ኢሳይያስ 10:1-34
10 እቶም ጐዳኢ ስርዓታት ዚሰርዑ፡+እቶም ጨቋኒ ትእዛዛት ዜርቅቑ፡ ወይለኦም!
2 ንሳቶምሲ ንጕዳይ ድኻታት ይዓግቱ፣ንትሑታት ህዝበይ ፍትሒ ይኸልኡ፣+ንመበለታት ምርኮኦም ይገብርወን፣ንዘኽታማት* ድማ ይዘምትዎም።+
3 ብመዓልቲ ምጽብጻብ፡*+ጥፍኣት ካብ ርሑቕ ምስ መጸ፡ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧+
ረድኤት ክትረኽቡ ናብ መን ክትሃድሙ ኢኹም፧+
ሃብትኹምከ* ኣበይ ክትሓድግዎ ኢኹም፧
4 ብዘይካ ኣብ መንጎ እሱራት ምዅርማይ፡ወይ ኣብ መንጎ ቕቱላት ምውዳቕ፡ ዚተርፈኩም የብልኩምን።
ምስናይዚ ዅሉ፡ ቍጥዓኡ ኣይተመልሰን፣ኢዱ እውን ገና ኽትወቅዕ ተዘርጊሓ ኣላ።+
5 “ኣየ! እቲ ኣሶራዊ፡+እቲ ቝጥዓይ ዝገልጸሉ ሻቦጥን+እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ በትሪ ዅነኔይን፡
6 ኣንጻር ከሓዲ ህዝቢ፡+ኣንጻር ዜነድረኒ ህዝቢ ኽሰድዶ እየ፣ብዙሕ ኪማርኽን ብዙሕ ኪዘምትን፡ከም ጭቃ ድማ ኣብ ጐደናታት ኪረግጾም ክእዝዞ እየ።+
7 ንሱ ግና ነዚ ኣይኪህቅኖን፡ልቡ እውን ነዚ ኣይኪሓስቦን እዩ፣ኣብ ልቡስ ምጥፋእንሒደት ዘይኰኑ ብዙሓት ኣህዛብ ምምንቋስን እዩ ዘሎ።
8 ንሱስ ከምዚ ይብል እዩ፦
‘ኵሎም መሳፍንተይሲ ነገስታት ደይኰኑን፧+
9 ከልኖኸ+ ኸም ከርከሚሽ+ ደይኰነትን፧
ሓማትከ+ ኸም ኣርጳድ+ ደይኰነትን፧
ሰማርያኸ+ ኸም ደማስቆ+ ደይኰነትን፧
10 ንመንግስትታት እቶም ከንቱ ኣማልኽቲ፡ነተን ቅሩጽ ምስልታተን ካብ ናይ የሩሳሌምን ናይ ሰማርያን ዚበዝሑ፡ ኢደይ ሒዛተን!+
11 ከምቲ ንሰማርያን ንኸንቱ ኣማልኽታን ዝገበርክዎ፡ንየሩሳሌምን ንጣኦታታን እውን ከምኡዶ ኣይክገብርን እየ፧’+
12 “የሆዋ፡ ኵሉ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ዚገብሮ ግብሩ ምስ ፈጸመ፡ ንንጉስ ኣሶር ስለቲ ድርቅና ልቡን ስለቲ ዅሩዕን ዕቡይን ጠመተኡን ኪቐጽዖ እዩ።*+
13 ንሱስ ከምዚ ይብል እዩ፦
‘ኣነ ጥበበኛ እየ እሞ፡ነዚ ብሓይሊ ኢደይን ብጥበበይን ክገብሮ እየ።
ዶባት ህዝብታት ከልግስ፡+መዛግብቶም ድማ ክዘምት፡+ከም ሓያል ከኣ ንነበርቲ ኸምበርክኾም እየ።+
14 ከምቲ ሰብ ናብ ሰፈር ዑፍ ኢዱ ዚዝርግሕ፡ኢደይ ጥሪት ህዝብታት ክትሕዝ እያ፣ከምቲ ሰብ እተሓድገ እንቋቝሖታት ዚእክብ፡ንብዘላ ምድሪ ኽእክባ እየ!
ሓደ እኳ ኣኽናፉ ኣይኬንገብግብን፡ ወይ ኣፉ ኣይኪኸፍትን፡ ወይ ጭቝጭቝ ኣይኪብልን እዩ።’”
15 ፋስሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ብእኡ ዚቘርጽዶ ልዕል ይብል እዩ፧
መጋዝከ ኣብ ልዕሊ እቲ ብእኡ ዚምግዝዶ ልዕል ይብል እዩ፧
ሻቦጥሲ+ ነቲ ዜልዕሎዶ ኼወዛውዞ ይኽእል እዩ፧
በትሪኸ ነቲ ብዕንጨይቲ ዘይተገብረዶ ኼልዕሎ ይኽእል እዩ፧
16 ስለዚ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ኣብ ስቡሓቱ ዕብራን ኪሰድድ እዩ፣+ኣብ ትሕቲ ኽብሩ ድማ ዜባርዕ ሓዊ ኺውልዕ እዩ።+
17 ብርሃን እስራኤልሲ+ ሓዊ፡+ቅዱሱ ኸኣ ሃልሃልታ ኪኸውን እዩ፣ንጻህያዩን ንኣሻዅ ቈጥቋጣቱን ብሓንቲ መዓልቲ ኼባርዖን ኪበልዖን እዩ።
18 ንኽብሪ ዱሩን ንግራት ፍረታቱን ጠሪሱ ኼጥፍኦ* እዩ፣ከምቲ ሕሙም ኪማስን ከሎ ዚዀኖ ኪኸውን እዩ።+
19 እቲ ዝተረፈ ኣእዋም ዱሩ ኸኣ፡ኣዝዩ ሒደት ካብ ምዃኑ እተላዕለ ቘልዓ እኳ ኺዝርዝሮ እዩ።
20 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቶም ኣብ እስራኤል ዚተርፉንእቶም ዘምለጡ ቤት ያእቆብንደጊም ኣብቲ ዝወቕዖም ኣይኪምርኰሱን እዮም፣+የግዳስ፡ ኣብ የሆዋ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ብተኣማንነት ኪምርኰሱ እዮም።
21 ተረፍ ጥራይ፡ ተረፍ ያእቆብ፡ናብቲ ብርቱዕ ኣምላኽ ኪምለስ እዩ።+
22 ኦ እስራኤል፡ ህዝብኻከም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነስ፡ተረፍ ጥራይ ኪምለሱ እዮም።+
ጥፍኣት ተመዲቡ ኣሎ፣+ፍትሒ* እውን ኪውሕጦም እዩ።+
23 እወ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዝመደቦ ጥፍኣትኣብ ብዘላ እታ ምድሪ ኺፍጸም እዩ።+
24 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ኣታ ኣብ ጽዮን እትቕመጥ ህዝበይ በቲ ብሻቦጥ ዚወቕዓካን+ ከም ግብጺ በትሩ ዜልዕለልካን+ ዝነበረ ኣሶር ኣይትፍራህ።
25 ድሕሪ ቝሩብ ግዜስ እቲ ዅነኔ ኺውዳእ እዩ፣ ቍጥዓይ ከኣ ናብ ጥፍኣቶም ኪቐንዕ እዩ።+
26 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ድማ፡ ከምቲ ንሚድያን ኣብ ከውሒ ዖሬብ ዝሰዓሮ፡+ ሓለንጊ ኼልዕለሉ እዩ።+ በትሩ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኪኸውን፡ ከምቲ ኣብ ግብጺ ዝገበሮ እውን ኬልዕሎ እዩ።+
27 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ጾሩ ኻብ መንኵብካ፡+ኣርዑቱ ድማ ካብ ክሳድካ ኺለግስ እዩ፣+እቲ ኣርዑት ከኣ ብሰንኪ ዘይቲ ኺስበር እዩ።”+
28 ናብ ዓያት+ መጺኡ፡ብሚግሮን ሓሊፉ ኣሎ፣ኣብ ሚኽማሽ+ ኣቕሑኡ ኣንቢሩ ኣሎ።
29 ብመሳገሪ ተሳጊሮም፡ኣብ ጌባዕ+ ከኣ ይሓድሩ ኣለዉ፣ራማ ራዕራዕ ትብል፡ ናይ ሳኦል ጊብዓ+ ድማ ትሃድም ኣላ።+
30 ኣቲ ጓል ጋሊም፡ ኣእውዪ፡ ወጭጪ!
ኣቲ ላይሻ፡ ጽን በሊ!
ይዋእኪ ዓናቶት!+
31 ማድሜና ሃዲማ ኣላ።
ነበርቲ ጌቢም መጸግዒ ደልዮም ኣለዉ።
32 በዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ኣብ ኖብ+ ደው ኪብል እዩ።
ኢዱ ድማ ንኸረን ጓል ጽዮን፡ንዅርባ የሩሳሌም የወጣውጠላ ኣሎ።
33 እንሆ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ንጨናፍር ዓጠቕ እናኣበለ ይቘርጾ ኣሎ፣+ነዋሕቲ ኣእዋም ይቝረጹ፡ልዑላን ከኣ ትሕት ይብሉ ኣለዉ።
34 ንጣሻ ዱር ብንዋት ሓጺን* ኪወቕዖ፡ሊባኖስ ከኣ ብኢድ ሓያል ኪወድቕ እዩ።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ኣቦ ንዘይብሎም።”
^ ወይ፡ “መቕጻዕቲ።”
^ ወይ፡ “ክብርኹምከ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ክቐጽዖ እየ።”
^ ወይ፡ “ካብ ነፍሲ ኽሳዕ ስጋ ኼጥፍእ።”
^ ወይ፡ “መቕጻዕቲ።”
^ ወይ፡ “ብፋስ።”