ሮሜ 10:1-21
10 ኣሕዋተየ፡ ሃረርታ ልበይን ምእንታኦም ናብ ኣምላኽ ዘቕርቦ ምህለላይንሲ፡ ንሳቶም ኪድሕኑ እዩ።+
2 ኣብ ልክዕ ፍልጠት እተመስረተ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ፡+ ኣነ እምስክረሎም እየ።
3 ጽድቂ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦም፡+ ጽድቂ ርእሶም እውን ኪስርቱ ብምድላዮም፡+ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝእዋን።+
4 ዚኣምን ዘበለ ጽድቂ ምእንቲ ኺረክብሲ፡+ ክርስቶስ መወዳእታ ሕጊ እዩ።+
5 ከመይሲ፡ ሙሴ ብዛዕባ እቲ ብሕጊ ዚርከብ ጽድቂ፡ “እቲ ዚገብሮ ሰብ፡ ብእኡ ብህይወት ኪነብር እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።+
6 እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ ግና ከምዚ ይብል፦ “ብልብኻ ኸምዚ ኣይትበል፦+ ‘መን ናብ ሰማይ ኪድይብ እዩ፧’+ ማለት ንክርስቶስ ኬውርዶ፣
7 ወይስ፡ ‘መን ናብ መዓሙቝ ኪወርድ እዩ፧’+ ማለት ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኬምጽኦ።”
8 ግናኸ እንታይ እዩ ዚብል፧ “እቲ ቓል ቀረባኻ፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን እዩ”፣+ ማለት እቲ እንሰብኮ “ቓል” እምነት።
9 ብኣፍካ እቲ ቓል፡ ማለት የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነጊርካ፡+ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እውን ብልብኻ እንተ ኣሚንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።
10 ከመይሲ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑ+ እውን ይድሕን እዩ።
11 እቲ ቕዱስ ጽሑፍሲ፡ “ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይኪሓፍርን እዩ” ይብል እዩ።+
12 ምኽንያቱ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንዅሎም እቶም ዚጽውዕዎ ሃብታም* ዝዀነ ሓደ ጐይታ እዩ ዘሎ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ግሪኻውን ፍልልይ የልቦን።+
13 ማለት፡ “ስም የሆዋ* ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ።”+
14 ግናኸ፡ ነቲ ብእኡ ዘይኣመኑ፡ ከመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ ኸመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑ እዮም፧ ብዘይ ሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ እዮም፧
15 ከምቲ፡ “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቓት እየን!” ዚብል እተጻሕፈ፡+ ከይተላእኩኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰብኩ እዮም፧+
16 ግናኸ፡ ኢሳይያስ፡ “የሆዋ፡* በቲ ኻባና እተሰምዐ* መን ኣሚኑ፧” ይብል እዩ እሞ፡+ ኵላቶም ኣይኰኑን ነቲ ብስራት እተኣዘዙ።
17 እምበኣር፡ እምነት ካብ ምስማዕ እያ።+ ምስማዕ እውን ብቓል ክርስቶስ እዩ።
18 ኣነ ግና ክሓትት፦ ኣይሰምዑን ድዮም፧ እኳ ደኣስ፡ “ደሃዮም ናብ ኵላ ምድሪ፡ መልእኽቶም ድማ ክሳብ ወሰናት ዓለም ወጺኡ።”+
19 ኣነ ግና ክሓትት፦ እስራኤልከ ኣይፈለጠን ድዩ፧+ ቅድም ሙሴ፡ “ኣነ ህዝቢ ብዘይኰነ ከቕንኣኩም፡ ብዓሻ ህዝቢ እውን ከቘጥዓኩም እየ” ይብል እዩ።+
20 ኢሳይያስ እውን ደፊሩ፡ “ነቶም ዘይደለዩኒ ተረኺበሎም፣+ ነቶም ዘይሓተቱለይ እውን ተጋሂደሎም” ይብል እዩ።+
21 ብዛዕባ እስራኤል ግና፡ “ናብ ዘይእዙዝን ተሪርን ህዝቢ ምሉእ መዓልቲ ኣእዳወይ ዘርጊሐሉ” እዩ ዚብል።+