንንማይ እተሓረመት ምድርን“ይኣክል!” ዘይብል ሓውን። 17  ነታ ንኣቦ እተላግጸሉ፡ ንኣደ ኸይትእዘዛ ኸኣ እትንዕቃ ዓይኒ፡+ኳዃት ስንጭሮ* ኺጕጥጕጥዋ፡ጨቓዊት ንስሪ ድማ ኪበልዕዋ እዮም።+ 18  ልዕሊ ዓቕመይ ዝዀነ* ሰለስተ ነገር ኣሎ፣ክርድኦ ዘይከኣልኩ ድማ ኣርባዕተ ኣሎ፦ 19  መገዲ ንስሪ ኣብ ሰማያት፡መገዲ ተመን ኣብ ከውሒ፡መገዲ መርከብ ኣብ ማእከል ባሕሪ፡መገዲ ሰብኣይ ከኣ ምስ ጓል። 20  መገዲ ዘማዊት ሰበይቲ ኸምዚ እዩ፦ በሊዓ ኣፋ ትሕብስ፣“ሓንቲ በደል ኣይገበርኩን” ድማ ትብል።+ 21  ንምድሪ ዜንቀጥቅጣ ሰለስተ ነገር ኣሎ፣ክትጻወሮ ዘይትኽእል ከኣ ኣርባዕተ ነገር ኣሎ፦ 22  ባርያ ምስ ነገሰ፡+ዓሻ ምግቢ ምስ ጸገበ፡ 23  ጽልእቲ* ሰበይቲ ዚምርዓዋ ምስ ረኸበት፡ገረድ ድማ ንእመቤታ ምስ ተክኣታ።+ 24  ኣብ ምድሪ ኻብቶም ዝደቐቑ ዚብሃሉ ኣርባዕተ ነገራት ኣለዉ፡ግናኸ ብባህረት ጥበበኛታት* እዮም፦+ 25  ጻጸ ብርቱዓት ፍጡራት ኣይኰኑን፣*ግናኸ ምግቦም ብሓጋይ የዳልዉ።+ 26  ጊሐታት+ ሓያላት ፍጡራት ኣይኰናን፣*ግናኸ ኣባይተን ኣብ ኣኻውሕ ይሰርሓ።+ 27  ኣንበጣ+ ንጉስ የብሎምን፣ግናኸ ዅላቶም ብስርዓት* ንቕድሚት ይኸዱ።+ 28  ጥፍንቕ*+ ብእግሩ ይጠብቕ፣ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ከኣ ይኣቱ። 29  ማራኺ ኣሳጕማ ዘለዎም ሰለስተ ነገራት ኣለዉ፣ብኣካይዳኦም ዚማርኹ ድማ ኣርባዕተ ኣለዉ፦ 30  እቲ ኻብ እንስሳታት ዝሓየለ፡ካብ ዋላ ሓደ እውን ድሕር ዘይብል ኣንበሳ፣+ 31  ከልቢ ሃድን፣ ድቤላ፣ሰራዊቱ ምስኡ ዘሎ ንጉስ። 32  ብዕሽነት ርእስኻ ልዕል እንተ ኣቢልካ፡+ወይ ከምኡ ኽትገብር እንተ ሓሲብካ፡ኢድካ ኣብ ኣፍካ ግበር።+ 33  ከመይሲ፡ ከምቲ ጸባ እንተ ተሓቝነ፡ ልኻይ ዜውጽእ፡ኣፍንጫ ምስ ተሓስየ ድማ፡ ደም ዜውጽእ፡ከምኡ ኸኣ ቍጥዓ እንተ ተለዓዓለ፡ ባእሲ የምጽእ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ዘተንስአ።”
ወይ፡ “ከየጥቅዕ።”
ቃ.ቃ.፡ “ቀልቀሉ።”
ወይ፡ “ሲኦልን፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ርባ።”
ወይ፡ “ኣዝዩ ዜደንቐኒ።”
ወይ፡ “ዘይተፈቕረት።”
ወይ፡ “ኣዝዮም ጥበበኛታት።”
ቃ.ቃ.፡ “ብርቱዓት ዘይኰኑ ህዝቢ እዮም።”
ቃ.ቃ.፡ “ሓያላት ዘይኰና ህዝቢ እየን።”
ወይ፡ “በብጕጅለ ተመቓቒሎም።”
ዓይነት ጠበቕ።