ነህምያ 5:1-19

  • ነህምያ ምዝመዛ ኸም ዚቋረጽ ገበረ (1-13)

  • ነህምያ ጥቕሚ ርእሱ ዘይደሊ ነበረ (14-19)

5  ይኹን እምበር፡ እቶም ህዝብን ኣንስቶምን በቶም ኣሕዋቶም ኣይሁድ ብዙሕ ኣእወዩ።+  ገሊኣቶም፡ “ንሕና ምስ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ብዙሓት ኢና። በሊዕና ብህይወት ክንነብርሲ፡ እኽሊ ኽንረክብ ኣሎና” ይብሉ ነበሩ።  ገሊኣቶም ድማ፡ “ብግዜ ጥሜት እኽሊ ኽንረክብሲ፡ ግራውትናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣባይትናን ነትሕዝ ኣለና” ይብሉ ነበሩ።  ገሊኣቶም ከኣ፡ “ብግራውትናን ብኣታኽልቲ ወይንናን ንቐረጽ ንጉስ ገንዘብ ተለቂሕና።+  ሕጂ ድማ ምስ ኣሕዋትና ኻብ ሓደ ስጋን ደምን ኢና፣* ደቅና እውን ከም ደቆም እዮም። ግናኸ፡ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ንባርነት ኣሕሊፍና ንህብ ኣለና፣ ገሊአን ካብ ኣዋልድና እውን ድሮ ባሮት ኰይነን ኣለዋ።+ ግራውትናን ኣታኽልቲ ወይንናን ናይ ካልኦት ስለ ዝዀነ ግና፡ ነዚ ደው ንምባል ዓቕሚ የብልናን” ይብሉ ነበሩ።  ኣነ ኸኣ ነቲ ኣውያቶምን ነዚ ዘረባ እዝን ምስ ሰማዕኩ፡ ኣዝየ ተቘጣዕኩ።  ነዚ ነገር እዚ ብልበይ ሓሰብኩሉ እሞ፡ ምስቶም ልዑላንን መኳንንትን ተኸራኸርኩ፡ “ነፍሲ ወከፍኩም ንኣሕዋትኩም ወለድ ተኽፍልዎም* ኣለኹም” እውን በልክዎም።+ ብሰንኮም ከኣ ዓብዪ ኣኼባ ኣዳሎኹ።  “ብእተኻእለ መጠን፡ ነቶም ናብ ኣህዛብ ተሸይጦም ዝነበሩ ኣይሁድ ኣሕዋትና መሊስና ዓዲግናዮም ኣለና፣ ሕጂ ግና ንኣሕዋትኩምዶ ኽትሸጥዎም ኢኹም፧+ ንሳቶምከ መሊሶምዶ ናባና ኺሽየጡ እዮም፧” ድማ በልክዎም። ሽዑ፡ ዘረባ ስኢኖም ስቕ በሉ።  ኣነ ኸኣ፡ “እዚ እትገብርዎ ዘለኹም ጽቡቕ ኣይኰነን። እቶም ጸላእትና ኣህዛብ ከይጸርፉናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽና ኽትመላለሱዶ ኣይግብኣኩምን፧+ 10  ኣነን ኣሕዋተይን ገላዎይን ድማ ገንዘብን እኽልን ነለቅሖም ኣለና። በጃኹም፡ ብወለድ ምልቃሕ ንሕደጎ።+ 11  በጃኹም፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ግራውቶምን+ ኣታኽልቲ ወይኖምን ኣእዋም ኣውልዖምን ኣባይቶምን እቲ ኸም ወለድ እተኽፍልዎም ዘለኹም ሓደ ሚእታዊት* ገንዘቦምን እኽሎምን ጕዕሽ ወይኖምን ዘይቶምን ምለሱሎም” በልክዎም። 12  ሽዑ፡ ንሳቶም፡ “ንመልሰሎም፡ ካባታቶም ድማ ገለ እኳ ኣይንደልን። ልክዕ ከምቲ ዝበልካዮ ኸኣ ክንገብር ኢና” በሉ። ኣነ ድማ ነቶም ካህናት ጸዊዐ፡ ነቶም ሰባት እቲኦም ነዚ ቓል እዚ ኺሕልዉ ኣምሓልክዎም። 13  ዕጻፍ ክዳነይ ነጊፈ* ኸኣ፡ “ነዚ ቓል እዚ ንዘይፍጽም ዘበለ ሰብ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ በዚ ኸምዚ ኻብ ቤቱን ካብ ጥሪቱን ይንገፎ፣ በዚ ኸምዚ እውን ንጉፍን ጥራዩን ይኹን” በልኩ። ኵሉ እቲ ጉባኤ ድማ፡ “ኣሜን!”* በለ። ንየሆዋ ድማ ወደስዎ፣ እቶም ህዝቢ ኸኣ ከምቲ ዝኣተውዎ ቓል ገበሩ። 14  ብዘይካዚ፡ ካብታ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ሹሞም+ ክኸውን ዝመዘዘኒ መዓልቲ፡ ካብ መበል 20 ዓመት+ ክሳብ መበል 32 ዓመት+ ንጉስ ኣርታሕሻስታ፡+ 12 ዓመት፡ ኣነን ኣሕዋተይን ንሹም ዚግባእ እንጌራ ኣይበላዕናን።+ 15  እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሹማምንቲ ግና ነቲ ህዝቢ የኽብዱሉ ነበሩ፣ ካባታቶም ድማ መዓልቲ መዓልቲ ንእንጌራን ንወይንን ዚኸውን 40 ሲቃል* ብሩር ይወስዱ ነበሩ። ገላዉኦም እውን ነቲ ህዝቢ ይጭቍንዎ ነበሩ። ኣነ ግና ንኣምላኽ ስለ ዝፈራህኩ፡+ ከምኡ ኣይገበርኩን።+ 16  ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብ ዕዮ እቲ መካበብያ ተሳተፍኩ፣ ግራት እውን ኣየጥረናን።+ ኵሎም ገላዎይ ከኣ ኣብኡ ኣብቲ ዕዮ ተኣኪቦም ነበሩ። 17  ብዘይካ እቶም ካብ ኣህዛብ ዚመጹና ድማ፡ 150 ኣይሁድን መኳንንትን ኣብ መኣደይ ይምገቡ ነበሩ። 18  ንሓንቲ መዓልቲ ዚዳለወለይ* ድማ፡ ሓደ ብዕራይን ሽዱሽተ ሕሩያት ኣባጊዕን ኣዕዋፍን ነበረ፣ ሓንሳእ ኣብ ዓሰርተ መዓልቲ ኸኣ ኵሉ ዓይነት ወይኒ ብብዝሒ ነበረ። ምስናይዚ ግና፡ እቶም ህዝቢ ናይ ኣገልግሎት ጾር ጾይሮም ስለ ዝነበሩ፡ ንሹም ዚግባእ ምግቢ ኺውሃበኒ ኣይበልኩን። 19  ኦ ኣምላኸይ፡ ስለቲ ዅሉ ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ዝገበርክዎ፡ ብጽቡቕ* ዘክረኒ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ስጋና ኸም ስጋ ኣሕዋትና እዩ።”
ወይ፡ “ተሐርጥዎም።”
ማለት፡ ኣብ ወርሒ።
ወይ፡ “ይኹን!”
ቃ.ቃ.፡ “ሕቝፈይ ነጊፈ፡” ማለት፡ ጥንቲ ኸም ሕሽኩል ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ ኣብ ሕቝፊ ዚርከብ ክፋል ክዳን።
ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ብወጻእየይ ዚዳሎ።”
ወይ፡ “ንጽቡቕ።”