ናሆም 2:1-13

  • ነነዌ ኽትዓኑ እያ (1-13)

    • ‘ኣፍ ደገታት ኣፍላግ ኪኽፈት እዩ’ (6)

2  ፋሕ ዜብል ኣንጻርኪ* ኺመጽእ እዩ።+ ነቲ ዕርድታት ሓልውዮ። ነቲ መገዲ ተቛመትዮ። ተዓጠቒ፡* ኵሉ ብርታዐኺ ኣክቢ።   እቶም መጥፋእቲ ኣጥፊኦምዎም፡+ንጨናፍሮም ከኣ ኣብሪሶምዎ እዮም እሞ፡የሆዋስ ንትምክሕቲ ያእቆብ፡ምስ ትምክሕቲ እስራኤል ኪመልሶ እዩ፣   ዋላቱ ጀጋኑኡ ብቐይሕ እተኣጀለ እዩ፣ተዋጋእቱ ድማ ድሙቕ ቀይሕ እተኸድኑ እዮም። በታ ንውግእ ዚዳለወላ መዓልቲ፡ሓጻውን ሰረገላታቱ ኸም ሓዊ ማሕማሕ ይብል፣ኲናውቲ ጽሕዲ* ኸኣ ይንብጥበጥ።   እተን ሰረገላታት በቲ ጐደናታት ከም ዕቡድ ይቀዳደማ። ኣብ ኣደባባያት ናብዝን ናብትን ይወናጨፋ። ከም ዚነድድ ፋናታት ይበርሃ፡ ከም በርቂ እውን ማሕማሕ ይብላ።   ንሰበ ስልጣኑ ኺጽውዖም እዩ። ንሳቶም ኪቐርቡ ኸለዉ ኺዕንቀፉ እዮም። ናብ መካበብያኣ ኺህንደዱ፡መከላኸሊ ኸኣ ኪገብሩ እዮም።   ኣፍ ደገታት ኣፍላግ ኪኽፈት፡ቤተ መንግስቲ እውን ኪመክኽ* እዩ።   ተወሲኑ እዩ፦ ንሳ ተቓሊዓ እያ፣ተወሲዳ እያ፣ ኣግራዳ ድማ ኪቝዝማ እየን፣ደረተን* ኪወቕዓ ኸለዋ፡ ደሃየን ከም ናይ ረገቢት ይመስል።   ነነዌ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዛ፡+ ማያት ከም ዝመልአ ሓጽቢ እያ ነይራ፣ሕጂ ግና ንሳቶም ይሃድሙ ኣለዉ። “ደው በሉ! ደው በሉ!” ገጹ ዚመልስ ግና የልቦን።+   ብሩር ዝመቱ፡ ወርቂ ዝመቱ! እቲ መዛግብቲ መወዳእታ የብሉን። ኵሉ ዓይነት ክቡር ነገራት ዝመልአ እዩ። 10  እታ ኸተማ ባዶ ዀይና፡ ባዲማ፡ ጠፊኣ!+ ልቦም ብፍርሂ መኺኹ፡ ኣብራኾም ተቘሊፉ፡ ሕቘኦም ራዕራዕ ኢሉ፣ኵሉ ገጾም በርበረ መሲሉ። 11  እቲ ሽደናት ኣናብስ ዚበልዑሉ፡ዜፍርሆም ዘይብሎም ከኣኣንበሳ ንዀራዅሩ መሪሑ ዝወጸሉ ሰፈር ኣናብስ ኣበይ ኣሎ፧+ 12  ኣንበሳ ንዀራዅሩ ዚኣኽሎም ግዳይ ይሰላልዓሎም፡ንዋዕሮታቱ ድማ ይሓንቀለን። ንመሕብኢኡ ብግዳይ፡ንሰፈሩ ኸኣ ብእተሰላልዑ እንስሳታት ይመልኦ። 13  “እንሆ፡ ኣንጻርኪ እየ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡+“ንሰረገላታታ ኣንዲደ ትኪ ኽገብሮ እየ፣+ንሽደናት ኣናብስኪ ድማ ሰይፊ ኺውሕጦም እዩ። ንግዳይኪ ኻብ ምድሪ ኽምንቍሶ እየ፣ደሃይ ልኡኻትኪ ኸኣ ደጊም ኣይኪስማዕን እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ኣንጻር ነነዌ።
ቃ.ቃ.፡ “ሕቘኺ ኣደልድሊ።”
ወይ፡ “ተርሚን።”
ወይ፡ “ኪፈርስ።”
ቃ.ቃ.፡ “ልበን።”