ነህምያ 3:1-32

  • ዳግመ ህንጸት እቲ መካበብያ (1-32)

3  ኤልያሺብ+ እቲ ሊቀ ኻህናትን ኣሕዋቱ እቶም ካህናትን ድማ ተንሲኦም ነቲ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ሃነጽዎ።+ ድሕሪኡ፡ ቀደስዎን*+ መዓጹ ኣቘሙሉን፣ ክሳብ ግምቢ ሜኣህ፡+ ክሳብ ግምቢ ሓናንኤል ከኣ ቀደስዎ።+  ኣብ ጐድኖም ድማ ሰብ ያሪኮ+ ይሃንጹ ነበሩ፣ ኣብ ጐድኖም ከኣ ዛኩር ወዲ ኢምሪ ይሃንጽ ነበረ።  ደቂ ሃሰና ድማ ኣፍ ደገ ዓሳ ሃነጹ፣+ ልዳት ገጠሙሉ፡+ መዓጹን ሰጋጣትን ተገዳማትን ከኣ ገበሩሉ።  ኣብ ጐድኖም ድማ መሬሞት+ ወዲ ኡርያ ወዲ ሃቆጽ ጸገነ፣ ኣብ ጐድኖም ከኣ መሹላም+ ወዲ በረክያ ወዲ መሸዛብኤል ጸገነ፣ ኣብ ጐድኖም ድማ ጻዶቅ ወዲ ባዓና ጸገነ።  ኣብ ጐድኖም ከኣ ተቆዓውያን+ ጸገኑ፣ እቶም ምርኡያቶም ግና ኣብቲ ኣገልግሎት ጐይተቶም ንምስታፍ ርእሶም ኣየትሓቱን።*  ዮያዳ ወዲ ጳሴሓን መሹላም ወዲ በሶድያን ድማ ንኣፍ ደገ ኣረጊት ከተማ ጸገንዎ፣+ ልዳት ገጠሙሉ፡ መዓጹን ሰጋጣትን ተገዳማትን ከኣ ገበሩሉ።  ኣብ ጐድኖም ድማ መላጥያ እቲ ጊብዖናውን+ ያዶን እቲ ሜሮኖታውን፡ እቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣን* እቲ ሹም ስግር እቲ ፈለግ*+ ዝነበሩ ሰብ ጊብዖንን ሚጽጳን+ ጸገኑ።  ኣብ ጐድኖም ከኣ ዑዚኤል ወዲ ሓርሃያ፡ ሓደ ኻብቶም ኣንጠረኛታት ወርቂ ጸገነ፣ ኣብ ጐድኑ ድማ ሓናንያ፡ ሓደ ኻብቶም ቀመምቲ ቕብኢ፡* ጸገነ፣ ንየሩሳሌም ከኣ ክሳብ እቲ ገፊሕ መካበብያ ኣእማን ኣንጸፉላ።+  ኣብ ጐድኖም ድማ ረፋያ ወዲ ሑር፡ መስፍን ፍርቂ ወረዳ የሩሳሌም ጸገነ። 10  ኣብ ጐድኖም ከኣ የዳያ ወዲ ሓሩማፍ ኣብ መንጽር ቤቱ ጸገነ፣ ኣብ ጐድኑ ድማ ሓጡሽ ወዲ ሓሻብነያ ጸገነ። 11  ማልክያ ወዲ ሓሪምን+ ሓሹብ ወዲ ጳሓት-ሞኣብን+ ከኣ ካልእ ክፋልን* ግምቢ እቶንን ጸገኑ።+ 12  ኣብ ጐድኖም ድማ ሻሉም ወዲ ሃሎሔሽ፡ መስፍን ፍርቂ ወረዳ የሩሳሌም፡ ምስ ኣዋልዱ ዀይኑ ጸገነ። 13  ሓኑንን ነበርቲ ዛኖኣን+ ከኣ ኣፍ ደገ ስንጭሮ ጸገኑ፣+ ሃኒጾም ድማ፡ መዓጹን ሰጋጣትን ተገዳማትን ገበሩሉ፣ ክሳብ ኣፍ ደገ ዅምራ ሓምዅሽቲ ኸኣ 1,000 እመት* ጸገኑ።+ 14  ማልክያ ወዲ ሬካብ፡ መስፍን ወረዳ ቤት-ሃካሬም+ ድማ፡ ኣፍ ደገ ዅምራ ሓምዅሽቲ ጸገነ፣ ሃኒጹ ኸኣ፡ መዓጹን ሰጋጣትን ተገዳማትን ገበረሉ። 15  ሻሉን ወዲ ኮልሖዜ፡ መስፍን ወረዳ ሚጽጳ+ ድማ፡ ኣፍ ደገ ዓይኒ ማይ ጸገነ፣+ ሃኒጹ ኸኣ ናሕሲ ገይሩ ኸደኖ፡ መዓጹን ሰጋጣትን ተገዳማትን ድማ ገበሩሉ፣ መካበብያ እቲ ሓጽቢ+ መትረብ ስፍራ ኣታኽልቲ ንጉስ፡+ ክሳብ እቲ ኻብ ከተማ ዳዊት+ ዚወርድ መደያይቦ+ ጸገነ። 16  ብድሕሪኡ፡ ነህምያ ወዲ ዓዝቡቕ፡ መስፍን ፍርቂ ወረዳ ቤት-ጹር፡+ ካብ መንጽር መቓብራት ዳዊት+ ክሳብ እቲ እተሰርሐ ሓጽቢ፡+ ክሳብ ቤት እቶም ጀጋኑ ጸገነ። 17  ብድሕሪኡ፡ እቶም ሌዋውያን፡ ረሑም ወዲ ባኒ ጸገኑ፣ ኣብ ጐድኑ ኸኣ ሓሻብያ፡ መስፍን ፍርቂ ወረዳ ቅዒላ፡+ ኣብ ክንዲ ወረዳኡ ጸገነ። 18  ብድሕሪኡ፡ ኣሕዋቶም፡ ባዋይ ወዲ ሔናዳድ፡ መስፍን ፍርቂ ወረዳ ቅዒላ ጸገኑ። 19  ኣብ ጐድኑ ድማ ኤጸር ወዲ እያሱ፡+ መስፍን ሚጽጳ፡ ኣብ መንጽር እቲ ናብ ቤት ኣጽዋር ዜደይብ ዓቐበት፡ ኣብቲ ደጋፍ መንደቕ ካልእ ክፋል ጸገነ።+ 20  ብድሕሪኡ፡ ባሩኽ ወዲ ዛባይ+ ተጊሁ ዓየየ፡ ካብቲ ደጋፍ መንደቕ ክሳብ ኣፍ ደገ ቤት ኤልያሺብ+ እቲ ሊቀ ኻህናት ዘሎ ኻልእ ክፋል እውን ጸገነ። 21  ብድሕሪኡ፡ መሬሞት+ ወዲ ኡርያ ወዲ ሃቆጽ ካብ ኣፍ ደገ ቤት ኤልያሺብ ክሳብ ወሰን ቤት ኤልያሺብ ዘሎ ኻልእ ክፋል ጸገነ። 22  ብድሕሪኡ ኸኣ፡ እቶም ካህናት፡ እቶም ሰብ ከባቢ ዮርዳኖስ*+ ጸገኑ። 23  ብድሕሪኦም፡ ብንያምን ሓሹብን ኣብ መንጽር ቤቶም ጸገኑ። ብድሕሪኦም፡ ዓዛርያ ወዲ ማዓስያ ወዲ ዓናንያ ኣብ ጥቓ ቤቱ ጸገነ። 24  ብድሕሪኡ፡ ቢኑኢ ወዲ ሔናዳድ ካብ ቤት ዓዛርያ ኽሳብ እቲ ደጋፍ መንደቕን+ ክሳብ እቲ መኣዝንን ዘሎ ኻልእ ክፋል ጸገነ። 25  ብድሕሪኡ፡ ጳላል ወዲ ኡዛይ ኣብ መንጽር እቲ ደጋፍ መንደቕን እቲ ኻብ ቤት* ንጉስ ዚወጽእ ግምብን፡+ ኣብቲ ናይ ኣጸድ ሓለውቲ ዝዀነ ላዕለዋይ ክፋል ጸገነ።+ ብድሕሪኡ፡ ጰዳያ ወዲ ጳርዖሽ ነበረ።+ 26  እቶም ኣብ ዖፌል ዚነብሩ+ ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ*+ ድማ ክሳብ መንጽር ኣፍ ደገ ማይ+ ብምብራቕን ክሳብ እቲ ውጽእ ዝበለ ግምብን ጸገኑ። 27  ብድሕሪኦም፡ እቶም ተቆዓውያን+ ካብ መንጽር እቲ ውጽእ ዝበለ ግምቢ ኽሳብ መካበብያ ዖፌል ካልእ ክፋል ጸገኑ። 28  እቶም ካህናት ኣብ ልዕሊ ኣፍ ደገ ኣፍራስ፡+ ነፍሲ ወከፎም ኣብ መመንጽር ቤቶም ጸገኑ። 29  ብድሕሪኦም፡ ጻዶቅ+ ወዲ ኢመር ኣብ መንጽር ቤቱ ጸገነ። ብድሕሪኡ፡ ሸማዕያ ወዲ ሸካንያ እቲ ሓላው ኣፍ ደገ ምብራቕ+ ጸገነ። 30  ብድሕሪኡ፡ ሓናንያ ወዲ ሸለምያን ሓኑን እቲ ሻድሻይ ወዲ ጻላፍን ካልእ ክፋል ጸገኑ። ብድሕሪኡ፡ መሹላም+ ወዲ በረክያ ኣብ መንጽር ኣዳራሹ ጸገነ። 31  ብድሕሪኡ፡ ማልክያ ኣባል እቶም ኣንጠረኛታት ወርቂ፡ ክሳብ ቤት እቶም ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን*+ እቶም ነጋዶን፡ ኣብ መንጽር ኣፍ ደገ መርመራ፡ ከምኡ እውን ክሳብ እቲ ደርቢ መኣዝን ጸገነ። 32  ኣብ መንጎ እቲ ደርቢ መኣዝንን ኣፍ ደገ ኣባጊዕን+ ድማ ኣንጠረኛታት ወርቅን ነጋዶን ጸገኑ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ወፈይዎን።”
ቃ.ቃ.፡ “ክሳዶም ናብቲ ኣገልግሎት ኣየበሉን።”
ወይ፡ “ስግር ኤፍራጥስ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዝፋን።”
ወይ፡ “ቀመምቲ ሽቱ።”
ወይ፡ “እተለክዐ ኽፋልን።”
ኣስታት 445 ሜ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “እቶም ሰብ እቲ ኸባቢ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ነቲኒም።” ቃ.ቃ.፡ “እተዋህቡ።”
ወይ፡ “ነቲኒምን።” ቃ.ቃ.፡ “እተዋህቡን።”