ነህምያ 6:1-19

  • ንዳግመ ህንጸት ዘጋጠሞ ምጽራር ቀጸለ (1-14)

  • መካበብያ ብ52 መዓልቲ ተፈጸመ (15-19)

6  ሳንባላጥን ጦብያን+ ጌሸም እቲ ዓረብን+ እቶም ዝተረፉ ጸላእትናን፡ ነቲ መካበብያ ዳግም ከም ዝሃነጽክዎ፡+ ካብቲ ፍራሳት ከኣ ገለ ኸም ዘይተረፈ ምስ ሰምዑ፡ (ዋላ እኳ ኽሳዕ እታ ግዜ እቲኣ፡ ኣብቲ ኣፍ ደገታት መዓጹ እንተ ዘየቘምኩ፡)+  ሳንባላጥን ጌሸምን ብኡብኡ፡ “ንዓ፡ ኣብ ኣቝሻት ጐልጐል ስንጭሮ ኦኖ+ ኽንራኸብ ንቋጸር” ኢሎም ለኣኹለይ። ግናኸ፡ ኪጐድኡኒ ሓሲቦም ነበሩ።  ኣነ ኸኣ፡ “ዓብዪ ዕዮ እዓዪ ኣሎኹ እሞ፡ ክወርድ ኣይክእልን እየ። ሓዲገዮ ናባኻትኩም ክወርድ ከለኹ፡ ስለምንታይ እቲ ዕዮ ደው ዚብል፧” ኢለ ልኡኻት ለኣኽኩሎም።  ነዚ መልእኽቲ እዚ ኣርባዕተ ሳዕ ለኣኹለይ፣ ኣነ ድማ ከምኡ ገይረ መለስኩሎም።  ሽዑ፡ ሳንባላጥ ንጊልያኡ፡ ከምዚ መልእኽቲ እዚ ዝሓዘት ክፍትቲ ደብዳበ ኣብ ኢዱ ኣትሒዙ ሓምሻይ ሳዕ ለኣኸለይ።  ኣብኣ ድማ ከምዚ ዚብል ተጻሒፉ ነበረ፦ “ንስኻን ኣይሁድን ክትዓልዉ ትሓስቡ ኸም ዘለኹም፡+ ኣብ ኣህዛብ ተሰሚዑ ኣሎ፣ ጌሸም+ እውን ይብሎ ኣሎ። ስለዚ ኢኻ ነቲ መካበብያ እትሃንጾ ዘለኻ፣ ንጉሶም ክትከውን ምዃንካ እውን ይውረ ኣሎ።  ኣብ ብዘላ የሩሳሌም ከኣ፡ ‘ኣብ ይሁዳ ንጉስ ኣሎ!’ ኢሎም ኪእውጁ ነብያት ሸይምካ ኣለኻ። ሕጂ ድማ እዚ ነገር እዚ ንንጉስ ኪንገሮ እዩ። ሕጂ ኸኣ፡ ንዓ፡ ብሓንሳእ ንዘቲ።”  ኣነ ግና፡ “ከምቲ እትብሎ ዘለኻ ኣይኰነን፣ ብልብኻ ዝመሃዝካዮ እዩ” ኢለ ለኣኽኩሉ።  ከመይሲ፡ “ኣእዳዎም ኣብቲ ዕዮ ኺደኽማ እሞ፡ ኪሓድግዎ እዮም”+ ኢሎም ኵላቶም ኬፍርሁና ይጽዕሩ ነበሩ። ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ ኣእዳወይ ኣበርትዕ።+ 10  ኣነ ድማ ናብ ቤት ሸማዕያ ወዲ ደላያ ወዲ ሜሄጣብኤል ከድኩ፣ ንሱ ኸኣ ኣብኣ ተዓጽዩ ነበረ እሞ፡ “ኪቐትሉኻ ኺመጹ እዮም፡ እወ፡ ብለይቲ ኪቐትሉኻ ኺመጹ እዮም እሞ፡ ኣብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ክንራኸብ ቈጸራ ንግበር፣ መዓጹ ቤተ መቕደስ ድማ ንዕጸዎ” በለኒ። 11  ኣነ ግና፡ “ከማይ ዝበለ ሰብኣይዶ ይሃድም፧ ከማይ ዝበለኸ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩስ ብህይወት ኪነብርዶ ይኽእል፧+ ኣይኣቱን እየ!” በልኩ። 12  ሽዑ፡ ጦብያን ሳንባላጥን+ እዚ ትንቢት እዚ ኣንጻረይ ኪዛረብ ከም ዝቘጸርዎ እምበር፡ ኣምላኽ ከም ዘይለኣኾ ኣስተውዓልኩ። 13  ምእንቲ ኺጸርፉንስ፡ ስመይ ዜኽፍኡሉ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ኣፍሪሁ ኼሕጥኣኒ ኢሎም እዮም ቈጺሮምዎ። 14  ኦ ኣምላኸይ፡ ንጦብያን+ ንሳንባላጥን ነዚ ግብሮም እዝን፡ ከምኡ ድማ ንነብዪት ኖዓድያን ነቶም ዝተረፉ ኼፈራርሁኒ ዚጽዕሩ ዝነበሩ ነብያትን ዘክሮም። 15  እቲ መካበብያ ኸኣ ኣብ መበል 25 መዓልቲ ናይ ኤሉል፡* ብ52 መዓልቲ ተፈጸመ። 16  ኵሎም ጸላእትና ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ኣህዛብ ድማ እዚ ምስ ረኣዩ፡ ኣዝዮም ሓፈሩ፣*+ እዚ ዕዮ እዚ ብሓገዝ ኣምላኽና ኸም እተገብረ ኸኣ ፈለጡ። 17  በተን መዓልትታት እቲአን፡ እቶም ልዑላን+ ይሁዳ ናብ ጦብያ ብዙሕ ደብዳበታት ይሰድዱ ነበሩ፣ ካብ ጦብያ እውን ምላሽ ይመጾም ነበረ። 18  ንሱ ሰብኣይ ጓል ሸካንያ ወዲ ኣራሕ+ ነበረ፡ ወዱ ዮሓናን ከኣ ጓል መሹላም+ ወዲ በረክያ ኣእትዩ ነበረ እሞ፡ ብዙሓት ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ንዕኡ እሙናት ከም ዚዀኑ ምሒሎም ነበሩ። 19  ብዛዕባኡ ኸኣ ወትሩ ጽቡቕ ነገር ይነግሩኒ፡ ዘረባይ ድማ ንዕኡ ይነግርዎ ነበሩ። ጦብያ ኸኣ ኬፈራርሃኒ ኢሉ፡ ደብዳበታት ይሰድድ ነበረ።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ኣዒንቶም ኣዝዮም ወደቑ።”