ሮሜ 13:1-14

  • ንሰበ ስልጣን ተገዝኡ (1-7)

    • ምኽፋል ግብሪ (6, 7)

  • ፍቕሪ ንሕጊ ትፍጽሞ (8-10)

  • ከም ብመዓልቲ ተመላለሱ (11-14)

13  ብዘይካ ብኣምላኽ ስልጣን የልቦን እሞ፡+ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ዘለዉ ሰበ ስልጣን* ይገዝኣዮም፣+ እቶም ዘለዉ ሰበ ስልጣን* ከኣ ብኣምላኽ ኣብ በቦታኦም እተሰርዑ እዮም።+ 2  ስለዚ፡ እቲ ንብዓል ስልጣን ዚቃወም፡ ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ፣ እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ኣብ ርእሶም ፍርዲ ኼምጽኡ እዮም። 3  ከመይሲ፡ እቶም ገዛእቲ፡ ክፉእ ንዚገብሩ እምበር፡ ሰናይ ንዚገብሩ ኣየፍርሁን እዮም።+ ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ሰናይ ግበር፡+ ንሱ እውን ኪንእደካ እዩ፣ 4  ንሱስ ንሰናይካ ኢሉ ዝቘመ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ። ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ክፉእ ትገብር እንተ ኣሊኻ ግና፡ ፍራህ። ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ማለት ኣብቶም ክፉእ ዚገብሩ፡ ቍጥዓ ንምግላጽ* ዚኸውን ፈዳይ ሕነ እዩ። 5  ስለዚ፡ ስለ ሕልና ኢልኩም እምበር፡ ስለ ቝጥዓ ኢልኩም ጥራይ ኣይኰነን ክትግዝኡ ዚግብኣኩም።+ 6  ምእንቲ እዚ ኸየብኰሩ ዜገልግሉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ* እዮም እሞ፡ ስለዚ ኢኹም ግብሪ እትኸፍሉ ዘለኹም። 7  ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡+ ቀረጽ ንዚግብኦ ቐረጽ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡+ ክብሪ ንዚግብኦ ኽብሪ፡+ ንዅሉ ዘዚግብኦ ሃብዎ። 8  እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡+ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይኑ፡ ንሓደ እኳ ገለ ዕዳ ኣይሃሉኹም።+ 9  እቲ፡ “ኣይትዘሙ፡+ ኣይትቕተል፡+ ኣይትስረቕ፡+ ኣይትተምነ”+ ዚብል ሕጊ፡ ካልእ ትእዛዝ ዘበለ እውን እንተ ኣልዩ፡ ኣብቲ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ”+ ዚብል ቃል ይጠቓለል እዩ። 10  ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይትገብሮን እያ፣+ እምበኣር፡ ፍቕሪ መፈጸምታ ሕጊ እያ።+ 11  ድሕነትና ኻብቲ ዝኣመንናሉ ግዜስ ሕጂ ይቐርብ እሞ፡ ድሮ ኻብ ድቃስ እትበራበሩላ ሰዓት ከም ዝኣኸለት፡+ እዋኑ ስለ እትፈልጥዎ፡ ከምኡ ግበሩ። 12  ለይቲ ሓሊፋ፡ መዓልቲ እውን ቀሪባ እያ። እምበኣር፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢና፡+ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ።+ 13  ብፈንጠዝያን* ስኽራንን፡ ብብዕሉግ ጾታዊ ርክብን ንውርምናን፡*+ ብባእስን ቅንእን ዘይኰነስ፡+ ከም ብመዓልቲ ብኣደብ ንመላለስ።+ 14  ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡+ ትምኒት ስጋ ኸተርውዩ ኢልኩም ኣይትሃቅኑ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ስልጣናት።”
ወይ፡ “ስልጣናት።”
ወይ፡ “ነቶም ክፉእ ዚገብሩ ንምቕጻዕ።”
ወይ፡ “ናይ ኣምላኽ ኣገልገልቲ ህዝቢ።”
ወይ፡ “ብቐይዲ በተኽ ድግስን።”
ወይ፡ “ሕንኪ ኣልቦነትን።” ብግሪኽኛ ኣሰልጌያ (ብብዙሕ)። ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ንውርምና” ርአ።