ሩት 4:1-22

  • ቦኣዝ ተበጃዊ ዀነ (1-12)

  • ቦኣዝን ሩትን ንዖቤድ ወለዱ (13-17)

  • ወለዶ ዳዊት (18-22)

4  ቦኣዝ ድማ ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደዪቡ፡+ ኣብኡ ኾፍ በለ። እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቦኣዝ እተዛረበሉ ተበጃዊ+ ይሓልፍ ነበረ። ቦኣዝ ድማ፡ “እከለ፡ ንዓ ኣብዚ ኾፍ በል” በሎ። ንሱ ኸኣ ከይዱ ኾፍ በለ።  ቦኣዝ ድማ ዓሰርተ ኻብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ወሲዱ፡+ “ኣብዚ ኾፍ በሉ” በሎም። ንሳቶም ከኣ ኮፍ በሉ።  ሽዑ፡ ቦኣዝ ነቲ ተበጃዊ፡+ “እታ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ናእሚ፡+ ንግራት ኤሊሜሌክ ሓውና ኽትሸጦ እያ።+  ኣነ ድማ፡ ‘ኣብ ቅድሚ ነበርትን ዓበይትን ህዝበይ ዓድጎ።+ ብቐዳምነት ክትብጆ እትኽእል ንስኻ ኢኻ፡ ኣነ ኸኣ ድሕሬኻ እየ እሞ፡ ትብጀዎ እንተ ዄንካ፡ ተበጀዎ። ዘይትብጀዎ እንተ ዄንካ ግና፡ ክፈልጥ ንገረኒ’ ኢለ ኸፍልጠካ ኸም ዘሎኒ ሓሲበ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ክብጀዎ ፍቓደኛ እየ” ኢሉ መለሰ።+  ቦኣዝ ድማ፡ “በታ ነቲ ግራት ካብ ናእሚ እትዕድገላ መዓልቲ፡ ስም እቲ ምዉት ናብ ርስቱ ንምምላስ፡ ካብ ሩት እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ እቲ ምዉት እውን ክትዕድጎ ኢኻ” በሎ።+  ሽዑ፡ እቲ ተበጃዊ፡ “ርስተይ ከየበላሹስ ክብጀዎ ኣይክእልን እየ። ክብጀዎ ኣይክእልን እየ እሞ፡ በቲ ናተይ መሰል ምብጃውሲ፡ ንስኻ ተበጀዎ” በሎ።  ቀደም ኣብ እስራኤል፡ ብዛዕባ መሰል ምብጃውን ልውውጥን ኵሉ ነገር ንምጽናዕ ከምዚ ይግበር ነበረ፦ ሰብ ሳእኑ ኣውጺኡ+ ነቲ ኻልእ ወገን ይህቦ ነበረ፣ እዚ ድማ ኣብ እስራኤል መረጋገጺ ስምምዕ ነበረ።  ስለዚ፡ እቲ ተበጃዊ ንቦኣዝ፡ “ንስኻ ዓድጎ” ምስ በሎ፡ ሳእኑ ኣውጽአ።  ቦኣዝ ከኣ ነቶም ዓበይትን ንዅሉ እቲ ህዝብን፡ “ኣነ ንዅሉ እቲ ናይ ኤሊሜሌክ ዝነበረን ንዅሉ እቲ ናይ ኪልዮንን ናይ ማሕሎንን ዝነበረን ካብ ናእሚ እዕድጎ ኸም ዘለኹ፡ ሎሚ ንስኻትኩም መሰኻኽር ኢኹም።+ 10  ስም እቲ ምዉት ካብ መንጎ ኣሕዋቱን ካብ ኣፍ ደገ ኸተማኡን ምእንቲ ኸይጠፍእ፡ ስም እቲ ምዉት ናብ ርስቱ ንምምላስ፡ ንሩት እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ ማሕሎን እውን፡ ሰበይተይ ክትከውን እዕድጋ ኣለኹ።+ ሎሚ ንስኻትኩም መሰኻኽር ኢኹም” በሎም።+ 11  ሽዑ፡ ኵሎም እቶም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ዝነበሩ ህዝብን እቶም ዓበይትን፡ “መሰኻኽር ኢና። የሆዋ ነዛ ናብ ቤትካ እትኣቱ ዘላ ሰበይቲ ኸም ክልቲአን እተን ንቤት እስራኤል ዝሃነጻ ራሄልን ልያን ይግበራ።+ ንስኻ እውን ኣብ ኤፍራታ ይስለጥካ፡+ ኣብ ቤት-ልሄም እውን ጽቡቕ ስም ይሃሉኻ።*+ 12  ቤትካ በቲ የሆዋ ኻብዛ ሰበይቲ እዚኣ ዚህበካ ዘርኢ፡ ከም ቤት ፋሬስ፡+ እቲ ታማር ንይሁዳ ዝወለደትሉ ትኹን” በሉ።+ 13  ሽዑ፡ ቦኣዝ ንሩት ወሰዳ፡ ንሳ እውን ሰበይቱ ዀነት። ናብኣ ኸኣ ኣተወ፡ የሆዋ ድማ ጥንሲ ሃባ፡ ወዲ እውን ወለደት። 14  እተን ኣንስቲ ኸኣ ንናእሚ፡ “እቲ ሎሚ ብዘይ ተበጃዊ ዘይሓደገኪ የሆዋ ይወደስ። ስሙ ኣብ እስራኤል ይተኣወጅ! 15  እታ ኻብ ሸውዓተ ኣወዳት እትበልጽ እተፍቅረኪ ሰበይቲ ወድኺ+ ወሊዳቶ እያ እሞ፡ ንሱ ንህይወትኪ* ሓዲስዋ ኣሎ፣* ኣብ እርጋንኪ እውን ኪጥውረኪ እዩ” በላኣ። 16  ናእሚ ድማ ነቲ ሕጻን ወሲዳ፡ ሓቘፈቶ፡ ናበየቶ እውን።* 17  እተን ጐረባብታ ኸኣ ስም ኣውጽኣሉ። “ንናእሚ ወዲ ተወሊዱላ” ድማ በላ። ዖቤድ ኢለን ከኣ ሰመያኦ።+ ንሱ ኣቦ እሴይ፡+ ኣቦ ዳዊት እዩ። 18  ትውልዲ* ፋሬስ ድማ እዚ እዩ፦+ ፋሬስ ንሔጽሮን ወለደ፣+ 19  ሔጽሮን ከኣ ንራም ወለደ፣ ራም ድማ ንኣሚናዳብ ወለደ፣+ 20  ኣሚናዳብ+ ከኣ ንነኣሶን ወለደ፣ ነኣሶን ድማ ንሰልሞን ወለደ፣ 21  ሰልሞን ከኣ ንቦኣዝ ወለደ፣ ቦኣዝ ድማ ንዖቤድ ወለደ፣ 22  ዖቤድ ከኣ ንእሴይ ወለደ፣+ እሴይ ድማ ንዳዊት ወለደ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ስምካ ይጸዋዕ።”
ወይ፡ “ንነፍስኺ።”
ወይ፡ “ሓዳሲ ህይወትኪ ዀይኑ ኣሎ።”
ወይ፡ “መጕዚቱ እውን ኰነት።”
ቃ.ቃ.፡ “ወለዶታት።”