ሮሜ 12:1-21

  • ንሰብነትኩም ህያው መስዋእቲ ጌርኩም ኣቕርብዎ (1, 2)

  • በበይኑ ውህበት፡ ግናኸ ሓደ ሰብነት (3-8)

  • ብዛዕባ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ናብራ እተዋህበ ምዕዶ (9-21)

12  እምበኣር ኣሕዋተየ፡ ንሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን+ ንኣምላኽ ቅቡልን መስዋእቲ ጌርኩም፡ ማለት ብኣእምሮኹም ተጠቒምኩም+ ቅዱስ ኣገልግሎት ጌርኩም ከተቕርብዎ፡+ ብርሕራሐ ኣምላኽ እልምነኩም ኣለኹ። 2  እቲ ሰናይን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርሚርኩም ክትፈልጡስ፡+ ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፡+ ደጊም በዚ ስርዓት* እዚ ኣይትቀረጹ። 3  ነፍሲ ወከፍ ኣብ መንጎኹም ዘሎ፡ ብዛዕባ ርእሱ ኻብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሓስብ፡+ የግዳስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝሃቦ* መስፈር እምነት ገይሩ ብልብምና ኺሓስብ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ ኣለኹ።+ 4  ከመይሲ፡ ከምቲ ኣብ ሓደ ሰብነት ብዙሕ ኣካላት ዘሎና፡+ እቲ ኣካላት ግና ሕደ ተግባር ዘይብሉ፡ 5  ከምኡ ድማ ንሕና ብዙሓት ክነስና፡ ብክርስቶስ ሓደ ሰብነት፡ ግናኸ ነፍሲ ወከፍና ኣካላት ሓድሕድ ኢና።+ 6  ከከም እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ካብ ሃለወና፡+ ትንቢት እንተ ዀይኑ፡ ከከም መጠን እምነትና ንነበ፣ 7  ኣገልግሎት እንተ ዀይኑ፡ ነገልግል፣ ወይስ እቲ ዚምህር፡ ይምሃር፣+ 8  ወይስ እቲ ዜተባብዕ፡* የተባብዕ፣*+ እቲ ዚዕድል፡ ብልግሲ ይዓድል፣*+ እቲ ዚመርሕ፡ ብትግሃት ይምራሕ፣+ እቲ ዚምሕር፡ ብሓጐስ ይምሓር።+ 9  ፍቕርኹም ብዘይ ግብዝና ትኹን።+ ንእከይ ፈንፍንዎ፡+ ናብ ሰናይ ልገቡ። 10  ብሕውነታዊት ፍቕሪ ንሓድሕድኩም ካብ ልቢ ተፋቐሩ። ንሓድሕድኩም ኣብ ምክብባር ቀዳሞት ኩኑ።*+ 11  ትግሁ፡* ኣይትተሃከዩ።*+ ብመንፈስ ተቓጸሉ።+ ንየሆዋ* ተገዝእዎ።+ 12  ብተስፋ ተሓጐሱ። ኣብ ትሕቲ ጸበባ ተጻወሩ።+ ብጸሎት ጽንዑ።+ 13  ንቕዱሳት ከከም ዜድልዮም ኣማቕሉ።+ ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ።+ 14  ንዚሰጕጉኹም መርቑ፣+ መርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ።+ 15  ምስቶም ዚሕጐሱ ተሓጐሱ፣ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ። 16  ንኻልኦት ከም ንርእስኹም ጌርኩም ሕሰቡሎም፣ ትሕት በሉ እምበር፡ ሓሳብኩም ኣብ ላዕለ ላዕሊ ኣይትግበሩ።*+ ጥበበኛታት ከም ዝዀንኩም ኣይምሰልኩም።+ 17  ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ።+ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ጽቡቕ ሕሰቡ። 18  ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።+ 19  ፍቑራተየ፡ “‘ሕነ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡’ ይብል የሆዋ”* ጽሑፍ እዩ እሞ፡+ ነቲ ቝጥዓስ* ቦታ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።+ 20  ግናኸ፡ “ጸላኢኻ እንተ ጠምዩ፡ ኣብልዓዮ፣ እንተ ጸሚኡ፡ ኣስትዮ፣ ነዚ ብምግባርካስ፡ ጓህሪ ኣብ ርእሱ ኽትኵምር ኢኻ።”*+ 21  ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መዋእል።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።
ወይ፡ “ዝዓደሎ።”
ወይ፡ “ዚምዕድ።”
ወይ፡ “ይምዓድ።”
ወይ፡ “እቲ እጃሙ ዜበርክት፡ ብልግሲ የበርክት።”
ወይ፡ “ተበግሶ ውሰዱ።”
ወይ፡ “ቀናኣት ኩኑ።”
ወይ፡ “ኣብ ዕዮኹም ኣይትተሃከዩ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ላዕለ ላዕሊ ኣይትሕሰቡ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ማለት፡ ቍጥዓ ኣምላኽ።
ማለት፡ ነቲ ሰብ ተለስልሶን ትሩ ተምክኾን።