ራእይ 14:1-20

  • እቲ ገንሸልን እቶም 144,000ን (1-5)

  • እቶም ሰለስተ መላእኽቲ ዝኣወጅዎ መልእኽቲ (6-12)

    • ብስራት ዘለዎ መልኣኽ፡ ኣብ ማእከል ሰማይ (6, 7)

  • እቶም ምስ ክርስቶስ ሓድነት ኣልይዎም ዚሞቱ፡ ሕጉሳት እዮም (13)

  • ክልተ ዓጺድ ምድሪ (14-20)

14  እንሆ ድማ፡ እቲ ገንሸል*+ ኣብ ከረን ጽዮን+ ደው ኢሉ፡ ስሙን ስም ኣቦኡን+ ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም 144,000+ እውን ምስኡ ረኣኹ። 2  ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ከም ደሃይ ብርቱዕ ነጐዳን ዝበለ ደሃይ ካብ ሰማይ ሰማዕኩ፣ እቲ ዝሰማዕክዎ ደሃይ ከኣ መሰንቆታቶም* ከም ዚጻወቱ ደሃይ ሰብ መሰንቆ ነበረ። 3  ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን+ ሽማግለታትን+ ሓድሽ መዝሙር ዚመስል ዘመሩ፣+ ነቲ መዝሙር እቲ እውን፡ ብዘይካ እቶም ካብ ምድሪ እተዓደጉ 144,000፡+ ሓደ እኳ ኺመልኮ ኣይከኣለን። 4  እዚኣቶም ምስ ኣንስቲ ዘይረኸሱ እዮም፡ ደናግል እውን እዮም።+ ንሳቶም ነቲ ገንሸል ናብ ዚኸዶ ዘበለ ዚስዕብዎ እዮም።+ ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዅራት+ ኪዀኑ ድማ፡ ካብ ሰብ እተዓደጉ እዮም፣+ 5  ኣብ ኣፎም ከኣ ምትላል ኣይተረኽበን፣ ብዘይ ኣበር እውን እዮም።+ 6  ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኬበስሮም ድማ፡ ናይ ዘለኣለም ብስራት ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ረኣኹ።+ 7  ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ “እታ ዚፈርደላ ግዜ በጺሓ እያ እሞ፡+ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ክብሪ እውን ሃብዎ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ+ ኣምልኽዎ” በለ። 8  ካልእ ካልኣይ መልኣኽ ድማ፡ “እታ ኻብ ወይኒ ፍትወት* ምንዝርናኣ* ንዅሎም ኣህዛብ ዘስተየቶም+ ዓባይ ባቢሎን+ ወዲቓ፡ ወዲቓ!”+ እናበለ ሰዓቦ። 9  ካልእ ሳልሳይ መልኣኽ ድማ፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸምዚ እናበለ ሰዓቦም፦ “ሓደ እኳ ነቲ ኣራዊት+ እትን ንምስሉን እንተ ሰጊዱ፡ ኣብ ግምባሩ ወይስ ኣብ ኢዱ እውን ምልክት እንተ ተቐቢሉ፡+ 10  ካብቲ ኣብ ጽዋእ ቍጥዓኡ ብዘይ ሕዋስ እተቐድሐ ወይኒ ቝጥዓ ኣምላኽ እውን ኪሰቲ እዩ፣+ ኣብ ቅድሚ ቕዱሳት መላእኽትን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ከኣ ብሓውን ብዲንን+ ኪሳቐ እዩ። 11  ትኪ ስቓዮም ድማ ንዘለኣለመ ኣለም ይዓርግ፣+ እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዚሰግዱ፡ እቶም ምልክት ስሙ ኸኣ እተቐበሉ ዘበሉ፡ መዓልትን ለይትን ዕረፍቲ የብሎምን።+ 12  እቶም ትእዛዛት ኣምላኽን እምነት የሱስን ዚሕልዉ ቕዱሳት ከኣ፡+ ተጻዋርነቶም ኣብዚ እዩ።”+ 13  ካብ ሰማይ ድማ፡ “ጽሓፍ፦ እቶም ካብ ሕጂ ንደሓር ምስ ጐይታ ሓድነት ኣልይዎም ዚሞቱ ምዉታት ሕጉሳት እዮም።+ እወ፡ ግብሮም እግሪ እግሮም ኪስዕቦም* እዩ እሞ፡ ካብ ጻዕሮም ኪዓርፉ እዮም፡ ይብል መንፈስ” ዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ። 14  እንሆ ድማ፡ ጻዕዳ ደበና፡ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ፡ ኣብ ኢዱ እውን በሊሕ ማዕጺድ ዘለዎ ወዲ ሰብ ዚመስል+ ከኣ ኣብቲ ደበና ተቐሚጡ ረኣኹ። 15  ካልእ መልኣኽ ድማ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ፡ ነቲ ኣብ ደበና እተቐመጠ፡ “ፍረ ምድሪ ስለ ዝበጽሐ፡ ግዜ ዓጺድ ኣኺሉ ኣሎ እሞ፡ ማዕጺድካ ሰዲድካ ዕጸድ” ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጸውዖ።+ 16  እቲ ኣብ ደበና እተቐመጠ ኸኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ሰደደ፡ ምድሪ እውን ተዓጽደት። 17  ካልእ መልኣኽ ድማ ካብታ ኣብ ሰማይ ዘላ ቤተ መቕደስ ወጸ፣ ንሱ እውን በሊሕ ማዕጺድ ነበሮ። 18  ካልእ መልኣኽ ድማ ካብቲ መሰውኢ ወጸ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ስልጣን ነበሮ። ነቲ በሊሕ ማዕጺድ ዝሓዘ ድማ፡ “እቲ ወይኒ በሲሉ እዩ እሞ፡ ነቲ በሊሕ ማዕጺድካ ሰዲድካ፡ ነቲ ዘለላታት ወይኒ ምድሪ ኣክቦ” ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጸውዖ።+ 19  እቲ መልኣኽ ከኣ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ሰዲዱ፡ ነቲ ወይኒ ምድሪ ኣከቦ፡ ናብቲ ዓብዪ መጽመቝ ወይኒ ቝጥዓ ኣምላኽ እውን ደርበዮ።+ 20  እቲ መጽመቝ ወይኒ ድማ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ተረግጸ፣ ካብቲ መጽመቝ ወይኒ ኸኣ 1,600 ስታድያ* ዚኣክል፡ ክሳብ ልጓማት ኣፍራስ ዚበጽሕ ደም ወጸ።

እግረ ጽሑፍ

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ወይ፡ “ክራራቶም።”
ብግሪኽኛ ፖርኒያ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ቝጥዓ።”
ወይ፡ “ግብሮም ምሳታቶም ኪኸይድ።”
ኣስታት 296 ኪ.ሜ.። ሓደ ስታድዩም 185 ሜ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።