ነህምያ 10:1-39

  • እቶም ህዝቢ ነቲ ሕጊ ኺስዕብዎ ተሰማምዑ (1-39)

    • “ቤት ኣምላኽና ዕሽሽ ኣይንብልን ኢና” (39)

10  እቶም ብማሕተሞም ብምሕታም ዘረጋገጽዎ+ እዚኣቶም እዮም፦ ነህምያ እቲ ሹም* ወዲ ሓካልያ፡ጼዴቅያስ፡  ሰራያ፡ ዓዛርያ፡ ኤርምያስ፡  ጳሽሑር፡ ኣማርያ፡ ማልክያ፡  ሓጡሽ፡ ሸባንያ፡ ማሉክ፡  ሓሪም፡+ መሬሞት፡ ኦብድያ፡  ዳንኤል፡+ ጊነቶን፡ ባሩኽ፡  መሹላም፡ ኣብያ፡ ሚያሚን፡  ማዓዝያ፡ ቢልጋይ፡ ሸማዕያ፣ እዚኣቶም ካህናት እዮም።  ሌዋውያን ከኣ፦ እያሱ ወዲ ኣዛንያ፡ ቢኑኢ ኻብ ደቂ ሔናዳድ፡ ቃድሚኤል፡+ 10  ኣሕዋቶም ድማ ሸባንያ፡ ሆድያ፡ ቀሊጣ፡ ጰላያ፡ ሓናን፡ 11  ሚካ፡ ሬሖብ፡ ሓሻብያ፡ 12  ዛኩር፡ ሸረብያ፡+ ሸባንያ፡ 13  ሆድያ፡ ባኒ፡ በኒኑ። 14  ርእስታት እቲ ህዝቢ፦ ጳርዖሽ፡ ጳሓት-ሞኣብ፡+ ዔላም፡ ዛቱ፡ ባኒ፡ 15  ቡኒ፡ ዓዝጋድ፡ ቤባይ፡ 16  ኣዶንያ፡ ቢግዋይ፡ ዓዲን፡ 17  ኣጤር፡ ህዝቅያስ፡ ዓዙር፡ 18  ሆድያ፡ ሓሹም፡ ቤጻይ፡ 19  ሓሪፍ፡ ዓናቶት፡ ኔባይ፡ 20  ማግጲዓሽ፡ መሹላም፡ ሔዚር፡ 21  መሸዛብኤል፡ ጻዶቅ፡ ያዱዓ፡ 22  ጰላጥያ፡ ሓናን፡ ዓናያ፡ 23  ሆሼዓ፡ ሓናንያ፡ ሓሹብ፡ 24  ሃሎሔሽ፡ ጲልሓ፡ ሾቤቅ፡ 25  ረሑም፡ ሓሻብና፡ ማዓስያ፡ 26  ኣሒያ፡ ሓናን፡ ዓናን፡ 27  ማሉክ፡ ሓሪም፡ ባዓና። 28  እቶም ዝተረፉ ህዝቢ፡—እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ሓለውቲ ኣፍ ደገን ዘመርትን ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን* ሕጊ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንምስዓብ ርእሱ ኻብ ህዝብታት እተን ሃገራት ዝፈለየ ዘበለ ዅሉን+ ምስ ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን፡ ምስ ኵሎም እቶም ፍልጠትን ኣእምሮን ዘለዎም* ኰይኖም፡— 29  ምስ ኣሕዋቶምን ምርኡያቶምን ሓቢሮም፡ በቲ ብሙሴ እቲ ጊልያ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እተዋህበ ሕጊ ኺመላለሱን ኵሉ ትእዛዛት ጐይታና የሆዋን ፍርድታቱን ስርዓታቱን ተጠንቂቖም ኪሕልዉን ብመርገምን ብማሕላን ገዛእ ርእሶም ኣሰሩ። 30  ኣዋልድና ንህዝብታት እዛ ምድሪ ኣይክንህብን፡ ንኣወዳትና ኸኣ ኣዋልዶም ኣይክንወስድን ኢና።+ 31  ህዝብታት እታ ምድሪ ብመዓልቲ ሰንበት ሸቐጣቶምን ኵሉ ዓይነት እኽልን ኪሸጡ እንተ መጺኦም፡ ብሰንበት+ ወይ ብቕድስቲ መዓልቲ+ ኻባታቶም ኣይክንዕድግን ኢና። እቶት ሻውዐይቲ ዓመትን+ ኵሉ ዘይተኸፍለ ዕዳን እውን ክንሓድግ ኢና።+ 32  ነፍሲ ወከፍና ዓመት ዓመት ሲሶ ሲቃል* ክንህብ ኣብ ርእስና ግዴታ ጸዓንና፣ እዚ ድማ ንኣገልግሎት ቤት* ኣምላኽናን+ 33  ንእተደራረበ እንጌራን*+ ነቲ ናይ ወትሩ መስዋእቲ እኽልን+ ነቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእቲ ሰናብትን+ ንሰርቅታት ወርሕን+ ንምዱብ በዓላትን+ ንቕዱስ ነገራትን ንምትዕራቕ እስራኤል ዚኸውን መስዋእቲ ሓጢኣትን+ ንዅሉ ዕዮ ቤት ኣምላኽናን ዚኸውን እዩ። 34  ብዛዕባ እቲ ኸምቲ ኣብቲ ሕጊ እተጻሕፈ በብማይ ቤትና ዓመት ዓመት ኣብቲ ምዱብ ግዜ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የሆዋ ኣምላኽና ንምንዳድ ተባሂሉ ኻህናትን ሌዋውያንን እቶም ህዝብን ናብ ቤት ኣምላኽና ዜምጽእዎ ቐረብ ዕንጨይቲ፡ ዕጫ ኣውደቕና።+ 35  በዅሪ ፍረ ምድርናን በዅሪ ፍረ ዅሉ ፈራዪ ኦምን ከኣ፡ ዓመት ዓመት ናብ ቤት የሆዋ ኸነምጽእ ኢና።+ 36  ከምቲ ኣብቲ ሕጊ ተጻሒፉ ዘሎ ድማ፡ በዅሪ ኣወዳትናን ማልናን+ በዅሪ ኸብትናን መጓሰናን እውን ከነምጽእ ኢና። ናብ ቤት ኣምላኽና፡ ናብቶም ኣብ ቤት ኣምላኽና ዜገልግሉ ኻህናት ከነምጽእ ኢና።+ 37  በዅሪ ሓርጭናን+ መባእናን ፍረ ዅሉ ኦምናን+ ጕዕሽ ወይንናን ዘይትናን+ እውን ናብቶም ካህናት ናብቲ መኽዘናት* ቤት ኣምላኽና ኸነምጽእ ኢና፣+ ሌዋውያን ኣብ ኵለን ናይ ሕርሻ ኸተማታትና ዕሽር ዚእክቡ እዮም እሞ፡ ንሌዋውያን ከኣ ዕሽር ምድርና ኸነምጽእ ኢና።+ 38  እቶም ሌዋውያን ዕሽር ኪእክቡ ኸለዉ ድማ፡ ሓደ ኻህን ወዲ ኣሮን ምስ ሌዋውያን ይኹን፣ እቶም ሌዋውያን ከኣ ካብቲ ዕሽርሲ ዕሽር ንቤት ኣምላኽና፡+ ናብ ክፍልታት* እቲ ማዕከናት የቕርቡ። 39  ከመይሲ፡ እስራኤላውያንን ደቂ ሌዋውያንን ነቲ መባእ እኽልን ጕዕሽ ወይንን ዘይትን+ ናብ መኽዘናት* እዮም ኬምጽእዎ ዘለዎም፣+ ኣብኡ ድማ እዩ እቲ ኣቕሑ መቕደስ ዘሎ፣ እቶም ዜገልግሉ ኻህናትን ሓለውቲ ኣፍ ደገን ዘመርትን እውን ኣብኡ እዮም ዘለዉ። ቤት ኣምላኽና ዕሽሽ ኣይንብልን ኢና።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቲርሻታ፡” ንሹም ሃገር ዚውሃብ መዓርግ ፋርስ።
ወይ፡ “ነቲኒምን።” ቃ.ቃ.፡ “እተዋህቡን።”
ወይ፡ “ምስ ኵሎም እቶም ኪርድኡ ዕድሚኦም ዝኣኸለ” ኪኸውን ይኽእል።
ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”
ማለት፡ እንጌራ ምርኣይ።
ወይ፡ “መመገቢ ኣዳራሻት።”
ወይ፡ “መመገቢ ኣዳራሻት።”
ወይ፡ “መመገቢ ኣዳራሻት።”