ቲቶስ 2:1-15
2 ንስኻ ግና ምስቲ ጥዑይ* ትምህርቲ ዚሰማማዕ ተዛረብ።+
2 ኣረገውቲ ሰብኡት ወራዙት፡* ረዘንቲ፡ ለባማት፡ ብእምነትን ብፍቕርን ብተጻዋርነትን ጥዑያት ይኹኑ።
3 ኣረገውቲ ኣንስቲ እውን ከምኡ ብቕድስና ዚነብራ፡ ዘይሓመይቲ፡ ንብዙሕ ወይኒ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ይኹና፣
4 በዚ ኸምዚ ነተን ንኣሽቱ ኣንስቲ ንሰብኡተን ኬፍቅራ፡ ንውሉዳተን ኬፍቅራ ይምከራአን፣*
5 ለባማት፡ ንጹሃት፡ ኣብ ቤተን ዚዓይያ፡* ሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚግዝኣ+ ኪዀና እውን ይምከራአን።* እዚ ዚግበር ድማ፡ ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍ እዩ።
6 ንኣጕባዝ እውን ከምኡ ለባማት ኪዀኑ ብቐጻሊ ተማሕጸኖም።+
7 ብዅሉ ነገር ኣርኣያ ሰናይ ግብሪ ኹን። ብዅሉ ርዝነት ንጹህ ዘበለ* ምሃር፣+
8 ኪንቀፍ ዘይከኣል ጥዑይ* ዘረባ ተዛረብ፣+ እዚ ድማ እቶም ተጻረርቲ ብዛዕባና ዚብልዎ ኣሉታዊ* ነገር ስኢኖም ምእንቲ ኺሓፍሩ እዩ።+
9 ባሮት ንዋናታቶም ብዅሉ ይገዝእዎም፡+ ባህ የብልዎም፡ ኣይታረኽዎም፡
10 ኣይስረቕዎም፣+ የግዳስ፡ ብዅሉ ንትምህርቲ እቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ ኺስልሙ፡+ ምሉእ ብምሉእ እሙናት ይኹኑ።
11 ከመይሲ፡ እቲ ንዅሉ ዓይነት ሰብ ድሕነት ዜምጽእ ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ ኣሎ።+
12 እዚ ኸኣ፡ ረሲእነትን ዓለማዊ ትምኒትን ሓዲግና፡+ ኣብዚ ስርዓት* እዚ ብልብምናን ብጽድቅን ንኣምላኽ ብዘሎና ተወፋይነትን ክንነብር የሰልጥነና።+
13 ነቲ ዜሐጕስ ተስፋን+ ነቲ ኽቡር ግህደት እቲ ዓብዪ ኣምላኽን እቲ መድሓኒና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን እናተጸበና ድማ ኢና ነዚ እንገብር።
14 ክርስቶስ ካብ ኵሉ ጥሕሰት ሕጊ ናጻ ምእንቲ ኼውጽኣና፡*+ ንርእሱ እውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእ ፍሉይ ጥሪቱ ዝዀነ ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ፡+ ምእንታና ገዛእ ርእሱ ሂቡ እዩ።+
15 እዚ ብምሉእ ስልጣን ተዛረብን ምዓድን* ግናሕን።+ ሓደ እኳ ኣይንዓቕካ።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ጠቓሚ።”
^ ወይ፡ “ጥንቁቓት፣ ሚዛናዊ ዝልማዶም።”
^ ወይ፡ “የለብማአን፣ የሰልጥናአን።”
^ ወይ፡ “ቤተን ዚኣልያ።”
^ ወይ፡ “የለብማአን፣ የሰልጥናአን።”
^ ወይ፡ “ብንጽህና” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ኽፉእ።”
^ ወይ፡ “ጠቓሚ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ምእንቲ ኺብጀወና።”
^ ወይ፡ “ኣተባብዕን።”