ነህምያ 13:1-31

  • ነህምያ ዝገበሮ ተወሳኺ ተሓድሶ (1-31)

    • ዕሽር ተዋህበ (10-13)

    • ንሰንበት ከየርክስዋ እተወስደ ስጕምቲ (15-22)

    • ምስ ጓኖት ዚግበር መውስቦ ተዀነነ (23-28)

13  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ህዝቢ እናሰምዐ፡ መጽሓፍ ሙሴ ተነብበ፣+ ኣብኡ ኸኣ ዓሞናዊ ወይ ሞኣባዊ+ ንዘለኣለም ናብ ጉባኤ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከይኣቱ ተጻሒፉ ተረኽበ።+  ከመይሲ፡ ንሳቶም ንእስራኤላውያን እንጌራን ማይን ሒዞም ኣይተቐበልዎምን፣ የግዳስ፡ ኪረግሞም ኢሎም ንበላዓም ቈጸርዎ።+ ኣምላኽና ግና ነቲ መርገም ናብ በረኸት ቀየሮ።+  እቲ ሕጊ ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ ዘርኢ ጓና* ዘበለ ኻብ እስራኤል ፈለዩ።+  ቅድሚ እዚ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ መኽዘናት* ቤት* ኣምላኽ ሓላፍነት ዝነበሮ ኻህን፡+ ኤልያሺብ+ እቲ ዘመድ ጦብያ+ ነበረ።  ንሱ ኸኣ ንዕኡ ዓብዪ መኽዘን* ኣዳለወሉ፣ ኣብኡ ድማ ኣቐዲሞም እቲ ንሌዋውያንን+ ንዘመርትን ንሓለውቲ ኣፍ ደገን ዚግባእ መስዋእቲ እኽልን ጻዕዳ ዕጣንን ኣቕሑን ዕሽር እኽልን ጕዕሽ ወይንን ዘይትን+ ምስቲ ንኻህናት ዚውሃብ መባእ+ የንብሩ ነበሩ።  እዚ ዅሉ ኪኸውን ከሎ፡ ኣነ ኣብ የሩሳሌም ኣይነበርኩን። ከመይሲ፡ ኣብ መበል 32 ዓመት+ ኣርታሕሻስታ+ ንጉስ ባቢሎን ናብ ንጉስ ከይደ ነበርኩ፣ ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ ክምለስ ካብ ንጉስ ፍቓድ ሓተትኩ።  ናብ የሩሳሌም መጺአ ድማ ኤልያሺብ+ ንጦብያ+ ኣብ ኣጸድ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ መኽዘን ብምድላው ዝገበሮ ኽፉእ ነገር ረኣኹ።  እዚ ኸኣ ኣዝዩ ኣጕሃየኒ፣ ስለዚ፡ ንዅሉ ኣቕሑ ቤት ጦብያ ናብ ወጻኢ እቲ መኽዘን* ደርበኽዎ።  ድሕሪኡ፡ ኣዘዝኩ እሞ፡ ንሳቶም ነቲ መኽዘናት* ኣንጽህዎ፣ ኣነ ድማ ነቲ ኣቕሑ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምስቲ መስዋእቲ እኽልን ጻዕዳ ዕጣንን+ ናብኡ መለስክዎ።+ 10  ግደታት ሌዋውያን+ ከም ዘይተዋህቦም፡+ ስለዚ ኸኣ እቶም ነቲ ዕዮ ዚዓይዩ ሌዋውያንን ዘመርትን፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ግራቱ ኸም ዝኸደ ፈለጥኩ።+ 11  ሽዑ፡ ነቶም መኳንንቲ ገናሕክዎም፡+ “ስለምንታይ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዕሽሽ ተባሂላ፧” ድማ በልክዎም።+ ኣኪበ ኸኣ ነናብ ዕዮኦም መሊሰ መደብክዎም። 12  ኵሉ ይሁዳ ድማ ዕሽር+ እኽልን ጕዕሽ ወይንን ዘይትን ናብቲ ማዕከናት ኣምጽአ።+ 13  ሽዑ፡ ንኻህን ሸለምያን ንጻዶቅ እቲ ቐዳሕን፡* ካብ ሌዋውያን ድማ ንጰዳያ ኣብ ልዕሊ እቲ ማዕከናት ሓላፍነት ሃብክዎም፣ ሓናን ወዲ ዛኩር ወዲ ማታንያ ኸኣ ሓጋዚኦም ነበረ፣ ከመይሲ፡ እዚኣቶም እሙናት ጌርካ ይርኣዩ ነበሩ። ንኣሕዋቶም ምዕዳል ድማ ሓላፍነቶም ነበረ። 14  ኦ ኣምላኸይ፡ ብዛዕባ እዚ ዘክረኒ፣+ ነቲ ምእንቲ ቤት ኣምላኸይን ኣገልግሎቱን* ኢለ ብተኣማንነት ዘርኣኽዎ ፍቕሪ ድማ ኣይትደምስሶ።+ 15  በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኣብ ይሁዳ ብሰንበት መጽመቝ ወይኒ ኺረግጹ፡+ እኽሊ ኣምጺኦም ኣብ ኣእዱግ ኪጽዕኑ፡ ወይንን ፍረ ወይንን በለስን ኵሉ ዓይነት ጽዕነትን ከኣ ብመዓልቲ ሰንበት ናብ የሩሳሌም ኬምጽኡ ረኣኹ።+ ስለዚ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ምግቢ ኸይሸጡ ኣጠንቀቕክዎም።* 16  እቶም ኣብታ ኸተማ እተቐመጡ ጢሮሳውያን ድማ፡ ዓሳን ኵሉ ዓይነት ሸቐጥን የምጽኡ፡ ብሰንበት ከኣ ንደቂ ይሁዳ ኣብ የሩሳሌም ይሸጡሎም ነበሩ።+ 17  ሽዑ፡ ንልዑላን ይሁዳ ኸምዚ ኢለ ገናሕክዎም፦ “ንመዓልቲ ሰንበት ብምርካስ እትገብርዎ ዘለኹም ክፉእ ነገር እንታይ እዩ፧ 18  ኣቦታትኩምሲ ኸምዚ ደይኰነን ዝገበሩ፧ ኣምላኽና ኸኣ እዚ ዅሉ መዓት ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ እዛ ኸተማ እዚኣን ኣምጽአ። ንስኻትኩም ድማ ንሰንበት ብምርካስ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዚነድድ ቍጥዓ ትውስኹሉ ኣለኹም።”+ 19  ቅድሚ ሰንበት ኣብ ኣፍ ደገታት የሩሳሌም ጽላሎት ኪወድቕ ምስ ጀመረ ድማ፡ እቲ መዓጹ ኺዕጾ ኣዘዝኩ። ሰንበት ክሳዕ እትሓልፍ ከይከፍትዎ ኸኣ ተዛረብክዎም። ብመዓልቲ ሰንበት ጽዕነት ከይኣቱ ድማ፡ ገለ ኻብ ገላዎይ ኣብ ኣፍ ደገታት ደው ኣበልኩ። 20  ሽዑ፡ እቶም ነጋዶን ሸየጥቲ ዅሉ ዓይነት ሸቐጥን ኣብ ወጻኢ የሩሳሌም ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ሓደሩ። 21  ድሕርዚ፡ “ስለምንታይ ኢኹም ኣብ መንጽር መካበብያ እትሓድሩ፧ መሊስኩም ከምኡ እንተ ጌርኩም፡ ኣብ ልዕሌኹም ሓይሊ ኽጥቀም እየ” ኢለ ኣጠንቀቕክዎም። ካብታ ግዜ እቲኣ ኣትሒዞም፡ ብሰንበት ኣይመጹን። 22  ነቶም ሌዋውያን ከኣ ወትሩ ኺነጽሁ፡ መዓልቲ ሰንበት ቅድስቲ ጌርካ ንምሕላዋ ድማ መጺኦም ነቲ ኣፍ ደገታት ኪሕልውዎ ተዛረብክዎም።+ ኦ ኣምላኸይ፡ ነዚ እውን ዘክረለይ፡ ከም ብዝሒ እቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕሪ ኸኣ ደንግጸለይ።+ 23  በተን መዓልትታት እቲአን ድማ፡ ኣሽዶዳውያንን+ ዓሞናውያንን ሞኣባውያንን+ ኣንስቲ ዘእተዉ* ኣይሁድ ረኣኹ።+ 24  እቶም ደቆም ከኣ ፍርቆም ብቛንቋ ኣሽዶዳውያን፡ ፍርቆም ድማ ብቛንቋ ኻልኦት ህዝብታት ይዛረቡ ነበሩ እምበር፡ ዋላ ሓደ ኻባታቶም ብቛንቋ ኣይሁድ ምዝራብ ዚኽእል ኣይነበረን። 25  ስለዚ፡ ገናሕክዎም፡ ረገምክዎም፡ ንገለ ኻብቶም ሰባት ወቓዕክዎም፡+ ጸጕሮም እውን ነጸኹ፣ ከምዚ ኢለ ኸኣ ብኣምላኽ ኣምሓልክዎም፦ “ኣዋልድኩም ንኣወዳቶም ኣይትሃቡ፣ ካብ ኣዋልዶም ከኣ ንኣወዳትኩም ወይ ንርእስኹም ኣይትውሰዱ።+ 26  ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል በዚ ደይኰነን ዝሓጥአ፧ ኣብ መንጎ ብዙሓት ኣህዛብ ከምኡ ዝበለ ንጉስ ኣይነበረን።+ ኣብ ኣምላኹ ድማ ፍቑር ነበረ፣+ ስለዚ፡ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኣንገሶ። ግናኸ፡ ንዕኡ እውን ጓኖት ኣንስቲ ኣሕጥኣኦ።+ 27  ጓኖት ኣንስቲ ኣእቲኹም ንኣምላኽና ብምጥላም እዚ ዓብዪ ኽፍኣት እዚ ኽትገብሩስ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ደይኰነን፧”+ 28  ሓደ ኻብ ደቂ ዮያዳ+ ወዲ ኤልያሺብ+ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ሰብኣይ ጓል ሳንባላጥ+ እቲ ሖሮናዊ ዀይኑ ነበረ። ስለዚ፡ ካባይ ሰጐጕክዎ። 29  ኦ ኣምላኸይ፡ ክህነትን ኪዳን ክህነትን+ ኪዳን ሌዋውያንን+ ስለ ዘርከሱ፡ ዘክሮም። 30  ካብ ኵሉ ጓና ርኽሰት ኣንጻህክዎም፣ ነቶም ካህናትን ነቶም ሌዋውያንን ከኣ፡ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ኣገልግሎቱ መደብክዎም፣+ 31  ነቲ ናይ ምዱብ ግዜ ቐረብ ዕንጨይትን+ ነቲ በዅሪ ፍረን እውን መሰናድዎ ገበርኩ። ኦ ኣምላኸይ፡ ብጽቡቕ* ዘክረኒ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሓንፈጽ።”
ወይ፡ “መመገቢ ኣዳራሻት።”
ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”
ወይ፡ “መመገቢ ኣዳራሽ።”
ወይ፡ “መመገቢ ኣዳራሽ።”
ወይ፡ “መመገቢ ኣዳራሻት።”
ወይ፡ “ጸሓፍን።”
ወይ፡ “ሓላውነቱን።”
ወይ፡ “ምግቢ ኸይሸጡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣጠንቀቕክዎም” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ናብ ቤቶም ዘእተዉ።”
ወይ፡ “ንጽቡቕ።”