ሩት 3:1-18

  • ናእሚ ንሩት መምርሒ ሃበታ (1-4)

  • ሩትን ቦኣዝን ኣብ ዓውዲ (5-15)

  • ሩት ናብ ናእሚ ተመልሰት (16-18)

3  ናእሚ ሓማታ ድማ ከምዚ በለታ፦ “ጓለየ፡ ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልክስ፡ መዕረፊ ኽደልየልኪዶ ኣይግብኣንን እዩ፧+  እቲ ምስተን ኣግራዱ ዝነበርኪ ቦኣዝ ዘመድና ደይኰነን፧+ ንሱ ሎሚ ለይቲ፡ ስገም ኣብ ዓውዲ የዝሩ ኣሎ።  ተሓጸብን ቅዱይ ዘይቲ ተለኸይን እሞ፡ ጽቡቕ ተኸዲንኪ* ናብቲ ዓውዲ ውረዲ። በሊዑን ሰትዩን ክሳዕ ዚውድእ ግና፡ እቲ ሰብኣይ ኣብኡ ምህላውኪ ኣይፍለጥ።  ኪድቅስ ከሎ፡ ኣበይ ከም ዚድቅስ ፍለጢ፣ ሽዑ፡ ብሸነኽ እግሩ ቐሊዕኪ ደቅሲ። ንሱ ኸኣ እትገብርዮ ኺነግረኪ እዩ።”  ንሳ ድማ፡ “ኵሉ እትብልኒ ኽገብር እየ” ኢላ መለሰት።  ናብ ዓውዲ ወሪዳ ኸኣ፡ ኵሉ እቲ ሓማታ ኽትገብሮ ዝኣዘዘታ ገበረት።  ቦኣዝ ድማ በሊዑን ሰትዩን ልቡ ተሓጐሰ። ኣብ ጸግዒ ቕሚጦ ኸኣ ኪድቅስ ከደ። ድሕርዚ፡ ሰላሕ ኢላ መጺኣ፡ ብሸነኽ እግሩ ቐሊዓ ደቀሰት።  ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ፡ እቲ ሰብኣይ ፈጥፈጥ በለ፣ ድንን ኢሉ ድማ ሰበይቲ ኣብ እግሩ ደቂሳ ረኣየ።  ንሱ ኸኣ፡ “መን ኢኺ፧” በለ። ንሳ ድማ፡ “ኣነ ሩት ገረድካ እየ። ንስኻ ተበጃዊ ኢኻ እሞ፡ ክዳንካ* ኣብ ልዕሊ ገረድካ ዘርግሕ” ኢላ መለሰት።+ 10  ሽዑ፡ ንሱ፡ “ኣቲ ጓለይ፡ የሆዋ ይባርኽኪ። ደድሕሪ ድኻታት ኰኑ ሃብታማት መንእሰያት ብዘይምስዓብኪ፡ ካብቲ ቐዳማይሲ ኣብቲ ዳሕራይ ብዝበለጸ ብተኣማንነት ኣፍቂርኪ ኢኺ።+ 11  ሕጂ ድማ ጓለየ፡ ኣይትፍርሂ። ኵሉ እዚ ኣብዛ ኸተማ ዘሎ ህዝቢ፡* ብልጽቲ ሰበይቲ ምዃንኪ ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ኵሉ እቲ ዝበልክዮ ኽገብረልኪ እየ።+ 12  ኣነ ተበጃዊ ምዃነይ ሓቂ እዩ፣+ ግናኸ፡ ካባይ ዚቐርብ ተበጃዊ ኣሎ።+ 13  ሎሚ ለይቲ ኣብዚ ሕደሪ፣ ንግሆ እንተ ተበጂዩኪ፡ ጽቡቕ፡ ይበጀውኪ።+ ኪብጀወኪ እንተ ዘይደልዩ ግና፡ ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ኣነ ባዕለይ ክብጀወኪ እየ። ክሳዕ ዚነግህ ኣብዚ ደቅሲ” በላ። 14  ክሳዕ ዚነግህ ድማ ብሸነኽ እግሩ ደቀሰት፡ ገና ሰብ ንብጻዩ ኼለልየሉ ኣብ ዘይክእለሉ እዋን ከኣ ተንስአት። ንሱ ድማ፡ “ሰበይቲ ናብ ዓውዲ ኸም ዝመጸት ኣይፈለጥ” በለ። 15  “ነቲ እተኸደንክዮ መደረብታ ኣምጺእኪ ዘርግሕዮ” እውን በላ። ንሳ ኸኣ ዘርግሓቶ፣ ንሱ ድማ ሽዱሽተ ስፍሪ* ስገም ሰፊሩ፡ ኣሰከማ፣ ድሕርዚ፡ ናብ ከተማ ኣተወ። 16  ንሳ ድማ ናብ ሓማታ ኸደት፣ ንሳ ኸኣ፡ “ጓለየ፡ ከመይ ኰይኑልኪ፧”* በለታ። ንሳ ድማ ኵሉ እቲ ሰብኣይ ዝገበረላ ነገረታ። 17  “‘ናብ ሓማትኪ ጥራይ ኢድኪ ኣይትኺዲ’ ኢሉ እዚ ሽዱሽተ ስፍሪ ስገም እዚ ሂቡኒ” ድማ በለታ። 18  ንሳ ኸኣ፡ “ጓለየ፡ እቲ ሰብኣይ ነቲ ነገር ሎሚ ኸይወድኦ ኣይዓርፍን እዩ እሞ፡ እቲ ነገር ከመይ ከም ዚኸውን ክሳዕ እትፈልጢ ኣብዚ ተቐመጢ” በለታ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ክዳንኪ ተኸዲንኪ።”
ወይ፡ “ጫፍ ክዳንካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ ኣፍ ደገ ህዝበይ።”
ሽዱሽተ ሴኣ፡ ወይ ኣስታት 44 ሊ. ኪኸውን ይኽእል። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “መን ኢኺ፧”