ናሆም 2:1-13
2 ፋሕ ዜብል ኣንጻርኪ* ኺመጽእ እዩ።+
ነቲ ዕርድታት ሓልውዮ።
ነቲ መገዲ ተቛመትዮ።
ተዓጠቒ፡* ኵሉ ብርታዐኺ ኣክቢ።
2 እቶም መጥፋእቲ ኣጥፊኦምዎም፡+ንጨናፍሮም ከኣ ኣብሪሶምዎ እዮም እሞ፡የሆዋስ ንትምክሕቲ ያእቆብ፡ምስ ትምክሕቲ እስራኤል ኪመልሶ እዩ፣
3 ዋላቱ ጀጋኑኡ ብቐይሕ እተኣጀለ እዩ፣ተዋጋእቱ ድማ ድሙቕ ቀይሕ እተኸድኑ እዮም።
በታ ንውግእ ዚዳለወላ መዓልቲ፡ሓጻውን ሰረገላታቱ ኸም ሓዊ ማሕማሕ ይብል፣ኲናውቲ ጽሕዲ* ኸኣ ይንብጥበጥ።
4 እተን ሰረገላታት በቲ ጐደናታት ከም ዕቡድ ይቀዳደማ።
ኣብ ኣደባባያት ናብዝን ናብትን ይወናጨፋ።
ከም ዚነድድ ፋናታት ይበርሃ፡ ከም በርቂ እውን ማሕማሕ ይብላ።
5 ንሰበ ስልጣኑ ኺጽውዖም እዩ።
ንሳቶም ኪቐርቡ ኸለዉ ኺዕንቀፉ እዮም።
ናብ መካበብያኣ ኺህንደዱ፡መከላኸሊ ኸኣ ኪገብሩ እዮም።
6 ኣፍ ደገታት ኣፍላግ ኪኽፈት፡ቤተ መንግስቲ እውን ኪመክኽ* እዩ።
7 ተወሲኑ እዩ፦ ንሳ ተቓሊዓ እያ፣ተወሲዳ እያ፣ ኣግራዳ ድማ ኪቝዝማ እየን፣ደረተን* ኪወቕዓ ኸለዋ፡ ደሃየን ከም ናይ ረገቢት ይመስል።
8 ነነዌ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዛ፡+ ማያት ከም ዝመልአ ሓጽቢ እያ ነይራ፣ሕጂ ግና ንሳቶም ይሃድሙ ኣለዉ።
“ደው በሉ! ደው በሉ!”
ገጹ ዚመልስ ግና የልቦን።+
9 ብሩር ዝመቱ፡ ወርቂ ዝመቱ!
እቲ መዛግብቲ መወዳእታ የብሉን።
ኵሉ ዓይነት ክቡር ነገራት ዝመልአ እዩ።
10 እታ ኸተማ ባዶ ዀይና፡ ባዲማ፡ ጠፊኣ!+
ልቦም ብፍርሂ መኺኹ፡ ኣብራኾም ተቘሊፉ፡ ሕቘኦም ራዕራዕ ኢሉ፣ኵሉ ገጾም በርበረ መሲሉ።
11 እቲ ሽደናት ኣናብስ ዚበልዑሉ፡ዜፍርሆም ዘይብሎም ከኣኣንበሳ ንዀራዅሩ መሪሑ ዝወጸሉ ሰፈር ኣናብስ ኣበይ ኣሎ፧+
12 ኣንበሳ ንዀራዅሩ ዚኣኽሎም ግዳይ ይሰላልዓሎም፡ንዋዕሮታቱ ድማ ይሓንቀለን።
ንመሕብኢኡ ብግዳይ፡ንሰፈሩ ኸኣ ብእተሰላልዑ እንስሳታት ይመልኦ።
13 “እንሆ፡ ኣንጻርኪ እየ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡+“ንሰረገላታታ ኣንዲደ ትኪ ኽገብሮ እየ፣+ንሽደናት ኣናብስኪ ድማ ሰይፊ ኺውሕጦም እዩ።
ንግዳይኪ ኻብ ምድሪ ኽምንቍሶ እየ፣ደሃይ ልኡኻትኪ ኸኣ ደጊም ኣይኪስማዕን እዩ።”+