ናሆም 1:1-15

  • ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ዚፈድዮ ሕነ (1-7)

    • ኣምላኽ ንበይኑ ተወፋይነት ይደሊ (2)

    • የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዚምዕቈቡ ይሓስበሎም (7)

  • ነነዌ ኽትጸንት እያ (8-14)

    • ጭንቂ ኻልኣይ ሳዕ ኣይኪልዓልን እዩ (9)

  • ንይሁዳ ዚእወጀሉ ብስራት (15)

1  ኣንጻር ነነዌ+ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦ መጽሓፍ ራእይ ናሆም* እቲ ኣልቆሻዊ፦   የሆዋ ንበይኑ ተወፋይነት ዚደልን+ ሕነ ዚፈድን ኣምላኽ እዩ፣የሆዋ ሕነ ዚፈድን ነድሩ ንምግላጽ ድሉውን እዩ።+ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ተጻረርቱ ሕነ ይፈዲ፡ንጸላእቱ ኸኣ ነድሩ ይዓቝረሎም።   የሆዋ ንቝጥዓ ደንጓይን+ ብዓል ዓብዪ ሓይልን እዩ፣+ግናኸ፡ የሆዋስ ግቡእ መቕጻዕቲ ኸቶ ዘይሓድግ እዩ።+ መገዱ ኸኣ ዜጥፍእ ንፋስን ህቦብላን እዩ፣ደበናታት ድማ ደሮና ኣእጋሩ እዩ።+   ንሱ ንባሕሪ ይገንሖ፡+ የንቅጾ እውን፣ንዅሉ ኣፍላግ ከኣ የንጽፎ።+ ባሳንን ቀርሜሎስን ይጽምሉ፣+ዕምባባታት ሊባኖስ እውን ይጽምሉ።   ኣኽራን ብሰንኩ የንቀጥቅጡ፣ኵርባታት ድማ ይመክኩ።+ ኣብ ምድሪ ብሰንኪ ገጹ ህውከት ይኸውን፣ኣብ ዓለምን ኣብ ኵሎም እቶም ኣብኣ ዚነብሩን እውን ከምኡ።+   ኣብ ቅድሚ ቝጥዓኡ መን ደው ኪብል ይኽእል፧+ ንረስኒ ዅራኡኸ መን ኪጻወሮ ይኽእል፧+ ነድሩ ኸም ሓዊ ኺክዖ እዩ፣ኣኻውሕ ድማ ብሰንኩ ኺሰባበሩ እዮም።   የሆዋ ሕያዋይ* እዩ፣+ ብመዓልቲ ጭንቂ ዕርዲ እዩ።+ ነቶም ኣብኡ ዚምዕቈቡ ይሓስበሎም* እዩ።+   ንቦታኣ* ብዚድምስስ ውሒዝ ጠሪሱ ኼጽንቶ እዩ፣ጸልማት ከኣ ንጸላእቱ ኺስዕቦም እዩ።   ኣንጻር የሆዋስ እንታይ ውዲት ክትኣልሙ ኢኹም፧ ንሱስ ጠሪሱ የጽንት ኣሎ። ጭንቂ ኻልኣይ ሳዕ ኣይኪልዓልን እዩ።+ 10  ንሳቶምሲ ኸም እሾዅ እተጠናነጉ፡ከምቶም ብስዋ* ዝሰኸሩ እዮም፣ከም ንቑጽ ሓሰር ግና ሞዅ ኪብሉ እዮም። 11  ንየሆዋ ውዲት ዚኣልመሉ፡ዘይጠቅም ምኽሪ ኸኣ ዚመኽረሉ ኻባኻ ኺወጽእ እዩ። 12  የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ሓይሊ ዝመልኦምን ብዙሓትን እኳ እንተ ነበሩ፡ኪቝረጹን ኪሓልፉን* እዮም። ኣነስ ገፊዐካ* እየ፣ ደጊም ግና ኣይክገፍዓካን እየ። 13  ሕጂ ድማ ኣርዑቱ ኻባኻ ኽሰብር፡+መእሰሪታትካ ኸኣ ክበትኽ እየ። 14  የሆዋ ብዛዕባኻ* ኣዚዙ ኣሎ፦ ‘ስምካ ደጊም ኣይኪቕጽልን እዩ። ጽሩብ ምስልታትን ፍሱስ ምስልታትን ካብ ቤት* ኣማልኽትኻ ኸጥፍእ እየ። ንዑቕ ኢኻ እሞ፡ መቓብር ክገብረልካ እየ።’ 15  እንሆ፡ ኣእጋር እቲ ብስራት ዜበስር፡ሰላም ከኣ ዚእውጅ ኣብ ኣኽራን ኣሎ።+ ደጊምሲ እቲ ዘይጠቅም ብኣኻ ኣይኪሓልፍን እዩ እሞ፡ኣታ ይሁዳ፡ በዓላትካ ኣብዕል፡+ መብጽዓታትካ ፈጽም። ንሱስ ጠሪሱ ኺጠፍእ እዩ።”

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “መጸናንዒ።”
ወይ፡ “ሰናይ።”
ወይ፡ “ይከናኸኖም።” ቃ.ቃ.፡ “ይፈልጦም።”
ማለት፡ ንናይ ነነዌ።
ወይ፡ “ብስዋ ስርናይ።”
ወይ፡ “ኪሓልፍን” ኪኸውን ይኽእል።
ማለት፡ ንይሁዳ።
ማለት፡ ብዛዕባ ኣሶር።
ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”