ኢሳይያስ 38:1-22

  • ህዝቅያስ ሓመመን ሓወየን (1-22)

    • መዝሙር ምስጋና (10-20)

38  በተን መዓልትታት እቲአን፡ ህዝቅያስ ናብ ሞት ክሳዕ ዚቐርብ ሓመመ።+ ነብዪ ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ ድማ ናብኡ መጺኡ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ክትመውት ኢኻ እምበር፡ ኣይክትሓውን ኢኻ እሞ፡ ንቤተ ሰብካ ተላቦ’” በሎ።+ 2  ህዝቅያስ ከኣ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱ፡ ከምዚ ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ፦ 3  “ኦ የሆዋ፡ እልምነካ ኣለኹ፣ ኣብ ቅድሜኻ ብተኣማንነትን ብምሉእ ልብን ከም እተመላለስኩ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ እውን ጽቡቕ ከም ዝገበርኩ በጃኻ ዘክር።”+ ህዝቅያስ ድማ ኣምሪሩ በኸየ። 4  ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ኢሳይያስ መጸ፦ 5  “ተመሊስካ ንህዝቅያስ ከምዚ በሎ፦+ ‘የሆዋ ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብል፦ “ጸሎትካ ሰሚዐ፡+ ንብዓትካ እውን ርእየ እየ።+ እንሆ ድማ፡ ኣብ ዕድመኻ* 15 ዓመት እውስኸልካ ኣለኹ፣+ 6  ንዓኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከናግፈኩም እየ፣ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ክከላኸለላ እየ።+ 7  የሆዋ ነቲ እተዛረቦ ቓል ከም ዚፍጽሞስ፡ እቲ ኻብ የሆዋ ዝመጸ ምልክት እዚ እዩ፦+ 8  እንሆ፡ እቲ ኣብ መደያይቦ ኣሓዝ ዚወርድ ዘሎ ጽላሎት ጸሓይ ዓሰርተ ደረጃ ንድሕሪት ኪምለስ እዩ።”’”*+ ስለዚ፡ ጸሓይ ካብቲ ወሪዳትሉ ዝነበረት መደያይቦ፡ ዓሰርተ ደረጃ ንድሕሪት ተመልሰት። 9  ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሓሚሙ ኻብ ሕማሙ ምስ ሓወየ ዝጸሓፎ ጽሑፍ።* 10  ኣነስ፡ “ኣብ መንጎ ህይወተይ፡ናብ ኣፍ ደገታት መቓብር* ክኸይድ እየ። ነዚ ዝተረፈ ዓመታተይ ክኽልከል እየ” ኢለ ነይረ። 11  ከምዚ ድማ ኢለ ነይረ፦ “ንያህ፡* ንያህ ኣብ ምድሪ ህያዋን ኣይክርእዮን እየ።+ ምስ ነበርቲ እቲ ዅሉ ዜቋርጸሉ ቦታ ምስ ኰንኩ፡ደጊም ሰብ ኣይክርእን እየ። 12  መንበርየይ ከም ድንኳን ጓሳ፡ካባይ ተመንቊሳን ኣልጊሳን ኣላ።+ ንህይወተይ ከም ኣላማይ ጠቕሊለያ ኣለኹ፣ንሱ ኸም ቅጥኒ ይቘርጸኒ። ካብ መዓልቲ ኽሳዕ ለይቲ፡ ንስኻ ናብ መወዳእታ ተምጽኣኒ።+ 13  ክሳዕ ንግሆ ንርእሰይ ኣህዲአ። ንሱ ኸም ኣንበሳ፡ ንዅሉ ኣዕጽምተይ ይሰብሮ ኣሎ። ካብ መዓልቲ ኽሳዕ ለይቲ፡ ንስኻ ናብ መወዳእታ ተምጽኣኒ።+ 14  ከም ለዃዂቶ ወይ ከም ጭሩ* ጭቝጭቝ እብል ኣለኹ፣+ከም ርግቢ ኩኩ እብል ኣለኹ።+ ኣዒንተይ ናብ ላዕሊ ብምርኣይ ደኺመን፦+ ‘ኦ የሆዋ፡ ብዙሕ እጭነቕ ኣለኹ፣ደገፈይ ኩን!’*+ 15  እንታይ እሞ ኽብል እኽእል፧ ንሱ ተዛሪቡኒ፡ ገይርዎ ኸኣ። ብሰንኪ መሪር ጭንቀይ፡*ኵለን ዓመታተይ ብትሕትና* ኽመላለስ እየ። 16  ‘ኦ የሆዋ፡ ኵሉ ሰብ በዚ ነገራት እዚ* ይነብር፣ኣብኡ ኸኣ ህይወት መንፈሰይ ኣሎ። ጥዕና ኽትህበንን ብህይወት ከተንብረንን ኢኻ።+ 17  እንሆ፡ ኣብ ክንዲ ሰላም፡ ዓብዪ ምረት ነይሩኒ፣ንዓይ ስለ ዝፈቶኻኒ* ግና፡ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ኣድሒንካኒ።+ ኵሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሪ ዝባንካ ደርቢኻዮ።*+ 18  መቓብርሲ* ኼሞግሰካ ኣይክእልን፡+ሞት እውን ኪውድሰካ ኣይክእልን እዩ።+ እቶም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ፡ ብተኣማንነትካ ተስፋ ኺገብሩ ኣይክእሉን እዮም።+ 19  ከምቲ ኣነ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽገብሮ ዝኽእል፡ህያው፡ እወ ህያው እዩ ኺውድሰካ ዚኽእል። ኣቦ ንደቁ ብዛዕባ ተኣማንነትካ ኼፍልጦም ይኽእል እዩ።+ 20  ኦ የሆዋ፡ ኣድሕነኒ እሞ፡ብዅለን መዓልትታት ህይወትና ኣብ ቤት የሆዋ፡+መዛሙረይ ብበገና ኽንወቕዓልካ ኢና።’”+ 21  ኢሳይያስ ድማ፡ “ምእንቲ ኺሓውስ፡ ጎጎ በለስ ኣምጽኡ፡ ኣብቲ ምጕልንጭዋ ግበሩሉ” በለ።+ 22  ህዝቅያስ ከኣ፡ “ናብ ቤት የሆዋ ኸም ዝድይብ፡ ምልክቱ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓቲቱ ነበረ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታትካ።”
ምናልባት እቲ መደያይቦ ኸም ሰዓት ጸሓይ ግዜ ንምቝጻር ዜገልግል እዩ ነይሩ።
ወይ፡ “ዝደረሶ ድርሰት።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
“ያህ” ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
ቃ.ቃ.፡ “ዋሕሰይ ኩን።”
ወይ፡ “ገርኑቕ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ምረት ነፍሰይ።”
ወይ፡ “ብቝም ነገር።”
ማለት፡ ብቓላትን ብተግባራትን ኣምላኽ።
ወይ፡ “ኵሉ ሓጢኣተይ ካብ ቅድሜኻ ኣርሒቕካዮ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ስለ ዝፈቶኻያ።”
ወይ፡ “ሲኦልሲ፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።