ሩት 2:1-23

  • ሩት ኣብ ግራት ቦኣዝ ቀረመት (1-3)

  • ሩትን ቦኣዝን ተላለዩ (4-16)

  • ሩት ንናእሚ ብዛዕባ ለውሃት ቦኣዝ ነገረታ (17-23)

2  ናእሚ ኸኣ ብወገን ሰብኣያ ኣዝዩ ሃብታም ዘመድ ነበራ፣ ስሙ ቦኣዝ ነበረ፡+ ካብ ዓሌት ኤሊሜሌክ እውን ነበረ። 2  ሩት እታ ሞኣባዊት ድማ ንናእሚ፡ “በጃኺ፡ ናብ ግራውቲ ኸይደ፡ ደድሕሪ እቲ ብዓይኒ ሞገስ ዚርእየኒ ዘበለ ኻብ ጉምቦታት ክቕርም” በለታ።+ ናእሚ ኸኣ፡ “ኪዲ ጓለይ” በለታ።  ንሳ ድማ ከይዳ ኣብ ግራት ኣትያ፡ ደድሕሪ ዓጻዶ ትቕርም ነበረት። እቲ ግራት ከኣ ብኣጋጣሚ ናይቲ ኻብ ዓሌት ኤሊሜሌክ+ ዝዀነ ቦኣዝ+ ነበረ።  ሽዑ፡ ቦኣዝ ካብ ቤት-ልሄም መጺኡ፡ ነቶም ዓጻዶ፡ “የሆዋ ምሳኻትኩም ይኹን” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “የሆዋ ይባርኽካ” ኢሎም መለሱሉ።  ቦኣዝ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓጻዶ ተመዚዙ ዝነበረ ጐበዝ፡ “እዛ ሰበይቲ እዚኣ ናይ መን እያ፧” በሎ።  እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓጻዶ እተመዘዘ ጐበዝ ከኣ፡ “እዛ ሰበይቲ እዚኣ ምስ ናእሚ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት+ ሞኣባዊት እያ።+  ‘በጃኻ ግዳ፡ ደድሕሪ እቶም ዓጻዶ ኣብ መንጎ እተዓጽደ ጉምቦታት* ዝተረፈ ክቕርምን+ ክኣርን፧’ ኢላ ድማ ሓተተት። ንግሆ ኻብ እትመጽእ ኣትሒዛ ኽሳዕ እዚ ሕጂ ኣብ መጽለሊ ቝሩብ ኮፍ ዝበለትሉ እዋን፡ ኣየዕረፈትን” ኢሉ መለሰ።  ቦኣዝ ድማ ንሩት፡ “ስምዒ እዛ ጓለይ፡ ክትቅርሚ ኢልኪ ናብ ካልእ ግራት ኣይትኺዲ፣ ምስ እዘን ኣግራደይ ደኣ ልገቢ እምበር፡ ናብ ካልእ ኣይትኺዲ።+  ኣበየናይ ግራት ከም ዚዓጽዱ ርኣዪ እሞ፡ ምሳታቶም ኪዲ። እቶም ኣጕባዝ ከይትንክዩኺ* ኣዚዘ ኣለኹ። ምስ ጸማእኪ፡ ናብቲ ዓታሩ ኼድኪ፡ ካብቲ እቶም ኣጕባዝ ዝቐድሕዎ ስተዪ” በላ። 10  ሽዑ፡ ንሳ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደት፣ “ኣነ ጓና ኽነሰይ ብኣይ ክትግደስሲ ኸመይ ኢለ ኣብ ኣዒንትኻ ሞገስ ረኺበ፧” ድማ በለቶ።+ 11  ቦኣዝ ከኣ፡ “ኵሉ እቲ ድሕሪ ሞት ሰብኣይኪ ንሓማትኪ ዝገበርክላ፡ ኣቦኽን ኣዴኽን ምድሪ ኣዝማድክን ሓዲግኪ፡ ኣቐዲምኪ ናብ ዘይትፈልጥዮ ህዝቢ ኸም ዝመጻእኪ ብምሉኡ ተነጊሩኒ እዩ።+ 12  የሆዋ ኸም ግብርኺ ይፍደኺ፣+ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ እተማዕቈብክሉ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ድማ ዓስብኺ ምሉእ ይኹን” ኢሉ መለሰላ።+ 13  ንሳ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ከም ሓንቲ ኻብ ኣግራድካ እኳ ዘይኰንኩስ፡ ንገረድካ ኣጸናኒዕካንን ልበይ ዜቕስን ተዛሪብካንን ኢኻ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እርከብ” በለቶ። 14  እዋን ምግቢ ምስ ኰነ፡ ቦኣዝ፡ “ናብዚ ንዒ እሞ፡ ካብዚ እንጌራ ቘሪስኪ ኣብዚ መጺጽ እናኣጥለቕኪ ብልዒ” በላ። ንሳ ድማ ኣብ ጥቓ እቶም ዓጻዶ ተቐመጠት። ቆሎ ኸኣ ሃባ፡ ንሳ እውን በሊዓ ጸጊባስ ኣትረፈት። 15  ክትቅርም ምስ ተንስአት ድማ፡+ ቦኣዝ ነቶም ኣጕባዙ፡ “ኣብ መንጎ እቲ እተዓጽደ ጉምቦታት* ትቐርም፡ ኣይተጋፍዕዋ።+ 16  ካብ ዕትርቲ መዝሒቕኩም ከኣ ክትቅርሞ ሕደጉላ እምበር፡ ኣይትድሃልዋ” በሎም። 17  ኣብቲ ግራት ከኣ ክሳዕ ምሸት ቀረመት።+ ነቲ ዝቐረመቶ ምስ ዘበጠቶ ድማ፡ ሓደ ኤፋ* ዚኣክል ስገም ኰነ። 18  ጾይራቶ ኸኣ ናብ ከተማ ኣተወት፣ ሓማታ ድማ ነቲ ዝቐረመቶ ረኣየቶ። ሩት ከኣ ነቲ ጸጊባ ዘትረፈቶ ኣውጺኣ ሃበታ።+ 19  ሓማታ ኸኣ፡ “ሎሚ ኣበይ ቀሪምኪ፧ ኣበይከ ዓዪኺ፧ እቲ እተገደሰልኪ ብሩኽ ይኹን” በለታ።+ ንሳ ድማ ንሓማታ፡ “ስም እቲ ሎሚ ምስኡ ዝዓየኹ ሰብኣይ ቦኣዝ እዩ” ኢላ ምስ መን ከም ዝዓየየት ነገረታ። 20  ሽዑ፡ ናእሚ ንሰበይቲ ወዳ፡ “እቲ ንህያዋንን ንምዉታትን ብተኣማንነት ምፍቃር ዘይሓደገ የሆዋ ይባርኮ” በለታ።+ ናእሚ ድማ፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ መቕርብና እዩ፣+ ንሱ ሓደ ኻብቶም ተበጀውትና እዩ”* በለታ።+ 21  ሩት እታ ሞኣባዊት ከኣ፡ “ንሱ፡ ‘ብዘሎ ዓጺደይ ክሳዕ ዚውድኡ ምስቶም መንእሰያተይ ልገቢ’ እውን ኢሉኒ” በለታ።+ 22  ናእሚ ድማ ንሩት ሰበይቲ ወዳ፡ “ጓለየ፡ ኣብ ካልእ ግራት ከየሸግሩኽስ፡ ምስተን ኣግራዱ ኽትወጺ ይሕሸኪ” በለታ። 23  ዓጺድ ስገምን+ ዓጺድ ስርናይን ክሳዕ ዚውዳእ ከኣ፡ ምስተን ኣግራድ ቦኣዝ ለጊባ ቐረመት። ምስ ሓማታ ድማ ትቕመጥ ነበረት።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “እንዳእትታት” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ከይርብሹኺ።”
ወይ፡ “እንዳእትታት” ኪኸውን ይኽእል።
ኣስታት 22 ሊ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ሓደ ኻብቶም መሰል ምብጃው ዘለዎ ኣዝማድና እዩ።”