ኢሳይያስ 17:1-14

  • ኣንጻር ደማስቆ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-11)

  • የሆዋ ንኣህዛብ ኪገንሖም እዩ (12-14)

17  ኣንጻር ደማስቆ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦+ “እንሆ፡ ደማስቆ ኸተማ ኻብ ምዃን ከተቋርጽ፡ኵምራ ዑናታት ድማ ክትከውን እያ።+  2  ከተማታት ዓሮዔር+ ኪሕደጋ፡መደቀሲ መጓሰ ኸኣ ኪዀና እየን፣ንዓታተን ዜፍርሀን እውን ኣይኪህሉን እዩ።  3  እተዓርዳ ኸተማታት ካብ ኤፍሬም+ ኪጠፍኣ እየን፣መንግስቲ ኸኣ ካብ ደማስቆ+ ኽትጠፍእ እያ። እቶም ካብ ሶርያ ዝተረፉ ድማ፡ከም ክብሪ እስራኤላውያን ኪዀኑ እዮም” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።  4  “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ክብሪ ያእቆብ ኪንኪ፡እቲ ጥዑይ ሰብነቱ* ኸኣ ኪዓብር እዩ።  5  ከምቲ ዓጻዳይ ዘይተዓጽደ እኽሊ ዚእክብ፡ቅልጽሙ ድማ ንጉምቦታት ዚዓጽዶ፡ከምቲ ሰብ ኣብ ስንጭሮ* ረፋይም+ ጉምቦታት ዚቕርም ኪኸውን እዩ።  6  ከምቲ ኦም ኣውልዕ ምስ ተወቕዐ ዝዀኖ፡ቀሪም ጥራይ ኪተርፍ እዩ፦ ኣብቲ ላዕለዋይ ጨንፈሩ ኽልተ ወይ ሰለስተ ብሱል ኣውልዕ ጥራይ፡ኣብቲ ፍረ ዚፈሪ ጨናፍሩ ኸኣ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ጥራይ ኪተርፍ እዩ”+ ይብል የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል። 7  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሰብ ናብ ገባሪኡ ኣንቃዕሪሩ ኺርኢ፡ ኣዒንቱ ድማ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኪጥምታ እየን። 8  ናብቲ ኣእዳዉ ዝሰርሓኦ+ መሰውኢታት+ ኣይኪርእን፡ ናብቲ ኣጻብዑ ዝገበራኦ ኣዕኑድ ኣምልኾ* ዀነ መሰውኢታት ዕጣን ከኣ ኣይኪጥምትን እዩ።  9  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እተን እተዓርዳ ኸተማታቱ ኸም ኣብ ዱር እተሓድገ ቦታ፡+ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ከም እተሓድገ ጨንፈር ኪዀና እየን፣ንሳ ድማ ክትባድም እያ። 10  ከመይሲ፡ ንኣምላኽ ድሕነትኪ ረሲዕክዮ፣+ንኸውሒ+ ዕርድኺ ኸኣ ኣይዘከርክን። ስለዚ፡ ጽቡቕ* ኣትክልቲ ትተኽሊ፡ምስ ጨንፈር ጋሻ* ድማ ትገብርዮ ኢኺ። 11  በታ ንኣትክልትኺ ተጠንቂቕኪ ዝሓጸርክላ መዓልቲ፡ንግሆ ንዘርእኺ ተብቍልዮ፣ምህርቲ ግና ብመዓልቲ ሕማምን ዘይሓዊ ስቓይን ኪጠፍእ እዩ።+ 12  እንሆ፡ ዕግርግር እቶም ከም ባሕርታት ዚናወጹብዙሓት ህዝብታት! ከም ደሃይ ድዋሕታ ብርቱዕ ማያት ዝዀነጫውጫውታ ኣህዛብ ኣሎ! 13  ኣህዛብ ከም ድዋሕታ ብዙሕ ማያት ዝበለ ደሃይ ኪገብሩ እዮም። ንሱ ኺገንሖም እዩ፣ ንሳቶም ድማ ናብ ርሑቕ ኪሃድሙ፡ከም ብቝቡቝ ኣኽራን ኣብ ቅድሚ ንፋስ፡ዕንክሊል ከም ዚብል ተዀርባ ኣብ ቅድሚ ህቦብላ ንፋስ ኪስጐጉ እዮም። 14  ምሸት፡ ሽበራ ኣሎ። ቅድሚ ንግሆ፡ የለዉን። ግደ እቶም ዚዝርፉና፡ዕጫ እቶም ዚዘምቱና እዚ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ስብሒ ስጋኡ።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ባህ ዜብል።”
ወይ፡ “ጓና ኣምላኽ።”