ምሳሌ 9:1-18

  • ናይ ሓቂ ጥበብ ትዕድም (1-12)

    • “ብኣይሲ መዓልትታትካ ኺበዝሓ እየን” (11)

  • ዓሻ ሰበይቲ ትዕድም (13-18)

    • “ናይ ስርቂ ማይ ጥዑም እዩ” (17)

9  ናይ ሓቂ ጥበብ ቤታ ሃኒጻ ኣላ፣ሸውዓተ ኣዕኑዳ ጸሪባ* ኣላ።   ሕሩዳ ሓሪዳ፡ወይና ሓዋዊሳ፡መኣዳ እውን ኣሰናድያ ኣላ።   ኣብ ልዕሊ ኸተማ ኻብ ዘሎ በረኽቲ ኽትጽውዕ+ኣግራዳ ልኢኻ ኣላ፣   “ዘይለበመ እንተሎ፡ ናብዚ ይምጻእ” ትብል። ልቢ ንዘይብሉ ዘበለ ኸኣ ከምዚ ትብሎ፦   “ንዑ፡ እንጌራይ ብልዑ፡ዝሓዋወስክዎ ወይኒ እውን ስተዩ።   ዘይልብምና ሕደጉ* እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም፣+ብመገዲ ኣእምሮ ንቕድሚት ኪዱ።”+   ንመላገጺ ዚእርምሲ ውርደት ይዕድም፣+ንእኩይ ዚገንሕ ከኣ ይጕዳእ።   ንመላገጺ ኣይትግንሓዮ፡ እንተ ዘይኰነስ ኪጸልኣካ እዩ።+ ንጥበበኛ ግንሓዮ፡ ንሱ ድማ ኬፍቅረካ እዩ።+   ንጥበበኛ ኣካፍሎ፡ ብዝያዳ ኺጠብብ እዩ።+ ንጻድቕ ምሃሮ፡ ንምህሮኡ ኺውስኸሉ እዩ። 10  ፍርሃት የሆዋ መጀመርታ ጥበብ እዩ፣+ፍልጠት እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስ+ ከኣ ኣእምሮ እዩ። 11  ብኣይሲ መዓልትታትካ ኺበዝሓ እየን፣+ኣብ ህይወትካ ድማ ዓመታት ኪውሰኸልካ እዩ። 12  ጥበበኛ እንተ ዄንካ፡ ንጥቕምኻ ኢኻ እትጠብብ፣መላገጺ እንተ ዄንካ ኸኣ፡ በይንኻ ኢኻ እትጾሮ። 13  ዓሻ ሰበይቲ ዋዕዋዕተኛን+ደንቈሮን ሓንቲ እኳ ዘይትፈልጥን እያ። 14  ኣብ ኣፍ ደገ ቤታ፡ኣብ በረኽቲ እታ ኸተማ ኣብ መንበር ኮፍ ትብል፣+ 15  ንሓለፍቲ መገዲ፡ነቶም ብመገዶም ትኽ ኢሎም ዚኸዱ ትጽውዖም፣ 16  “ዘይለበመ እንተሎ፡ ናብዚ ይምጻእ” ትብሎም። ልቢ ንዘይብሎም ከኣ ከምዚ ትብሎም፦+ 17  “ናይ ስርቂ ማይ ጥዑም እዩ፣ብሕቡእ ዚብላዕ እንጌራ ድማ ባህ ዜብል እዩ።”+ 18  ንሱ ግና እቶም ብሞት እተሰነፉ ኣብኡ ኸም ዘለዉ፡ኣጋይሻ እውን ኣብ መዓሙቝ መቓብር* ከም ዘለዉ ኣይፈልጥን እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ወቒራ።”
ወይ፡ “ንዘይለበሙ ሕደግዎም።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።