ነህምያ 9:1-38

  • እቶም ህዝቢ ሓጢኣቶም ተኣመኑ (1-38)

    • የሆዋ፡ ይቕረ ዚብል ኣምላኽ (17)

9  ኣብ መበል 24 መዓልቲ እዛ ወርሒ እዚኣ ድማ፡ እስራኤላውያን ተኣከቡ፣ ማቕ ተኸዲኖምን ሓመድ ኣብ ርእሶም ገይሮምን ጾሙ።+  እቶም ዘርኢ እስራኤል ዘበሉ ኸኣ ካብ ኵሎም ጓኖት ተፈልዩ፣+ ደው ኢሎም ድማ ሓጢኣቶምን ስሕተት ኣቦታቶምን ተናዘዙ።+  ኣብ ቦታኦም ከኣ ደው በሉ፣ ካብ መጽሓፍ ሕጊ የሆዋ ኣምላኾም ድማ፡ ርብዒ መዓልቲ* ዓው ኢሎም ኣንበቡ፣+ ንተወሳኺ ርብዒ ከኣ፡ ይናዘዙን ንየሆዋ ኣምላኾም ይሰግዱሉን ነበሩ።  እያሱን ባኒን ቃድሚኤልን ሸባንያን ቡኒን ሸረብያን+ ባኒን ከናኒን ድማ ኣብ ብርኽ ዝበለ መድረኽ+ ሌዋውያን ደው በሉ፣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ ናብ የሆዋ ኣምላኾም ጨርሑ።  እቶም ሌዋውያን እያሱን ቃድሚኤልን ባኒን ሓሻብነያን ሸረብያን ሆድያን ሸባንያን ጰታሕያን ድማ ከምዚ በሉ፦ “ተንስኡ፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ከኣ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ወድስዎ።+ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዅሉ በረኸትን ውዳሰን ክብ ዝበለ ኽቡር ስምካ ድማ ይወድስዎ።  “ንስኻ በይንኻ የሆዋ ኢኻ፣+ ንስኻ ንሰማያት፡ እወ፡ ንሰማየ ሰማያትን ንዅሉ ሰራዊቱን ንምድርን ኣብ ልዕሊኣ ንዘሎ ዅሉን ንባሕርታትን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ገበርካዮ። ንስኻ ንዅሎም ብህይወት ተንብሮም፣ ሰራዊት ሰማያት ከኣ ይሰግዱልካ ኣለዉ።  ንኣብራም+ ዝሓረኻዮን ካብ ኡር+ ናይ ከለዳውያን ዘውጻእካዮን ኣብርሃም ዚብል ስም ዝሃብካዮን፡+ ንስኻ የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኢኻ።  ልቡ ድማ ኣብ ቅድሜኻ እሙን ኰይኑ ረኸብካዮ፣+ ስለዚ፡ ምድሪ ከነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ይቡሳውያንን ጊርጋሳውያንን ንዘርኡ ኽትህቦ ምስኡ ኺዳን ኣቶኻ።+ ንስኻ ጻድቕ ስለ ዝዀንካ ኸኣ፡ ቃልካ ሓሎኻ።  “ኣብ ግብጺ ድማ ጸበባ ኣቦታትና ረኣኻ፣+ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኸኣ ኣውያቶም ሰማዕካ። 10  ኣንጻር ፈርኦንን ኵሎም ገላዉኡን ኵሉ ህዝቢ ምድሩን ድማ ትእምርትን ተኣምራትን ገበርካ፣+ ከመይሲ፡ ከም ዝደፈርዎም ፈሊጥካ ነበርካ።+ ከምዚ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘሎ ኸኣ ንዓኻ ስም ገበርካ።+ 11  ነቲ ባሕሪ ድማ ኣብ ቅድሚኦም መቐልካዮ፣ ንሳቶም ከኣ ብማእከል ባሕሪ ብንቑጽ ምድሪ ሓለፉ።+ ነቶም ሰጐጕቶም ድማ ከምቲ ናብ እተናወጸ ማያት እተደርበየ እምኒ ናብ መዓሙቝ ደርበኻዮም።+ 12  መዓልቲ ብዓንዲ ደበና፡ ኪኸዱላ ዚግባእ መገዲ ምእንቲ ኼብርሃሎም ከኣ፡ ለይቲ ብዓንዲ ሓዊ መራሕካዮም።+ 13  ኣብ ከረን ሲና+ ወሪድካ ድማ፡ ካብ ሰማይ ተዛረብካዮም፣+ ቅኑዕ ፍርድታትን ሕግታት ሓቅን* ጽቡቕ ስርዓታትን ትእዛዛትን እውን ሃብካዮም።+ 14  ቅድስቲ ሰንበትካ ኸኣ ኣፍለጥካዮም፣+ ትእዛዛትን ስርዓታትን ሕግን ድማ ብጊልያኻ ሙሴ ኣቢልካ ኣዘዝካዮም። 15  ምስ ጠመዩ ኸኣ ካብ ሰማይ እንጌራ ሃብካዮም፣+ ምስ ጸምኡ ድማ ካብ ከውሒ ማይ ኣውጻእካሎም።+ እታ ንዓታቶም ክትህቦም ዝመሓልካላ* ምድሪ ኸኣ ኪኣትውዋን ኪርስተይዋን ተዛረብካዮም። 16  “ግናኸ፡ ንሳቶም፡ ኣቦታትና፡ ተዳፈሩ፡+ ነቓጻት እውን ኰኑ፣*+ ትእዛዛትካ ድማ ኣይሰምዑን። 17  ምስማዕ ከኣ ኣበዩ፣+ እቲ ኣብ መንጎኦም ዝገበርካዮ ዜደንቕ ግብርታት ድማ ኣይዘከሩን፣ የግዳስ፡ ነቓጻት ኰኑ፡* ናብ ባርነቶም ናብ ግብጺ ኺምለሱ ኸኣ ርእሲ ሸሙ።+ ንስኻ ግና ንይቕረታ ድልዊ ዝዀንካ ኣምላኽን* ርሕሩሕን* መሓርን ንቝጥዓ ደንጓይን ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን* ኢኻ፣+ ኣይሓደግካዮምን ከኣ።+ 18  ንርእሶም ምራኽ ፍሲ እኳ ምስ ገበሩ እሞ፡ ‘እዚ ኻብ ግብጺ ዘውጽኣካ ኣምላኽካ እዩ’ ምስ በሉ፡+ ዓብዪ ንዕቀት እውን ምስ ገበሩ፡ 19  ሽዑ እውን ከይተረፈ ምሕረትካ ዓብዪ ብምዃኑ፡ ኣብ በረኻ ኣይሓደግካዮምን።+ ብመዓልቲ መገዲ ኺመርሖም እቲ ዓንዲ ደበና፡ ብለይቲ ድማ ኪኸዱላ ዚግባእ መገዲ ኼብርሃሎም እቲ ዓንዲ ሓዊ ኻባታቶም ኣየልገሰን።+ 20  ልቦና ምእንቲ ኪዀኖም ከኣ ጽቡቕ መንፈስካ ሃብካዮም፣+ ማናኻ ድማ ካብ ኣፎም ኣይከላእካን፣+ ምስ ጸምኡ ኸኣ ማይ ሃብካዮም።+ 21  ኣብ በረኻ፡ 40 ዓመት መገብካዮም።+ ሓንቲ እኳ ኣይጐደሎምን። ክዳውንቶም ኣይኣረገን፡+ ኣእጋሮም እውን ኣይሓበጠን። 22  “መንግስትታትን ህዝብታትን ድማ ሃብካዮም፣ በብኽፋል ጌርካ ኸኣ ዓደልካዮም።+ ስለዚ፡ ንምድሪ ሲሆን፡+ ማለት ንምድሪ ንጉስ ሔስቦን፡+ ከምኡ ድማ ንምድሪ ዖግ+ ንጉስ ባሳን ተረስተዩወን። 23  ንደቆም ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማያት ኣብዛሕካዮም።+ ናብታ ንኣቦታቶም ኪኣትውዋን ኪርስተይዋን ዘተስፎኻዮም ምድሪ ኸኣ ኣእቶኻዮም።+ 24  ደቆም ድማ ኣትዮም ነታ ምድሪ ተረስተይዋ፣+ ነቶም ነበርቲ እታ ምድሪ ዝነበሩ ከነኣናውያን ከኣ ኣብ ቅድሚኦም ኣምበርከኽካዮም፣+ ንነገስታትን ንህዝብታትን እታ ምድሪ ድማ፡ ባህ ዝበሎም ኪገብርዎም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም። 25  እተዓርዳ ኸተማታትን+ ፍርያም* ምድርን+ ከኣ ሓዙ፣ ኵሉ ዓይነት ጽቡቕ ነገራት ዝመልኣ ኣባይትን እተዃዕተ መዕቘሪታት ማይን ኣታኽልቲ ወይንን ኣእዋም ኣውልዕን+ ብዙሕ ፈራዪ ኣእዋምን ድማ ተረስተዩ። ስለዚ፡ በልዑን ጸገቡን ሰብሑን በቲ ዓብዪ ሕያውነትካ* ተሓጐሱን። 26  “ግናኸ፡ ዘይእዙዛት ኰኑ፡ ካባኻ ዓለዉ፡+ ንሕግኻ ድማ ዝባኖም መለሱሉ።* ነቶም ናባኻ ኺምለሱ ኢሎም ዘጠንቀቕዎም ነብያትካ ቐተልዎም፣ ዓብዪ ንዕቀት እውን ገበሩ።+ 27  ስለዚ፡ ናብ ኢድ ተጻረርቶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም፣+ ንሳቶም ከኣ ኣጨነቕዎም።+ ብግዜ ጭንቆም ግና ናባኻ የእውዩ ነበሩ፣ ንስኻ ድማ ካብ ሰማያት ትሰምዖም፡ ስለቲ ዓብዪ ምሕረትካ ኸኣ ካብ ኢድ ተጻረርቶም ዜናግፍዎም መድሓንቲ ትህቦም ነበርካ።+ 28  “ዕረፍቲ ምስ ረኸቡ ግና፡ መሊሶም ኣብ ቅድሜኻ ኽፉእ ይገብሩ ነበሩ፣+ ንስኻ ኸኣ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኣሕሊፍካ ትህቦም ነበርካ፣ ንሳቶም እውን ይገዝእዎም* ነበሩ።+ ሽዑ፡ ተመሊሶም ናባኻ ይምህለሉ ነበሩ፣+ ንስኻ ድማ ካብ ሰማያት ትሰምዖም፡ ስለቲ ዓብዪ ምሕረትካ ኸኣ ብተደጋጋሚ ተናግፎም ነበርካ።+ 29  ናብ ሕግኻ ኽትመልሶም ኢልካ እኳ እንተ ኣጠንቀቕካዮም፡ ተዳፈሩ፡ ትእዛዛትካ እውን ኣይሰምዑን፣+ ነቲ ሰብ እንተ ገይርዎ፡ ብህይወት ዚነብረሉ ስርዓታትካ ኸኣ በደሉ።+ ብንቕጽና ዝባኖም መለሱ፡ ክሳዶም ኣትረሩ፡ ምስማዕ እውን ኣበዩ። 30  ንብዙሕ ዓመታት ተዓገስካዮም፡+ ብነብያትካ ጌርካ ድማ ብመንፈስካ ኣጠንቀቕካዮም፣ ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ። ሽዑ፡ ኣብ ኢድ ህዝብታት ሃገራት ኣሕሊፍካ ሃብካዮም።+ 31  ግናኸ፡ ንስኻ ርሕሩሕን* መሓርን ኣምላኽ ኢኻ እሞ፡+ ምሕረትካ ዓብዪ ብምዃኑ፡ ኣየጽነትካዮምን፡+ ኣይሓደግካዮምን እውን። 32  “ሕጂ ድማ፡ ኦ ኣምላኽና፡ ኣታ ዓብይን ሓያልን ዜፍርህን ኪዳኑ ዚሕሉን ብተኣማንነት ዜፍቅርን ኣምላኽ፡+ ነቲ ንዓናን ንነገስታትናን ንመሳፍንትናን+ ንኻህናትናን+ ንነብያትናን+ ንኣቦታትናን ንዅሉ ህዝብኻን ካብ ዘመን ነገስታት ኣሶር+ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝረኸበና ሽግር ኣፍኲስካ ኣይትርኣዮ። 33  ንስኻ ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ ልዕሌና ዝወረደ ጻድቕ ኢኻ፣ ንሕና ደኣ እከይ ገበርና እምበር፡ ንስኻስ ኣብ ተግባርካ እሙን ኢኻ።+ 34  ነገስታትናን መሳፍንትናን ካህናትናን ኣቦታትናን ድማ ሕግኻ ኣይሓለዉን፡ ንትእዛዛትካን ነቲ ብእኡ ዘጠንቀቕካዮም መዘኻኸሪታትካን* ኣየቕለቡሉን። 35  ኣብ መንግስቶም ኣብ ዝነበሩሉን በቲ ዝሃብካዮም ብዙሕ ጽቡቕ ኣብ ዚሕጐሱሉን ኣብታ ዝሃብካዮም ገፋሕን ፍርያምን* ምድሪ ኣብ ዝነበሩሉን እዋን እኳ፡ ኣየገልገሉኻን፡+ ካብቲ ኽፉእ ልምድታቶም ድማ ኣይተመልሱን። 36  እነና ኸኣ ሎሚ ባሮት ኴንና ኣለና፣+ እወ፡ ኣብታ ፍሪኣን ጽቡቓን ኪበልዑ ንኣቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ ባሮት ኴንና ኣለና። 37  እቲ ብዙሕ እቶታ ነቶም ብሰሪ ሓጢኣትና ኣብ ልዕሌና ዝገበርካዮም ነገስታት እዩ።+ ኣብ ልዕሊ ሰብነትናን ማልናን ከኣ ከም ዝደለይዎ ይገዝኡ ኣለዉ፣ ንሕና ድማ ኣብ ዓብዪ ጭንቂ ኣለና። 38  “ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብጽሑፍ ቀያዲ ውዕል ንገብር ኣለና፣+ ብማሕተም መሳፍንትናን ሌዋውያንናን ካህናትናን ከኣ ነረጋግጾ ኣለና።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሰለስተ ሰዓት።”
ወይ፡ “ዜተኣማምን ሕግታትን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኢድካ ዘልዓልካላ።”
ቃ.ቃ.፡ “ክሳዶም እውን ኣትረሩ።”
ወይ፡ “ፍቕራዊ ለውሃትን።”
ወይ፡ “ጸጋውን።”
ወይ፡ “ኣምላኽ ይቕረታን።”
ቃ.ቃ.፡ “ክሳዶም ኣትረሩ።”
ወይ፡ “ሰናይካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስቡሕ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብድሕሪ ዝባኖም ደርበይዎ።”
ወይ፡ “ይረግጽዎም።”
ወይ፡ “ጸጋውን።”
ወይ፡ “መጠንቀቕታታትካን።”
ቃ.ቃ.፡ “ስብሕትን።”