ቈሎሴ 4:1-18

  • ንጐይተት እተዋህበ ምኽሪ (1)

  • “ብጸሎት ጽንዑ” (2-4)

  • ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ምምልላስ (5, 6)

  • ናይ መወዳእታ ሰላምታ (7-18)

4  ኣቱም ጐይተት፡ ንስኻትኩም እውን ኣብ ሰማይ ጐይታ ኸም ዘሎኩም ፈሊጥኩም፡ ንባሮትኩም ቅኑዕን ግቡእን ግበሩሎም።+ 2  ብጸሎት ጽንዑ፣+ ምስ ምስጋና እውን ብእኡ ንቕሑ።+ 3  እቲ ተኣሲረሉ ዘለኹ ቕዱስ ምስጢር ክርስቶስ ምእንቲ ኽንሰብኽ፡+ ኣምላኽ ነቲ ቓሉ ኣፍ ደገ ኪኸፍተልናስ፡ ምእንታና ድማ ጸልዩ።+ 4  ኣነ እውን ከምቲ ዚግብኣኒ ገይረ ብንጹር ክዛረብ፡ ጸልዩለይ። 5  ንግዜኹም ብዝበለጸ እናተጠቐምኩም፡*+ ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ። 6  ንነፍሲ ወከፍ ከመይ ጌርኩም ክትምልሱ ኸም ዚግብኣኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ፡+ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ፡+ ኵሉ ሳዕ ጥዑም ይኹን። 7  ትኪቆስ+ እቲ ፍቑር ሓወይን እሙን ኣገልጋልን ብጐይታ ብጻየይ ባርያን፡ ኵሉ ሃለዋተይ ኬፍልጠኩም እዩ። 8  ብዛዕባና ምእንቲ ኽትፈልጡን ንልብኹም ምእንቲ ኼጸናንዖን እየ ናባኻትኩም ዝሰድዶ ዘለኹ። 9  ምስኡ እውን እቲ ኻባኻትኩም ዝዀነ እሙንን ፍቑርን ሓወይ ኦኔሲሞስ+ ይመጸኩም ኣሎ። ንሳቶም፡ ኵሉ እቲ ኣብዚ ዝዀነ ኺነግሩኹም እዮም። 10  እቲ መተኣስርተይ ኣርስጣርኮስ+ ሰላም ይብለኩም ኣሎ፣ እቲ ናባኻትኩም እንተ መጺኡ ኽትቅበልዎ+ እተነግረኩም ማርቆስ+ ዘመድ በርናባስን 11  እቲ ዮስጦስ ዚብሃል የሱስን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ፣ እዚኣቶም ካብቶም እተገዝሩ እዮም። ንመንግስቲ ኣምላኽ መዓይይተይ ዝዀኑ እዚኣቶም ጥራይ እዮም፣ ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ* እውን ኰይኖምኒ ኣለዉ። 12  እቲ ኻባኻትኩም ባርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ኤጳፍራስ+ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ምሉኣትን ንዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ኣጸቢቕኩም እትኣምኑሉን ኴንኩም ክትቈሙ፡ ኵሉ ሳዕ ብጸሎቱ ይጋደለልኩም ኣሎ። 13  ንሱ ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያን ሂራጶሊስን ዘለዉን ብዙሕ ከም ዚጽዕር፡ ኣነ እምስክረሉ እየ። 14  ሉቃስ+ እቲ ፍቑር ሓኪምን ዴማስን+ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 15  ነቶም ኣብ ሎዲቅያ ዘለዉ ኣሕዋትን ንኒምፋን ነታ ኣብ ቤታ ዘላ ጉባኤን+ ሰላም በሉለይ። 16  እዛ ደብዳበ እዚኣ ኣባኻትኩም ምስ ተነብበት፡ ኣብ ጉባኤ ሰብ ሎዲቅያ ኸም እትንበብ ግበሩ፣+ ንስኻትኩም እውን ነታ ኻብ ሎዲቅያ እትመጽእ ኣንብብዋ። 17  ንኣርኪጶስ+ ድማ፡ “ነታ ብጐይታ እተቐበልካያ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽትፍጽማ፡ ተጠንቀቕ” በልዎ። 18  እዛ ሰላምታ እዚኣ፡ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍክዋ እያ።+ ማእሰርተይ+ ዘክሩ። ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ግዜ እናዓደግኩም።”
ወይ፡ “ዜበራትዕ ደገፍ።”