ኢሳይያስ 3:1-26

  • መራሕቲ ይሁዳ ነቲ ህዝቢ ኣስሓትዎ (1-15)

  • እተን ተዃሸምቲ ኣዋልድ ጽዮን ተፈርዳ (16-26)

3  እንሆ፡ እቲ ናይ ሓቂ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊትሲ፡ኵሉ ዓይነት ደገፍን ቀረብን፡ኵሉ ደገፍ እንጌራን ማይን ካብ የሩሳሌምን ይሁዳን የርሕቕ ኣሎ።+  2  ጅግናን ተዋጋእን፡ፈራድን ነብይን፡+ ጠንቋልን ሽማግለን፡  3  ሓለቓ ሓምሳን+ ክቡርን ኣማኻርን፡ክኢላ ገባር ስሒርን ክኢላ ዓዛምን+ እውን የርሕቕ ኣሎ።  4  ቈልዑ መሳፍንቶም ክገብር እየ፣ዘይጽኑዓት* ድማ ኪገዝእዎም እዮም።  5  እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ሓደ ነቲ ሓደ፡ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ኺጭቍኖ እዩ።+ ቈልዓ ንኣረጊት ኬጥቅዖ፡ቀሊል ድማ ንኽቡር ኪደፍሮ እዩ።+  6  ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ ኣብ ቤት ኣቦኡ ኺሕዞ እሞ፡“ባርኖስ ኣሎካ፣ ኣዛዚና ኹን። ሓላፊ እዚ ዅምራ ዑናታት ኩን” ኪብሎ እዩ።  7  በታ መዓልቲ እቲኣ ግና፡ ንሱ ኺኣቢ፡“ዘናን ቍስልኻ* ኣይከውንን እየ፣ኣብ ቤተይ እንጌራ ዀነ ኽዳን የብለይን። ኣብ ልዕሊ እዚ ህዝቢ ኣዛዚ ኣይትግበረኒ” ኺብል እዩ።  8  ብቓሎምን ብግብሮምን ኣንጻር የሆዋ ስለ ዝዀኑስ፡የሩሳሌም ተዓንቂፋ፡ይሁዳ ድማ ወዲቓ ኣላ፣ኣብ ቅድሚ ኽብሩ* ተዳፊሮም እዮም።+  9  ትርኢት ገጾም ኣንጻሮም ይምስክር ኣሎ፣ንሓጢኣቶም ድማ ከም ሶዶም የውርይዎ ኣለዉ፣+ኪሓብእዎ ኣይፍትኑን እዮም። ኣብ ርእሶም ጥፍኣት የምጽኡ ኣለዉ እሞ፡ ወይለኦም!* 10  ንጻድቃን፡ ጽቡቕ ከም ዚዀነሎም ንገርዎም፣ከምቲ ግብሮም ዓስቢ ኺረኽቡ እዮም።*+ 11  ንእኩይሲ ወይለኡ! ከም ግብሪ ኣእዳዉ ኺፍደ እዩ እሞ፡መዓት ኪወርዶ እዩ! 12  ንህዝበይሲ ኣዕየይቶም ይሃስይዎም፣ኣንስቲ ኸኣ ይገዝኣኦም። ኣታ ህዝበይ፡ መራሕትኻ የስሕቱኻ፡ኣንፈት መገድትታትካ ድማ ከም ዘይልለ ይገብሩ።+ 13  የሆዋ ኪኸስስ ይቐውም ኣሎ፣ንህዝብታት ኪፈርዶም ከኣ ይትንስእ ኣሎ። 14  የሆዋ ነቶም ዓበይትን መሳፍንትን ህዝቡ ኺፈርዶም እዩ። “ንስኻትኩም ኣታኽልቲ ወይኒ ኣንዲድኩም፣ካብ ድኻ ዝሰረቕኩምዎ ድማ ኣብ ኣባይትኹም ኣሎ።+ 15  ንህዝበይ እትጭፍልቕዎ፡ገጽ ድኻታት ኣብ ሓመድ እትደቝሱስ ክንደይ ትደፍሩ፧”+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 16  የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣዋልድ ጽዮን ተዓብየን፡ርእሰን ልዕል ኣቢለን* ይኸዳ፡ብኣዒንተን እናተዃሸማ ሸነን ይብላ፡ኣምባር እግረን ሽዋሕዋሕ የብላ እየን እሞ፡ 17  የሆዋ ንርእሲ ኣዋልድ ጽዮን ብሽሕር ኪወቕዖ፡የሆዋ ድማ ንግምባረን ጥራዩ ኺገብሮ እዩ።+ 18  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ንጌጽ ኣምባር እግረን ኪቕንጥጦ እዩ፣ነቲ መእሰር ርእሰንን ወርሒ ዝቕርጹ ስልማትን፡+ 19  ንዅትሻን* ንኣምባር ኢድን ንመጐልበብን፡ 20  ንመዐመምያን ንሰንሰለት እግርን ንመቐነትን፡ንመቐመጥ ሽቱን* ንኽታብን፡* 21  ንቐለቤት ኣጻብዕን ንቐለቤት ኣፍንጫን፡ 22  ወለል ንዚብል ክዳን ጽምብልን ንመደረብታን ንባርኖስን ንማሕፉዳን፡ 23  ንመስትያት ኢድን+ ንኽዳን በፍታን፡*ንመጠምጠምያን ንመጐልበብን ኪቕንጥጦ እዩ። 24  ኣብ ክንዲ ዘይቲ በለሳን፡+ ሕማቕ ጨና፡ኣብ ክንዲ ዕጣቕ፡ ገመድ፡ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ስርሓት ጸጕሪ፡ መላጥ ምዃን፡+ኣብ ክንዲ ኽቡር ክዳን፡ ክዳን ማቕ፡+ኣብ ክንዲ ጽባቐ ድማ፡ ዕላመት ኪኸውን እዩ። 25  ሰብኡትኪ ብሰይፊ፡ጀጋኑኺ ኸኣ ኣብ ውግእ ኪወድቁ እዮም።+ 26  ኣፍ ደገታታ ኺሓዝናን ኪጕህያን፡+ንሳ ድማ ዓንያ ኣብ ምድሪ ኽትቅመጥ እያ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ተለዋወጥቲ።”
ወይ፡ “ፈዋሲኻ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ኣዒንቲ ኽብሩ።”
ወይ፡ “ወይለኣ ነፍሶም!”
ቃ.ቃ.፡ “ፍረ ግብርታቶም ኪበልዑ እዮም።”
ቃ.ቃ.፡ “ብእተገተረ ኽሳድ (ጐረሮ)።”
ወይ፡ “ተንጠልጣሊ ስልማትን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣባይቲ ነፍስን።”
ወይ፡ “ናይ ስልማት ዛዕጐል ጕጅምጅምታን።”
ወይ፡ “ንቐምሽን።”