ነህምያ 1:1-11

  • ካብ የሩሳሌም ዝመጸ ወረ (1-3)

  • ጸሎት ነህምያ (4-11)

1  ዘረባ ነህምያ*+ ወዲ ሓካልያ፦ ኣብ ወርሒ ከስለው፡* ኣብ መበል 20 ዓመት፡ ኣነ ኣብ ሱሳን*+ እታ ዕርዲ ኸተማ* ነበርኩ።  ሽዑ፡ ሓናኒ+ ሓደ ኻብ ኣሕዋተይ ምስ ካልኦት ሰብ ይሁዳ መጸ። ኣነ ኸኣ ብዛዕባ እቶም ካብ ምርኮ ዘምለጡ ዝተረፉ ኣይሁድን+ ብዛዕባ የሩሳሌምን ሓተትክዎም።  ንሳቶም ድማ፡ “እቶም ካብ ምርኮ ተሪፎም ኣብታ ኣውራጃ ዚነብሩ፡ ኣብ ሕማቕ ኵነታትን ኣብ ውርደትን እዮም ዘለዉ።+ መካበብያ የሩሳሌም ፈሪሱ፡+ ኣፍ ደገታታ ኸኣ ብሓዊ ነዲዱ ኣሎ” ኢሎም መለሱለይ።+  እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ፡ ተቐሚጠ ሓያሎ መዓልትታት በኸኹን ሓዘንኩን፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማያት ድማ እጸውምን+ እጽልን ነበርኩ።  ከምዚ ኸኣ በልኩ፦ “ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሰማያት፡ ኣታ ንዜፍቅርዎን ትእዛዛቱ ንዚሕልዉን ኪዳኑ ዚሕሉን ብተኣማንነት ዜፍቅርን ዓብይን ዜፍርህን ኣምላኽ፡+  እቲ እስራኤላውያን ኣብ ቅድሜኻ ዝሓጥእዎ ሓጢኣት እናተናዘዝኩ፡ ኣነ ሎሚ ብዛዕባ ገላዉኻ እስራኤላውያን መዓልትን ለይትን ዝጽልዮ ዘለኹ ጸሎት ጊልያኻ ንምስማዕ፡+ በጃኻ፡ እዝንኻ ጽን ትበል፡ ኣዒንትኻ እውን ይከፈታ። ኣነን ቤት ኣቦይን ሓጢእና ኢና።+  ንጊልያኻ ሙሴ ዝኣዘዝካዮ ትእዛዛትን ስርዓታትን ፍርድታትን ብዘይምሕላውና፡+ ብርግጽ ኣብ ቅድሜኻ ተበላሺና ኢና።+  “በጃኻ፡ እቲ ንጊልያኻ ሙሴ ኸምዚ ኢልካ ዝኣዘዝካዮ ቓል* ዘክር፦ ‘እንተ ጠሊምኩም፡ ኣነ ድማ ኣብ መንጎ ህዝብታት ፋሕ ከብለኩም እየ።+  ናባይ እንተ ተመሊስኩም፡ ትእዛዛተይ ከኣ እንተ ሓሊኹምን እንተ ተኣዚዝኩምን ግና፡ እቶም እተበተኑ ህዝብኹም ኣብ ወሰን ሰማያት እኳ እንተ ዚህልዉ፡ ካብኡ ኽእክቦም፡+ ናብታ ስመይ ከንብረላ ዝሓረኽዋ ቦታ ድማ ከምጽኦም እየ።’+ 10  ንሳቶም ብዓብዪ ሓይልኻን ብብርትዕቲ ኢድካን እተበጆኻዮም ገላዉኻን ህዝብኻን እዮም።+ 11  ኦ የሆዋ፡ በጃኻ፡ እዝንኻ ንጸሎት ጊልያኻን ንጸሎት እቶም ስምካ ብምፍራህ ደስ ዚብሎም ገላዉኻን ጽን ትበል፣ በጃኻ፡ ሎሚ ንጊልያኻ ኣቕንዓሉ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ እውን ይራሕርሓለይ።”+ ኣነ ኸኣ ኣሰላፍ መስተ ንጉስ ነበርኩ።+

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “ያህ የጸናንዕ።”
ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ፣ ዕርዲ።”
ወይ፡ “ኸምዚ ኢልካ ዝሃብካዮ ቓል መጠንቀቕታ።”