ራእይ 4:1-11
4 ድሕርዚ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ሰማይ ክፉት ኣፍ ደገ ረኣኹ፣ እቲ ኺዛረበኒ ዝሰማዕክዎ ኸም መለኸት ዝበለ ቐዳማይ ድምጺ፡ “ናብዚ ደይብ እሞ፡ እቲ ኪኸውን ዘለዎ ኸርእየካ እየ” በለኒ።
2 ድሕርዚ፡ ብኡብኡ ብመንፈስ ተመሰጥኩ፦ እንሆ ድማ፡ ዝፋን ኣብ ሰማይ ኣብ ቦታኡ ተነቢሩ፡ ኣብቲ ዝፋን እውን ሓደ ተቐሚጡ ነበረ።+
3 እቲ ተቐሚጡ ዝነበረ ኸኣ፡ ትርኢቱ እምኒ ያስጲስን+ እምኒ ሰርድዮስን* ይመስል ነበረ፣ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ድማ ስመራግዶስ ዚመስል ቀስተ ደበና ነበረ።+
4 ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ከኣ 24 ዝፋን፡ ኣብቲ ዝፋናት እውን ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ፡ ኣብ ረርእሶም ከኣ ኣኽሊል ወርቂ ዝደፍኡ 24 ሽማግለታት ተቐሚጦም ረኣኹ።+
5 ካብቲ ዝፋን ድማ በርቅታትን+ ደሃያትን ነጐዳታትን+ ይወጽእ ነበረ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ከኣ ሸውዓተ መብራህቲ ሓዊ ይነድድ ነበረ፣ እዚኣቶም ድማ እቶም ሸውዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም።+
6 ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ከኣ ከም ባሕሪ መረጼን ዝዀነ፡ ክሪስታል ዚመስል ነበረ።+
ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን ድማ፡ ብቕድሚኦምን ብድሕሪኦምን ኣዒንቲ ዝመልኦም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ነበሩ።+
7 እቲ ቐዳማይ ህያው ፍጡር ከኣ ኣንበሳ ይመስል ነበረ፣+ እቲ ኻልኣይ ህያው ፍጡር ድማ ዝራብዕ ይመስል ነበረ፣+ እቲ ሳልሳይ ህያው ፍጡር+ ከኣ ገጽ ሰብ ዚመስል ገጽ ነበሮ፣ እቲ ራብዓይ ህያው ፍጡር+ እውን ዚነፍር ንስሪ ይመስል ነበረ።+
8 እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ድማ፡ ነፍሲ ወከፎም ሸሽዱሽተ ኽንፊ ነበሮም፣ ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ከኣ ኣዒንቲ መሊእዎም ነበረ።+ መዓልትን ለይትን ከየቋረጹ ድማ፡ “እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን+ ኵሉ ዚኽእል የሆዋ* ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ”+ ይብሉ።
9 እቶም ህያዋን ፍጡራት ነቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ድማ ህያው ኰይኑ ዚነብር፡ ግርማን ክብርን ምስጋናን ኪህብዎ ኸለዉ፡+
10 እቶም 24 ሽማግለታት+ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ፍግም ኢሎም፡ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር ሰገዱሉ፣ ከምዚ እናበሉ እውን ኣኽሊላቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደርበዩ፦
11 “ኦ የሆዋ* ኣምላኽና፡ ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ፡+ ስለ ፍቓድካ እውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ግርማን+ ክብርን+ ሓይልን+ ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ።”