ነህምያ 4:1-23

  • ምጽራር እናሃለወ ኽነሱ፡ እቲ ዕዮ ቐጸለ (1-14)

  • እቶም ዓየይቲ ኣጽዋር ተዓጢቖም ህንጸት ቀጸሉ (15-23)

4  ሳንባላጥ+ ከኣ፡ ንሕና ነቲ መካበብያ ዳግም ንሃንጾ ኸም ዘለና ምስ ሰምዐ፡ ተቘጥዐን ኣዝዩ ዀረየን፣ ነቶም ኣይሁድ ድማ የላግጸሎም ነበረ።  ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱን ሰራዊት ሰማርያን ከኣ፡ “እዞም ድኹማት ኣይሁድ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ፧ ነዚዶ ብርእሶም ኪገብርዎ እዮም፧ መስዋእቲዶ ኺስውኡ እዮም፧ ብሓደ መዓልቲዶ ኺውድእዎ እዮም፧ ነቲ ዝነደደ ኣእማን ካብቲ ዅምራታት ፍርስራስዶ ኼሐድስዎ እዮም፧” በለ።+  ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ ዝነበረ ጦብያ+ እቲ ዓሞናዊ+ ድማ፡ “ኣብቲ ዚሃንጽዎ ዘለዉ ወኻርያ እኳ እንተ ትድይብ፡ ነቲ መንደቖም መፍረሰቶ” በለ።  ኦ ኣምላኽና፡ ተናዒቕና ኢና እሞ፡+ ስማዕ፣ ጸርፎም ከኣ ኣብ ርእሶም ምለሰሎም፣+ ንዘመተ ኪዀኑ ድማ ናብ ምድሪ ምርኮ ኣሕሊፍካ ሃቦም።  ነቶም ሃነጽቲ ጸሪፎምዎም እዮም እሞ፡ በደሎም ኣይትሸፍን፡ ሓጢኣቶም እውን ካብ ቅድሜኻ ኣይትደምስስ።+  ነቲ መካበብያ ድማ ንሃንጾ ነበርና፣ ብዘሎ እቲ መካበብያ ኸኣ ተጋጠመ፡ ክሳብ ፍርቂ ቝመቱ እውን ዳግም ተሃንጸ። ልቢ እቶም ህዝቢ ድማ ኣብቲ ዕዮ ነበረ።  ሳንባላጥን ጦብያን+ ኣዕራብን+ ዓሞናውያንን ኣሽዶዳውያንን+ ጽገና መካበብያ የሩሳሌም ይሰልጥ ከም ዘሎ፡ እቲ ፍራሳታ ኸኣ ኪዕበስ ከም ዝጀመረ ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ተቘጥዑ።  ንሳቶም መጺኦም ምስ የሩሳሌም ኪዋግኡን ኪርብሹን ብሓደ ውዲት ኣለሙ።  ንሕና ድማ ናብ ኣምላኽና ጸለና፡ ካባታቶም ኪሕልዉና እውን መዓልትን ለይትን ሓለውቲ ኣቘምና። 10  ሰብ ይሁዳ ኸኣ፡ “ሓይሊ እቶም ሸቃሎ* ደኺሙ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ፍርስራስ ድማ ኣሎ። ነቲ መካበብያ ኽንሃንጾ ኣይንኽእልን ኢና” ይብሉ ነበሩ። 11  እቶም ጸላእትና ኸኣ፡ “ከይፈለጡን ከይረኣዩናን ኣብ መንጎኦም ኣቲና ኽንቀትሎምን ነቲ ዕዮ ደው ከነብሎን ኢና” ይብሉ ነበሩ። 12  እቶም ኣብ ጥቓኦም ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ድማ መምስ መጹ፡ “ካብ ኵሉ ኣንፈት ኣብ ልዕሌና ኺመጹ እዮም” ኢሎም ዓሰርተ ሳዕ ይነግሩና ነበሩ። 13  ስለዚ፡ ብድሕሪ እቲ መካበብያ ኣብቲ ዝተሓተ ቦታታት፡ ኣብ ቃልዕ ቦታታት፡ ሰባት ኣቘምኩ፣ በብዓሌቶም ከኣ ኣስያፎምን ሕላሳቶምን ቀስትታቶምን ሒዞም ደው በሉ። 14  ፍርሆም ምስ ረኣኹ፡ ብኡብኡ ተንሲአ ነቶም ልዑላንን+ ነቶም መኳንንትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን፡ “ኣይትፍርህዎም።+ ነቲ ዓብይን ዜፍርህን የሆዋ ዘክርዎ፣+ ምእንቲ ኣሕዋትኩምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኣንስትኹምን ኣባይትኹምን ድማ ተዋግኡ” በልክዎም። 15  እቶም ጸላእትና፡ እቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ ኸም ዝፈለጥና፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ንውጥኖም ከም ዘፍሸሎ ምስ ሰምዑ፡ ኵላትና ናብ ዕዮ እቲ መካበብያ ተመለስና። 16  ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር ፍርቂ ኻብቶም ሰበይ ዕዮ ይዓይዩ፡+ ፍርቆም ድማ ሕላሳትን ዋላቱን ቀስትታትን ይሕዙ፡ ድርዕታት እውን ይለብሱ ነበሩ። እቶም መሳፍንቲ+ ኸኣ ብድሕሪ ዅሎም ቤት ይሁዳ ደው በሉ፣ 17  እቲኣቶም ድማ ነቲ መካበብያ ይሃንጹ ነበሩ። እቶም ጾር ዚጾሩ ዝነበሩ ኸኣ ብሓደ ኢዶም ኪዓይዩ ኸለዉ፡ ብሓደ ኢዶም ኣጽዋሮም* ሒዞም ነበሩ። 18  እቶም ሃነጽቲ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰይፉ ኣብ ሕቘኡ ተዓጢቑ ይሃንጽ ነበረ። እቲ መለኸት ዚነፍሕ+ ከኣ ኣብ ጥቓይ ነበረ። 19  ሽዑ፡ ነቶም ልዑላንን ነቶም መኳንንትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን፡ “እቲ ዕዮ ዓብይን ሰፊሕን እዩ፣ ንሕና ድማ ካብ ንሓድሕድና ርሒቕና ኣብቲ መካበብያ ፋሕ ኢልና ኣለና። 20  ደሃይ መለኸት ምስ ሰማዕኩም፡ ናብዛ ዘለናያ ተኣከቡ። ኣምላኽና ኺዋግኣልና እዩ”+ በልክዎም። 21  ስለዚ፡ ንሕና ኽንዓዪ ኸለና፡ ፍርቆም ካብ ወጋሕታ ኽሳዕ ከዋኽብቲ ዚወጹ ሕላሳት ይሕዙ ነበሩ። 22  በታ ግዜ እቲኣ፡ ነቶም ህዝቢ፡ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ መምስ ጊልያኡ ለይቲ ኣብ ውሽጢ የሩሳሌም ይሕደር፣ ንሳቶም ድማ ለይቲ ኺሕልዉና፡ መዓልቲ እውን ኪዓይዩ እዮም” በልክዎም። 23  ኣነን ኣሕዋተይን ገላዎይን+ እቶም ዝሰዓቡኒ ሓለውትን፡ ክዳውንትና ኣይነውጽእን ነበርና፣ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ኣጽዋሩ ኣብ የማናይ ኢዱ ሒዙ ነበረ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ጾር ዚጾሩ።”
ወይ፡ “ተወርዋሪ።”