ነህምያ 12:1-47

  • ካህናትን ሌዋውያንን (1-26)

  • መመረቕታ እቲ መካበብያ (27-43)

  • ንኣገልግሎት ቤተ መቕደስ እተዋህበ ደገፍ (44-47)

12  እቶም ምስ ዘሩባቤል+ ወዲ ሸኣልቲኤልን+ ምስ እያሱን+ ዝደየቡ ኻህናትን ሌዋውያንን እዚኣቶም እዮም፦ ሰራያ፡ ኤርምያስ፡ እዝራ፡  ኣማርያ፡ ማሉክ፡ ሓጡሽ፡  ሸካንያ፡ ረሑም፡ መሬሞት፡  ዒዶ፡ ጊነቶይ፡ ኣብያ፡  ሚያሚን፡ ማዓድያ፡ ቢልጋ፡  ሸማዕያ፡ ዮያሪብ፡ የዳዕያ፡  ሳሉ፡ ዓሞቅ፡ ሒልቅያ፡ የዳዕያ። እዚኣቶም ብዘመን እያሱ፡ ርእስታት ካህናትን ኣሕዋቶምን ነበሩ።  ሌዋውያን ድማ፡ እያሱ፡ ቢኑኢ፡ ቃድሚኤል፡+ ሸረብያ፡ ይሁዳ፡ እቲ ምስ ኣሕዋቱ መዝሙር ምስጋና ዚመርሕ ማታንያ+ ነበሩ።  ኣሕዋቶም ባቅቡቅያን ዑኒን ከኣ ኣብ መንጽሮም ኣብ ሓለዋኦም* ደው በሉ። 10  እያሱ ንዮያቂም ወለደ፡ ዮያቂም ንኤልያሺብ+ ወለደ፡ ኤልያሺብ ድማ ንዮያዳ።+ 11  ዮያዳ ኸኣ ንዮናታን ወለደ፡ ዮናታን ድማ ንያዱዓ ወለደ። 12  ብዘመን ዮያቂም ከኣ እቶም ካህናት፡ ርእስታት ማይ ቤታት ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሰራያ፡+ መራያ፣ ካብ ኤርምያስ፡ ሓናንያ፣ 13  ካብ እዝራ፡+ መሹላም፣ ካብ ኣማርያ፡ ዮሓናን፣ 14  ካብ ማሉኪ፡ ዮናታን፣ ካብ ሸባንያ፡ ዮሴፍ፣ 15  ካብ ሓሪም፡+ ዓድና፣ ካብ መራዮት፡ ሔልቃይ፣ 16  ካብ ዒዶ፡ ዘካርያስ፣ ካብ ጊነቶን፡ መሹላም፣ 17  ካብ ኣብያ፡+ ዚክሪ፣ ካብ ሚንያሚን፡ . . . ፣* ካብ ሞዓድያ፡ ጲልጣይ፣ 18  ካብ ቢልጋ፡+ ሻሙዓ፣ ካብ ሸማዕያ፡ ዮናታን፣ 19  ካብ ዮያሪብ ድማ፡ ማትናይ፣ ካብ የዳዕያ፡+ ዑዚ፣ 20  ካብ ሳላይ፡ ቃላይ፣ ካብ ዓሞቅ፡ ዔበር፣ 21  ካብ ሒልቅያ፡ ሓሻብያ፣ ካብ የዳዕያ፡ ናትናኤል። 22  እቶም ብዘመን ኤልያሺብን ዮያዳን ዮሓናንን ያዱዓን+ ዝነበሩ ርእስታት ማይ ቤታት ሌዋውያን ተመዝገቡ፣ እቶም ካህናት እውን ክሳዕ ንግስና ዳርዮስ እቲ ፋርሳዊ ኸምኡ ተመዝገቡ። 23  እቶም ርእስታት ማይ ቤታት ዝነበሩ ሌዋውያን፡ ክሳዕ ዘመን ዮሓናን ወዲ ኤልያሺብ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመናት ተመዝገቡ። 24  እቶም ርእስታት ሌዋውያን ከኣ፡ ሓሻብያን ሸረብያን እያሱ+ ወዲ ቃድሚኤልን+ ነበሩ፣ ኣሕዋቶም ድማ፡ ከምቲ ትእዛዝ ዳዊት እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ኪውድሱን ኬመስግኑን+ ጕጅለ ሓለዋ ኣብ ጐድኒ ጕጅለ ሓለዋ ዀይኖም ኣብ መንጽሮም ደው ኢሎም ነበሩ። 25  ማታንያን+ ባቅቡቅያን ኦብድያን መሹላምን ጣልሞንን ዓቁብን+ ከኣ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገታት ዘሎ ማዕከናት እናሓለዉ፡ ሓለውቲ ኣፍ ደገ+ ዀይኖም ደው ኢሎም ነበሩ። 26  እዚኣቶም ብዘመን ዮያቂም ወዲ እያሱ+ ወዲ ዮጻዳቅን ብዘመን ነህምያ እቲ ሹምን ካህን እዝራ+ እቲ ቐዳሕን* ኣገልገሉ። 27  ኣብ መመረቕታ እቲ መካበብያ የሩሳሌም ነቶም ሌዋውያን ደለይዎም፣ ነቲ መመረቕታ ብሓጐስን ብመዝሙር ምስጋናን+ ብጸናጽል ሸሓንን ብበገናን ብመሰንቆን* ኬብዕልዎ ድማ፡ ካብ ኵሉ እቲ ዚነብሩሉ ዝነበሩ ቦታታት ናብ የሩሳሌም ኣምጽእዎም። 28  ደቂ ዘመርቲ* ኸኣ ካብቲ ኸባቢ፡* ካብ ከባቢ የሩሳሌምን ካብ ሰፈራት ነጦፋታውያንን+ 29  ካብ ቤት-ጊልጋልን+ ካብ ግራውቲ ጌባዕን+ ዓዝማዌትን+ ተኣከቡ፣ እቶም ዘመርትስ ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ሰፈራት ሰሪሖም ነበሩ። 30  እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ነጽሁ፣ ነቲ ህዝብን+ ነቲ ኣፍ ደገታትን+ ነቲ መካበብያን+ ከኣ ኣንጽህዎ። 31  ነቶም መሳፍንቲ ይሁዳ ድማ ናብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ኣደየብክዎም። ክልተ ዓበይቲ ዜመስግኑ ጕጅለ ዘመርትን ዓጀብትን ከኣ ኣቘምኩ፣ እቶም ሓደ ኣብቲ መካበብያ ብየማን ናብ ኣፍ ደገ ዅምራ ሓምዅሽቲ+ ኣቢሎም ከዱ። 32  ሆሻዕያን ፍርቂ መሳፍንቲ ይሁዳን ከኣ ደድሕሪኦም ከዱ፣ 33  ምሳታቶም ድማ ዓዛርያን እዝራን መሹላምን 34  ይሁዳን ብንያምን ሸማዕያን ኤርምያስን ነበሩ። 35  መለኸቶም ሒዞም ምሳታቶም ዝነበሩ ገለ ኻብ ደቂ ኻህናት+ ከኣ፡ ዘካርያስ ወዲ ዮናታን ወዲ ሸማዕያ ወዲ ማታንያ ወዲ ሚካያ ወዲ ዛኩር ወዲ ኣሳፍ፡+ 36  ኣሕዋቱ ድማ ሸማዕያን ዓዛርኤልን ሚላላይን ጊላላይን ማዓይን ናትናኤልን ይሁዳን ሓናኒን ናውቲ ሙዚቃ ዳዊት+ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ዝሓዙ ነበሩ፣ እዝራ+ እቲ ቐዳሒ* ኸኣ ቀቅድሚኦም ከደ። 37  ኣብ ኣፍ ደገ ዓይኒ ማይ+ በቲ መደያይቦ+ እታ ኸተማ ዳዊት+ በቲ ኣብ ልዕሊ ቤት ዳዊት ዘሎ ዓቐበት ናብ ምብራቕ ናብቲ ኣፍ ደገ ማይ+ ትኽ ኢሎም ደየቡ። 38  እቶም ካልኣይ ዜመስግኑ ጕጅለ ዘመርቲ ኸኣ ብመንጽር ከዱ፣ ደድሕሪኦም ድማ ኣነን ፍርቂ እቲ ህዝብን፡ ኣብቲ መካበብያ ኣብ ልዕሊ እቲ ግምቢ እቶንን+ ኣብ ልዕሊ እቲ ገፊሕ መካበብያን+ 39  ኣብ ልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ኤፍሬምን+ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ኣረጊት ከተማን+ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ዓሳን+ ግምቢ ሓናንኤልን+ ግምቢ ሜኣህን ኣብ ልዕሊ ኣፍ ደገ ኣባጊዕን+ ነበርና፣ ንሳቶም ከኣ ኣብ ኣፍ ደገ ሓለውቲ ደው በሉ። 40  እቶም ክልተ ዜመስግኑ ጕጅለ ዘመርቲ ድማ ኣብ ቅድሚ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ደው በሉ፣ ከምኡ ኸኣ ኣነ፡ ፍርቂ እቶም መኳንንቲ ድማ ምሳይ፡ 41  እቶም ካህናት ከኣ፡ ኤልያቂም፡ ማዓስያ፡ ሚንያሚን፡ ሚካያ፡ ኤልዮዔናይ፡ ዘካርያስ፡ ሓናንያ መለኸት ሒዞም፡ 42  ድማ ማዓስያን ሸማዕያን ኣልኣዛርን ዑዚን ዮሓናንን ማልክያን ዔላምን ኤጸርን። እቶም ዘመርቲ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ሓላውነት* ይዝራሕያ ዓው ኢሎም ዘመሩ። 43  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ዓብዪ መስዋእቲ ሰውኡ፣ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብዓብዪ ሓጐስ ኣሐጒስዎም ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ተሓጐሱ።+ እተን ኣንስትን እቶም ቈልዑን ድማ ተሓጐሱ፣+ ሓጐስ የሩሳሌም እውን ክሳብ ርሑቕ ኪስማዕ ይኽእል ነበረ።+ 44  ብምኽንያት እቶም ዜገልግሉ ዝነበሩ ኻህናትን ሌዋውያንን ኣብ ይሁዳ ሓጐስ ነበረ እሞ፡ እቲ ብሕጊ+ ንኻህናትን ንሌዋውያንን+ ዚግባእ ግደታት ካብ ግራውቲ ኸተማታት ናብኡ ኺእክቡስ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንመባእን+ ንበዅሪ ፍረን+ ንዕሽርን+ ዚኸውን ማዕከናት+ ዜገልግሉ ሰባት ተሸሙ። 45  ንሳቶም ድማ ሓላፍነት ኣምላኾምን ግዴታ ንጽህናን ኪስከሙ ጀመሩ፣ እቶም ዘመርትን ሓለውቲ ኣፍ ደገን ከኣ ከምቲ ትእዛዝ ዳዊትን ወዱ ሰሎሞንን ከምኡ ገበሩ። 46  ቀደም ብዘመን ዳዊትን ኣሳፍንሲ፡ ነቶም ዘመርትን ነቲ ንኣምላኽ ዚቐርብ መዝሙራት ውዳሰን ምስጋናን ኣለይቲ* ነበሩ።+ 47  ብዘመን ዘሩባቤልን+ ብዘመን ነህምያን ከኣ፡ ኵሉ እስራኤል ነቶም ዘመርትን+ ነቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገን+ ነንመዓልቲ ዜድልዮም ግደታት ሃብዎም። ግደ ሌዋውያን እውን ፈለዩ፣+ እቶም ሌዋውያን ድማ ግደ ደቂ ኣሮን ፈለዩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣብ ኣገልግሎቶም” ኪኸውን ይኽእል።
ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ነታ ኣብዚ ዝነበረት ስም ዘሊልዋ ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “ጸሓፍን።”
ወይ፡ “ብኽራርን።”
ወይ፡ “እቶም ዝሰልጠኑ ዘመርቲ።”
ማለት፡ ካብ ከባቢ ዮርዳኖስ።
ወይ፡ “ጸሓፊ።”
ወይ፡ “ሓላፍነት።”
ቃ.ቃ.፡ “ርእስታት።”