ነህምያ 11:1-36

  • ኣብ የሩሳሌም እተቐመጡ ህዝቢ (1-36)

11  እቶም መሳፍንቲ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ የሩሳሌም ይቕመጡ ነበሩ፣+ እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ከካብ ዓሰርተስ ሓደ ኣብ የሩሳሌም እታ ቕድስቲ ኸተማ ኪቕመጥ፡ እቶም ዝተረፉ ትሽዓተ ኸኣ ኣብ ካልኦት ከተማታት ኪቕመጡ ዕጫ ኣውደቑ።+  እቲ ህዝቢ ድማ ነቶም ብፍታዎም ኣብ የሩሳሌም ኪቕመጡ ዝወሰኑ መረቖም።  እቶም ኣብ የሩሳሌም እተቐመጡ ርእስታት እታ ኣውራጃ እዚኣቶም እዮም። (እቶም ዝተረፉ እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንን ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን*+ ደቂ ገላዉ ሰሎሞንን፡+ ኣብ ካልኦት ከተማታት ይሁዳ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ረርስቱ ኣብ ከከተማኡ ተቐመጠ።+  ገለ ኻብ ደቂ ይሁዳን ካብ ደቂ ብንያምን እውን ኣብ የሩሳሌም ተቐመጡ።) ካብ ደቂ ይሁዳ እዚኣቶም ነበሩ፦ ዓታያ ወዲ ዑዝያ ወዲ ዘካርያስ ወዲ ኣማርያ ወዲ ሸፋጥያ ወዲ መሃላልኤል ካብ ደቂ ፋሬስ፡+  ማዓስያ ወዲ ባሩኽ ወዲ ኮልሖዜ ወዲ ሓዛያ ወዲ ዓዳያ ወዲ ዮያሪብ ወዲ ዘካርያስ ወዲ እቲ ሸላናዊ።  ኵሎም እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚቕመጡ ደቂ ፋሬስ ዝነበሩ፡ 468 ክኢላታት ሰባት ነበሩ።  ደቂ ብንያም ድማ እዚኣቶም ነበሩ፦ ሳሉ+ ወዲ መሹላም ወዲ ዮዔድ ወዲ ጰዳያ ወዲ ቆላያ ወዲ ማዓስያ ወዲ ኢቲኤል ወዲ የሻዕያ፡  ድሕሪኡ ኸኣ ጋባይን ሳላይን፡ 928፣  ዮኤል ወዲ ዚክሪ ድማ ሓላፊኦም* ነበረ፣ ይሁዳ ወዲ ሃሰኑኣ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ ኻልኣይ ሓላፍነት ነበሮ። 10  ካብ ካህናት፦ የዳዕያ ወዲ ዮያሪብ፡ ያኪን፡+ 11  ሰራያ ወዲ ሒልቅያ ወዲ መሹላም ወዲ ጻዶቅ ወዲ መራዮት ወዲ ኣሒጡብ፡+ መራሒ ቤት* እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ 12  ድማ ዕዮ እታ ቤት ዝዓየዩ ኣሕዋቶም፡ 822፣ ዓዳያ ወዲ የሮሓም ወዲ ጰላልያ ወዲ ኣምጺ ወዲ ዘካርያስ ወዲ ጳሽሑር+ ወዲ ማልክያ፡ 13  ድማ ኣሕዋቱ ርእስታት ማይ ቤታት፡ 242፣ ዓማሽሳይ ወዲ ዓዛርኤል ወዲ ኣሕዛይ ወዲ መሺለሞት ወዲ ኢመር፡ 14  ድማ ሓያላትን ተባዓትን ዝነበሩ ኣሕዋቶም፡ 128፣ እቲ ወዲ ዓበይቲ ዝዀነ ዛብዲኤል ድማ ሓላፊኦም ነበረ። 15  ካብ ሌዋውያን ከኣ፦ ሸማዕያ+ ወዲ ሓሹብ ወዲ ዓዝሪቃም ወዲ ሓሻብያ ወዲ ቡኒ፡ 16  ድማ ሻብታይን+ ዮዛባድን+ እቶም ኣብ ልዕሊ ናይ ወጻኢ ዕዮ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሓላፍነት ዝነበሮም ካብ ርእስታት ሌዋውያን፣ 17  ድማ ማታንያ+ ወዲ ሚካ ወዲ ዛብዲ ወዲ ኣሳፍ+ እቲ ኣብ ጸሎት ውዳሰ ዚመርሕ መራሕ መዝሙር፡+ እቲ ኻብ ኣሕዋቱ ኻልኣይ ዝነበረ ባቅቡቅያ፡ ዓብዳ ወዲ ሻሙዓ ወዲ ጋላል ወዲ የዱቱን።+ 18  ኣብታ ቕድስቲ ኸተማ ዝነበሩ ዅሎም ሌዋውያን 284 ነበሩ። 19  ሓለውቲ ኣፍ ደገ ኸኣ ዓቁብ፡ ጣልሞን፡+ ኣፍ ደገታት ዚሕልዉ ኣሕዋቶም እውን፡ 172 ነበሩ። 20  እቶም ዝተረፉ እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንን ድማ፡ ኣብ ኵለን ካልኦት ከተማታት ይሁዳ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ረርስቱ ነበረ። 21  እቶም ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ*+ ከኣ ኣብ ዖፌል+ ይቕመጡ ነበሩ፣ ጺሓን ጊሽጳን ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ* ሓላፍነት ነበሮም። 22  ሓላፊ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሌዋውያን ከኣ ዑዚ ወዲ ባኒ ወዲ ሓሻብያ ወዲ ማታንያ+ ወዲ ሚካ ኻብ ደቂ ኣሳፍ እቶም ዘመርቲ ነበረ፣ ንሱ ኣብ ልዕሊ ዕዮ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሓላፍነት ነበሮ። 23  ከመይሲ፡ ምእንታኦም ትእዛዝ ንጉስ ነበረ፣+ ነቶም ዘመርቲ እውን ነንመዓልቲ ምዱብ መሰናድዎ ተሰርዓሎም። 24  ጰታሕያ ወዲ መሸዛብኤል ወዲ ዜራሕ ወዲ ይሁዳ ድማ ኣብ ኵሉ ነገር ህዝቢ ኣማኻሪ ንጉስ* ነበረ። 25  ብዛዕባ እቲ ምስ ግራውቱ ዝነበረ ሰፈራት ከኣ፡ ገለ ኻብ ደቂ ይሁዳ ኣብ ቂርያት-ኣርባዕን+ ዓድታታን፡ ኣብ ዲቦንን ዓድታታን፡ ኣብ የቃብጽኤልን+ ሰፈራታን ተቐመጡ፣ 26  ኣብ እያሱ፡ ኣብ ሞላዳ፡+ ኣብ ቤት-ጰለጥ፡+ 27  ኣብ ሓጻር-ሹዓል፡+ ኣብ ብኤር-ሸባዕን ዓድታታን፡ 28  ኣብ ጺቅላግ፡+ ኣብ መኮናን ዓድታታን፡ 29  ኣብ ዔን-ሪሞንን+ ኣብ ጾርዓን+ ኣብ ያርሙትን 30  ኣብ ዛኖኣን+ ኣብ ዓዱላምን ሰፈራተንን፡ ኣብ ላኪሽን+ ግራውታን፡ ኣብ ዓዜቃን+ ዓድታታን ድማ ተቐመጡ። ካብ ብኤር-ሸባዕ ክሳብ ስንጭሮ ሂኖም+ ሰፈሩ። 31  ደቂ ብንያም ከኣ ኣብ ጌባዕ፡+ ሚኽማሽ፡ ዓይ፡ ቤት-ኤልን+ ዓድታታን፡ 32  ዓናቶት፡+ ኖብ፡+ ዓናንያ፡ 33  ሓጾር፡ ራማ፡+ ጊታዪም፡ 34  ሓዲድ፡ ጸቦዒም፡ ነባላጥ፡ 35  ሎድን ኦኖን፡+ ስንጭሮ ኢደ ጥበበኛታት ነበሩ። 36  ገለ ኻብ ይሁዳ ዝዀኑ ኽፍልታት ሌዋውያን ድማ፡ ናብ ብንያም ተመደቡ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነቲኒምን።” ቃ.ቃ.፡ “እተዋህቡን።”
ወይ፡ “ሓላዊኦም።”
ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”
ወይ፡ “ነቲኒም።” ቃ.ቃ.፡ “እተዋህቡ።”
ወይ፡ “ነቲኒም።” ቃ.ቃ.፡ “እተዋህቡ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ኢድ ንጉስ።”